ውጥን ርዋንዳ-ብሪጣንያ፡ ማሕበር ተሓላቒ መሰላት ስደተኛታት ሕጋዊ ብድሆ የቕርብ

ናብ ርዋንዳ ክትበርር ተዳልያ ዝነበረት ነፋሪት፡ 2022

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓደ ንግዳያት ስቅያትን ጭውያን ስደተኛታት ዝጣበቕ ማሕበር ነቲ ብሪጣንያ ኣጽዲቓቶ ዘላ ፖሊሲ ምምላስ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ብምቅዋም ናብ ቤትፍርዲ ክወስዶ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ 'ኣሳይለም አይድ' ዝተባህለ ትካል፡ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ነቲ ንግዳያት ናይቲ ዓመጻት ሓለዋ ዘይህብ ዝበሎ ፖሊሲኡ ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ብወግዒ ከምዝሓተተ ሓቢሩ'ሎ።

ሰብመዚ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ ነቶም ናብ ርዋንዳ ክወስዶም ዝደሊ ሓተትቲ ዑቕባ ክሕዞም ከምዝጀመረ ይፍለጥ።

ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሮም፡ እቶም ሓደጋ ምግዓዝ ናብ ርዋንዳ ዘጋጠሞም ስደተኛታት ብውልቂ ሕጋዊ ምጉት ከቕርቡ ክፍቀደሎም'ዩ።

ኣሳይለም አይድ (Asylum Aid) ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ምድጋፍ ዝነጥፍ ማሕበር ኮይኑ፡ ኣካል ናይቲ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ሄለን ባምበር ፋውንዴሽን (Helen Bamber Foundation) ዝተባህለ ንግዳያት ስቅያት ናይ ቴራፒ ደገፍ ዝህብ ትካል'ዩ።

ንዝምልከቶም ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ቤትፍርዲ ክኸሶም መደብ ከምዘለዎ እቲ ማሕበር ወግዓዊ መጠንቀቕታ ከምዝሃቦም ገሊጹ።

መሰረት ናይቲ ክሲ፡ እቲ ውጥን ንውሕስነት ናይቶም ዝውሰዱ ስደተኛታት ዘይሕሉ'ዩ ዝብል'ዩ።

ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ፡ ነቲ ውጥን ኣብ ምትግባር ዝተዋፈሩ ዝምልከቶም ሰብመዚ "ዝኾነ ውልቀሰብ ናብ ርዋንዳ ከይውሰድ ዘቕርቦ ዝመስል መርትዖ ብዘየገድስ ርዋንዳ ውሕስቲ ምዃና ክድምድሙ" ከምዘለዎም የመልክት።

ዋላ'ኳ እቲ ብፓርላማ ዝጸደቐ ሕጊ፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ርዋንዳ ናብ ሓደጋ ክኣትውሉ ዝኽእሉ ሃገራት ከይስደዱ ምኽንያት ከቕርቡ ዕድል ዝህብ እንተኾነ፡ እቲ ዝርዝራዊ መምርሒ ፖሊሲ ግን፡ ርዋንዳ ናብ ሓደገኛ ሃገር ክትመልሶም ከምእትኽእል ንዝቐርብ መመኽነይታ ዕሽሽ ክብልዎ ዝእዝዝ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ፖሊሲ "ዘይሕጋዊ" ክብል ዘበርዓነ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ብሪጣንያ፡ ርዋንዳ ነቶም ሕቶኦም ዝተነጽጉ ስደተኛታት ናብ ዘይውሑሳት ሃገራት ክትጥርዞም ትኽእል'ያ ንዝብል ምጉት ከም ዓቢ ረቛሒ ብምውሳድ'ዩ ነቲ ብይን ሂቡ ነይሩ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃቦ መብርሂታት፡ እቶም ናብ ሓደጋ ከምዝኣትዉ ንጹር መርትዖ ዝቐርበሎም ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ከምዘይምለሱ ኣሚቱ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ይብል እቲ ማሕበር፡ ሰብመዚ ነቲ ርጡብ መርትዖታት ዕሽሽ ክብልዎ ይእዘዙ ከምዘለዉ ይገልጽ።

ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ንሰብመዙ ዝሃቦም መምርሒ ብምቕያር፡ ስደተኛታት ጉዳዮም ክረአ ርትዓዊ ዕድል እንተዘይሂቡ፡ ዝምልከቶም ሚኒስተራት ነቲ ሕጊ ከምዘየኽበሩ ንምምጓት ናብ ቤትፍርዲ ክወስዶም ምዃኑ ኣሳይለም አይድ ኣጠንቂቑ።

ዳይረክተር ናይቲ ማሕበር ኣሊሰን ፒክኣፕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ናብ ርዋንዳ ዝካየድ በረራታት መዓስ ከምዝፍልምን መን ከምዝውሰድን ዛጊት እኹል ሓበሬታ የለን። እንተኾነ ግን፡ መንግስቲ፡ ቀልጢፉ ስጉምቲ ንምውሳድ ቆሪጹ ተላዒሉ'ዩ ዘሎ፡ ድሮ ውሽጣዊ ጉዳያት ግዱድ ቀይዲ ከምዝጀመረ" ተብርህ።

"እቲ ዝሰዓበ ስንባደ፡ ብቑዕ ሕጋዊ ውክልናን ማሕበራት ግብረሰናይን ናይ ምርካብ ዘሎ ድሩት ዓቕሚን ተወሲኽዎ ብኢሱ ይርከብ"።

"ነዚ ሕጋዊ ብድሆ ዘቕረብናሉ ምኽንያት ድማ፡ ውሽጣዊ ጉዳያት ንዝኾነ ናብ ርዋንዳ ከይውሰድ ዝቐርብ ውልቃዊ ጉዳይ ብግቡእ ከምዝርእዮ ንምግባር'ዩ። እዚ ድማ ናብቲ ፈለማ ዝሃደምሉ ቦታ ከይውሰዱ ንዝቐርብ ጉዳይ ዘጠቓልል'ዩ" ትብል እታ ዳይረክትር።

ብዘይካ'ዚ፡ 'ማሕበር ፈረስት ዲቪዢን' (First Division Association) ዝተባህለ ማሕበር ላዕለዎት ሲቪል ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣንጻር እቲ ውጥን ሕጋዊ ብድሆ ኣቕሪቡ'ሎ።

መበገሲ ምጉት ናይዚ ማሕበር፡ ሰራሕተኛት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓለምለኻዊ ሕግታትን ሃገራዊ መምርሒታት ስነምግባርን ጥሒሶም ከይርከቡ ብምስጋእ ዝቐረበ'ዩ።

ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ተሓቲቱ'ሎ።