ሓድራዊ፡ እቲ ካብ ልሳን ሶማላውያን ዘይጠፍእ ገጣሚ

ገጣሚ መሓመድ ኢብራሂም 'ሓድራዊ'

ምንጪ ስእሊ, MARY HARPER

ሶማላውያን፡ ደቂ “ሃገረ ገጠምቲ” ተባሂሎም እዮም ዝፍለጡ።

ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ኸኣ፡ ን መሓመድ ኢብራሂም ዋርሴም ዝዳረግ ገጣሚ የለን።

መሓመድ ኢብራሂም፡ ኣብ ሃርጌሳ፡ ርእሰ ከተማ ናይታ ንርእሳ ሪፐብሊክ ኢላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ኣብ መበል 79 ዓመቱ'ዩ ዓሪፉ።

ዓሰርታት ኣሽሓት ኣብ ቀብሩ ተረኺቦም። ካብ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ከይተረፈ ብዙሓት ናብ ሶማሊላንድ ብምኻድ ንዕኡ ዘለዎም ክብሪ ገሊጾም።

እዞም ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ዝተረኸቡ ብዙሓት ሓዛኖ፡ ምስክር እቲ ኣብ ልዕለኡ ዘለዎም ክብርን ፍቕርን እዮም።

እቲ ገጣሚ፡ ብቐሊሉ ሓድራዊ ወይ “ክኢላ ዘረባ” ብዝብል ሳጓ እዩ ዝፍለጥ። እዚ ቈልዓ ኰይኑ ኣብ የመን ዝወጽኣሉ ሳጓ እዩ።

መሓመድ ኢብራሂም፡ ቈልዓ እናሃለወ ኣደኡ ስለ ዝሞተት ኣብ የመን እዩ ዓብዩ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ “ሞት ሓድራዊ፡ ንነፍሲ ወከፍ ገዛ ሶማልያ ዝትንክፍ እዩ” ኢሉ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሜሪ ሃርፐር፡ ብ2017 ህይወትን ስርሓትን እቲ ገጣሚ ዝድህስስ ሰነዳዊ ንምድላው ኣብ እትሰርሓሉ ግዜ ዘዘራረበቶም ሰባት፡ ዳርጋ መብዛሕትኦም ሓደ ካብ ግጥምታቱ ይረቝሑ ወይ ካብ ደርፍታቱ ይደርፉ ከም ዝነበሩ ትዝክር።

ተመሃሮ፡ ኣሳሰይቲ፡ ሚሊየነራት፡ ተመጽወትቲ፡ ወተሃደራትን ሚኒስተራት መንግስትን ኵሎም ንግጥሚታቱ ይፈልጡዎምን ካብ ልቦም ክኣ ይፈትዉዎምን።

'ንዅላትና ሓደ ገይሩና’ዩ’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ንሶማላውያን ሓደ ክገብሮም ዝኽእል ሓደ ነገር ሓድራዊ’ዩ” ይብል ተሓጋጋዚኡን ኣርታዒ ስርሓውቱን ዝዀነ መሓመድ ሱሌማን።

“ሶማልያ ፈሪሳ’ያ፤ እታ ሃገር ተበታቲና እያ። ሓደ ዝገብሩና ዘለው ቋንቋና፡ ሃይማኖትናን ሓድራዊን እዮም።"

ሓድራዊ ልዕሊ ገጣሚ እዩ ነይሩ።

ብዙሓት ተዋስኦታት ጽሒፉ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሙዚቀኛታት ብምትሕብባር ድማ ልዕሊ 70 ኣዝዮም ተፈተውቲ ሙዚቃታት ደሪሱ።

በዚ፡ ከም ሓደ ፈላስፋን ገናሒ ሞራልን ተገይሩ’ዩ ዝውሰድ።

ብቐንዱ ክኣ፡ እቲ ክሳብ 1972 [ኣ. ኤ] ኣብ ጽሑፍ ዘይነበረ ቋንቋ ሶማልያ ኣብ ምዕቃብ ዓቢይ ተራ ተጻዊቱ'ዩ።

ሓድራዊ፡ ቀንዲ ነቓፊ ምልካዊ ምሕደራ እቲ ካብ 1969 ክሳብ 1991 ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ ሲያድ ባረ’ዩ።

ብ1973፡ ሓድራዊ ብግጥምታቱ ኣቢሉ ኣንጻር መራሕቲ ሶማልያ ብምዝራቡ ንሓሙሽተ ዓመታት ተኣሲሩ።

እታ ኣመና ዘሕረቐቶም ግጥሚ፡ ‘The Killing of the She-Camel’ ዝተባህለት ብልሽውናን ምልካውነትን እትነቅፍ ግጥሚ’ያ።

እታ ግጥሚ፥

The cob stallion sells his values

in order to cut a fine figure.

When such cockiness struts forth

and even laugher becomes a crime

our country has unfinished business.

ዝብላ ነግሒ ኣሎዋ።

ሓድራዊ፡ ኣባል ኮሚቴ'ቲ ኣንጻር እቲ ሶማሊላንድ ርእሳ ዝኽኣለት ሃገር እያ ኢሉ ዝኣወጀ መንግስቲ ዝዀነ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ሶማልያ እዩ።

ሶማሊላንድ፡ ብ1991 ናጻ ሃገር ኢላ ካብ እትእውጅ ክሳብ ሕጂ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይረኸበትን።

ብ2003፡ ደረፍቲ ሰላም፡ ገጠምትን ካልኦት ጕጅለታት ባህሊን ብምውዳብ ኣብቶም ጐንጺ ዝነበሮም ከባቢታት ብምኻድ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዝመስል ዝነበረ ጐንጺ ከብቅዕ ገይሩ’ዩ።

ስራሕቲ ሓድራዊ፡ ጉዳያት ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ኣድልዎ ዝበጽሖም ጕጅለታት፡ ውጹዓት ቀቢላታትን ደቂ ኣንስትዮን ብፍላይ ኣደታት ዘተኰሩ እዮም።

ንዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ሶማላውያን መንፈሳዊ ምልዕዓል ዝፈጥር ሰብ እዩ ኰይኑ።

ሃድራዊ፡ ንብዙሓት ሶማልያውያን ምልዕዓል ዝፈጠረ ገጣሚ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, MARY HARPER

ስኮትላንዳዊ ገጣምን ፕሮፌሰር ግጥምን ጽሕፈትን ዩኒቨርሲቲ ኒውካስል ቢል ሀርበርት፡ ገለ ግጥምታት ሃድራዊ ናብ ኢንግሊዘኛ ንምቕያር ምስ ሶማልያውያን ሙሁራት ሰሪሑ’ዩ።

“ነቕ ዘይብል ሞራላዊ ሕመረት ነይሩዎ፤ እቲ ሰባት ዝሃቦ ቦታ ተጠቒሙ ክኣ ብዛዕባ ሰባት እዩ ዝዛረብ ነይሩ” ይብል።

‘ዕቝባ ሂቡና’

እቶም ኣብ ልዕሊ ሰብ መዝን ዘይፍትሓውነትን ዘቕርቦም ዝነበረ ነቐፌታታት ብርቱዓትን ትብዓቱ ዘርእዩን'ኳ እንተነበሩ፡ ሓድራዊ ግን ከም ሰብ ኣመና ሕያዋይ እዩ ነይሩ።

ፍሽኽታኡ፡ ወትሩ ብሩህ’ዩ።

ዳይሬክተር ትካል ባህሊ ሶማልያ ኣያን ማሕሙድ “ንዅሉ ዝኽእል ዓቢይ ልቢ ነይርዎ። ‘ጊድ’ ተባሂሉ’ዩ ዝፍለጥ፤ ብሶማል ገረብ ማለት’ዩ - ልክዕ ከም ጨናፍር ገረብ መን ምዃኑ ብዘየገድስ ንዅሉ ዕቝባ ሂቡ” ክብል ይገልጾ።

ግጥምታት ሓድራዊ፡ ንፈጻሚ ስራሕ ዳሃብሺል ዓብዲራሺድ ዱዋለን ካልኦት ንብዙሓት ሰባት ምልዕዓል ፈጢሮም’ዮም።

“ብኣካል ከይረኸብኩዎ እንከለኹ’የ ንሓድራዊ ፈትየዮ” ኢሉ።

ወሲኹ፡ “ግጥምታቱ፡ ሰባት ብማዕረ ምርኣይ ምሂሮምኒ፤ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ቅድሚ ምኻደይ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንላዕሊ ኣብ ዓለም ትዅረት ዝገበሩ ግጥምታት ዝተጽሓፈሎም ወረቓቕቲ ሂቡኒ። እዚኦም፡ ስርሐይ ዓለምለኻዊ ክገብሮ ኣተባቢዖምኒ፤ ከምኡ ኸኣ እየ ገይረ” ይብል።

ሓድራዊ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝጽሕፎም ግጥምታት ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ከም ዘለዎም’ዩ ዝፍለጥ።

‘Love Written in Blood’ ሓንቲ ካብተን ፍሉጣት ግጥምታት እያ።

ሶማላውያን፡ ዕድመኦምን ደረጃ ማሕበራዊ መነባብሮኦም ብዘየገድስ፡ ፈተውቲ ግጥሚ’ዮም።

“ብዙሓት ሶማላውያን መናእሰይ፡ ግጥምታቱ ብዛዕባ ህይወት ክፈልጡዎ ዝግባእ ኵሉ ነገር ተማሂርናሎም ኢና እዮም ዝብሉኒ” ይብል ምስ ሓድራዊ ኣርባዕተ ተዋስኦታት ዝጽሓፈ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ሚነሶታ ዝነበረ ሰይድ ሳልሕ።

ተሓጋጋዚ ሓድራዊ፡ መሓመድ ሱሌማን ነዊሕ ዓመታት ስርሓቱ ክእክብን ክዕቅብን እዩ ጸኒሑ፤ መብዛሕትኡ ህዝቢ ሶማልያ፡ ኣፋዊ ባህሊ’ዩ ዘለዎ።

“ሓድራዊ ከይዱ ኣሎ፤ ግን ክኣ ስነጽሑፋዊ ስርሓቱ ግን ምሳና ስለ ዝነብር ወትሩ ምሳና ክኸውን እዩ።"