ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ብዕጡቓት ፋኖ ከም ዝተቐተሉ ተገሊፁ

ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ፡ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ነበርቲ ገሊፆም።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ 24 ነሓሰ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ኣብ ወረዳ ኣሙሩ ከተማ ኣጋምሳ ናይ ዝተቐተሉ ሰባት ቁፅሪ ብትኽክል ምፍላጥ እኳ እንተዘይተኽኣለ ልዕሊ 50 ሰባት ተቐቲሎም ተባሂሉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ልዕሊ 100 ሬሳታት ከም ዝረኣዩ ዝተዛረቡ እንትኾኑ፡ ካልኦት ፀብፃባት ድማ ቁፅሪ መወትቲ ካብ 50 ከም ዘይንእስ ይሕብሩ።
እቲ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣብታ ከተማ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዕጡቓት ፋኖ ከም ዝተፈፀመ እቶም ነበርቲ ገሊፆም።
ነዚ መጥቃዕቲ ስዒቡ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ መራሒ 10 ኣባላት ስድራ፡ እቲ ቅትለት ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 24 ነሓሰ ሰዓት 12፡00 ናይ ንጉሆ ከምዝጀመረ ይገልፁ።
“ገና ካብ ምድቃስና ምስ ተሳእና፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ከተማ ኣጋምሳ ተኹሲ ብምኽፋት ናብ ማእኸል ክኣትዉ ጀሚሮም” ኢሉ።
ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ምውፅኦም ስዒቡ፡ ሰራዊት ግንባር ነፃነት ኦሮሞ ናብታ ከተማ ኣትዩ ከም ዝነበረ ነበርቲ ይገልፁ።
ቀፂሉ ሰራዊት ኦነግ ካብታ ከተማ ምስ ወፅአ ድማ፡ ዕጡቓት ፋኖ ናብታ ከተማ ብምእታው፡ ምስ ሰራዊት ኦነግ ተሓባቢርኩም ንዝበልዎም ከም ዝቐተሉ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም።
ቢቢሲ ኣብዚ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ንሰብመዚ እቲ ከባብን ፌደራልን ንምዝራብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
እንተኾነ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ከባቢ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲ፡ ብ “ኣኽረርቲ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኦነግን” ከም ዝፍፀሙ ገሊፆም ነይሮም።
እቲ ሰዓት 12፡00 ናይ ንጉሆ ዝጀመረ መጥቃዕቲ ክሳብ ፋዱስ ሰዓት 7፡00 ከም ዝቐፀለ፡ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምስክር ዓይኒ ገሊፆም።
ዓሰርተ ኣባላት ስድርኦም ሒዞም ከም ዝሃደሙ ዝገልፁ እቶም ነባሪ፡ “ብዕድመ ንዝደፍአትን ምንቅስቓስ ዘይትኽእልን ወላዲተይ ኣብ ገዛ ገዲፍናያ ኢና ሃዲምና። ሕዚ ኣብ ከመይ ዓይነት ኩነታት ከም ትርከብ ኣይንፈልጥን። ሕዚ’ውን ንበልዖን ናብ ንኸዶን የብልናን” ብምባል፡ ካብ 100 ዘይውሕድ ናይ ሰባት ሬሳታት ከም ዝረኣዩ ንቢበሲ ተዛሪቦም።
ካልእ ተምሃሪ 12 ክፍሊ ዝኾነ ነባሪ ከተማ ኣጋምሳ ድማ፡ ክሳብ ሓሙስ ንጉሆ ናይ ሰባት ሬሳታት ተኣኪቡ ከም ዘይተወድአ ተዛሪቡ።
“ክሳብ ሕዚ ተቐቢሩ ዘይተወድአ ሬሳ ኣብ ሜዳ ወዲቑ ይርከብ። እቲ ህዝቢ ገና ካብ ምድቃሱ እንከይተልዓለ እዩ ተኹሲ ተኸፊትዎ። ዝጠፍኡ ሰባት ይድለዩ ኣለዉ” ብምባል ነቲ ኩነታት የረድእ።
“ብህይወት ስለ ዝተረፍኩ ዕድለኛ እየ” ዝብል እዚ መንእሰይ፡ 30 ሬሳታት ከም ዝቖፀረ ንቢበሲ ገሊፁ።
ነዚ መጥቃዕቲ ስዒቡ ነበርቲ ከተማ ኣጋምሳ ብእግሮም ተጓዒዞም ኣብ ካልእ ከባቢ ኣፅሊሎም ከምዝርከቡ ተዛሪቡ።
ኣብታ ከተማ ካብ መጥቃዕቲ ብተወሳኺ፡ ኣብ ትካላት ንግዲ መጠነ ሰፊሕ ዝምታ ከም ዝተፈፀመን ትካላት ንግድን ባንክታትን ብሓዊ ክቃፀል ከም ዝተገበረን እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊፆም።
እቶም ዕጡቓት፡ “ብመኪናን ብሞተርን ክንዲ ዝኸኣልዎ ንብረት ህዝቢ ዘሚቶም ወሲዶም። ዘይከኣልዋ ከኣ ኣቃፂለሞ” ኢሎም፡ እቶም ቢቢሲ ዘዛረቦም ነባሪ።
እዚ መጥቃዕቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ ምስ ወፅአ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ከም ዝተፈፀመ እቶም ነበርቲ ኣረዲኦም።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ፡ ካብ ሰብመዚን ኣመራርሓን ክልል ኦሮምያ፣ ዞባ ሆሮ ጉድሩ፣ ወረዳ ኣሙሩን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







