ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽልተ ኣሕዋት ህጻናት ብዘሰክሕ ዝቐተለት ሰራሕተኛ ገዛ ንሞት ተፈሪዳ

ንሞት ዝተፈረደት ህይወት መኮነን

ምንጪ ስእሊ, FDRE Ministry of Justice

መግለጺ ስእሊ, ንሞት ዝተፈረደት ህይወት መኮነን

እዛ ንሞት ተፈሪዳ ዘላ ጓል 19 ዓመት መንእሰይ፡ ክሳብ መስርሕ ፍርዲ ሞት ዝፍጸም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ክትጸንሕ ተወሲኑ ኣሎ።

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝፍጸም ገበናት ኣኽባሪ ሕጊ ዳይረክቶረይት፡ ብ 1 መስከረም 2022 ኣብ ክፍለ ከተማ ባለሚኩራ ኣራበሳ ኮንዶምንዮም ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ፡ ሰራሕተኛ ገዛ ኰይና ኣብ እትሰርሓሉ ዝነበረት ገዛ፡ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ንኽልተ ህጻናት ኣሕዋት ብኣሰቓቒ ኣገባብ ቀቲላ ብምባል፡ ነቲ ክስተት ኣብ ከቢድ ገበን ብምስፋር፡ 25 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ልዕሊ ህይወት መኮነን ተደራራቢ ክስታት ምምስራቱ ዝዝከር’ዩ።

ተከሳሲት፡ ኣብ እንዳ ፖሊስን ኣብ ቤት ፍርድን ዝሃበቶ ቃል እምነትን ክሕደትን ምርኩስ ብምግባር፡ ኣኽባሪ ሕጊ ክሲ ብምምስራት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ነቲ ገበን ምፍጻማ ኣብ ዝሓተተሉ፡ “ነቲ ቅትለት ኣይፈጸምክዎን ገበነኛ ኣይኰንኩን” ኢላ’ኳ እንተኸሓደት፡ ነቲ ገበን ምፍጻማ ኣኽባሪ ሕጊ ናይ ሰብን ሰነድን መርትዖታት ናብ ቤት ፍርዲ ስለዘቕርበ፡ ቤት ፍርዲ፡ መሰኻኽር ኣኽባሪ ሕጊ ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ክስታት ከምዝፈጸመቶ ስለዘረጋገጹ፡ ከቢድ ገበን ቅትለት ከምዝተፈጸመ ስለዘረጋገጸን፡ ተኸሳሲት ናይመከላኸሊ ሓሳብ የብለይን ስለዝበለት ቤት ፍርዲ ገበነኛ’ያ ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ።

በዚ መሰረት ቤት ፍርዲ ትማሊ 5 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ፡ ተኸሳሲት ብሞት ክትቅጻዕ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ተኸሳሲት፡ ቅድሚ ሕጂ ገበን ፈጺመ ኣይፈልጥን’የ፡ ስለዘይተመሃርኩ ብጉድለት ፍልጠት ዝፈጸምክዎ’ዩ፡ ገበነይ ፈሊጠ ንፖሊስ ባዕለይ ኢደይ ስለዝሃብኩ ዝብል ዝርከቦ ሓሙሽተ መቓለሊ ፍርዲ’ኳ እንተኣቕረበት እቲ ቤት ፍርዲ ግን ነቲ ሓሳብ ነጺግዎ።

ቤት ፍርዲ፡ ካልኦት ተመሳሳሊ ገበን ከይፍጽሙ መአረምታ ይኸውን’ዩ ብምባል ተኸሳሲት ብሞት ክትቅጻዕ ውሳነኡ ኣሕሊፉ ኣሎ።

ተከሳሲት ህይወት መኮነን፡ ብ 1 መስከረም 2022 እያ ነቶም ደቂ ክልተን ሰለስተን ዝዕድመኦም ሓውን ሓፍትን ህጻናት ብኣሰቓቒ ኣገባብ ቀቲላቶም።