ደቡብ ትግራይ፡ 'ንምምሕዳራዊ ለውጢ' ተባሂሉ ኣካላት ፀጥታ ከምዝተዋፈሩ ጀ/ ታደሰ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Tigrai TV
ኣብቲ ኣብ ወጥሪ ዝፀንሐ ዞባ ደቡብ ትግራይ ለውጢ ኣመሓደርቲ ይግበር ከምዘሎን፡ ነዚ ዘፈፅሙ ኣካላት ፀጥታ ድማ ከምዝተልኣኹን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ።
እቲ ጀነራል ነዚ ዝገለፀ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ፀብፃብ ተሌቪዥን ትግራይ የመልክት።
ፕረዚደን ታደሰ፡ ኣብቲ ዞባ ዝግበር ዘሎ ለውጢ ምምሕዳር ሰላማዊ ብዝዀነ መገዲ ከምዝዀነ'ኳ እንተገለፀ፡ "ነዚ ንምትግባር ፖሊስ ከምዝተላእከ" ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ኣመራርሓ፡ ብኣተሓባባርነት ኣቶ ኣስመላሽ ረዳ፡ ሓላፊ ፀጥታ ንጉሰ ኣበጀ (ወዲ ራያ ) ፤ ኣቶ ካልኣዩ ግደይን ወይዘሮ ኣለምን ሓላፍነት ከምዝተዋህቦም ኣብሪሁ።
እንተዀነ ካብቶም ነዚ ለውጢ ንምግባር ሓላፍነት ከምዝተወሃቦም ዝተጠቕሱ ሓለፍቲ እቲ ዞባ፡ እቲ ጉዳይ ከምዝይፈልጡዎን ዝዀነ ተሳትፎ ከምዘይብሎምን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ብኣንጻሩ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ - ፌስቡክ - ዝተጠቀዐ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ነቲ ዝጸንሐ መሪሕነት ከምዝድግፉን ነቲ ዝግበር ዘሎ ለውጢ ከምዝቃወሙን ኣብሪሆም።
ዛጊድ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይከምዝኾነ ዝኣምን፡ ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ፡ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ከምቲ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ዝተኻየደ ማህተም ናይ ምሕዳግ ስጕምቲ ከምዘይቅበል ብምግላፅ፡ ሕዚ'ውን ንፀጥታ ሓይልታት እቲ ዞባን ህዝብን ኣብ ምትሕብባር ከምዝርከብ ገሊፁ ኣሎ።
"ንዓይ ዝተክአ ኣመሓዳሪ የለይ፤ መተሓባባሪ ኮሚቴ እዩ ዝብሎ'ምበር ዝመደቦ ኣማሓዳሪ የለይ። ካብቲ ቤት ፅሕፈት ወፅየ ኣለኹ። ግና ኣብቲ ዞባ ኰይነ ምስ መንእሰይ፣ ዓበይቲ ዓዲ ብጠቕላላ ምስ ህዝቢን ናይ ፀጥታ ሓይልን ኰይነ፡ ሕዚ'ውን ነቲ ዞባ ኣብ ምትሕብባር እየ ዝርከብ። ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝግበር ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ቀይሕ መስመር እዩ። ወተሃደር ስለ ዘእተውኻ ኣመሓዲርካ ማለት ኣይኰነን"።
ስለዝዀነ፡ እቲ ናይ ሕጂ ስጕምቲ እቲ ፕረዚደንት ናበይ ከምርሕ ይዀን ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
"ካብ ኮር ንላዕሊ" ብዝብል ገለ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ብዝወሰንዎ መሪሕነት ናይ ምትዕርራይ ውሳነ፡ ካብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ጀሚሩ፡ ክሳብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ መቐለ ዝተገብረ ለውጢ ስዒቡ፡ መጋቢት 2 [ግእዝ] ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተደፊኡ ምውፅኡ ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ፈዴራል፡ በቲ 'ምትዕርራይ' መሪሕነት ዘካየደ ክንፊ ህወሓት ዝቐረበሉ ሽመት ዘፅደቐ ዀይኑ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኰይኑ ሓላፍነት ተረኪቡ።
እቲ ካብ ዝሽየም ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ዝገበረ ታደሰ፡ ኣብቲ ናይ ሕጂ መግለፂኡ፡ "መንግስቲ ግድን ክገብሮ ዘለዎ ስራሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና፣ እዙይ ግን ዝኾነ [ንምዝራግ] ዝዓለመ ከምዘይኰነ ክፍለጥ ኣለዎ" ከምዝበለ ማዕከናት ዜና እታ ክልል ኣቃሊሐን።
"ለውጢ ኣመራርሓ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት ብቐፃልነት ዘስዕቦ ሓደጋ ንምትራፍን ናይ ትግራይ ፀገም ንምፍታሕን እዩ" ኢሉ።
መራሕቲ ዞባ ደቡብ እቲ ክልል፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣን ዝተኣለየሉ መገዲ ኣመልኪቶም: ተቓውሞ ክገልጹ ከምዝጸንሑ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ካልእ እንታይ ኢሉ
ሕዚ'ውን ኣመሓዳሪ'ቲ ዞባ ከምዝኾነ ዝኣምን ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ፡ ንመግለፂ ጀነራል ታደሰ ወረደ ስዒቡ፡ ካብ ትማሊ ሰዓት 3፡30 ናይ ምሸት ጀሚሩ ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣድማ ብተና ፖሊስን ሰራዊትን ከም ዝተዋፈረ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣረጋፁ።
"ንነዊሕ ግዘ ክፍፅሞ ተሊምዎ ዝነበረ ምፍራስ ምምሕዳር ይፍፅሞ ኣሎ። ኣብ ሰላም፣ ኣብ ልምዓት፣ ኣብ ናይ ትግራይ ሓድነት ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ ዞባ ምምሕዳርን ህዝቢ ራያን ንምፍራስ፡ ካብ ትማሊ ሰዓት 3፡30 ናይ ምሸት (ከባብያዊ ኣቆፃፅራ) ካብ መቐለ ዝተበገሰ ኣድማ ብተና ናብ መኾንን ማይጨውን ኣትዩ ኣሎ" ክብል ኣረጋጊፁ።
ንሱ ወሲኹ፡ ካብ ህዝቢ ንዝለዓል ዓመፅን ተቓውሞን ንምግታእ ካብ ኣድማ ብተና ፖሊስ ብተወሳኺ ኣሃዱ 33 ዝበሃል ተወሳኺ ሓይሊ ሰራዊት ብምውፋር ነቲ ዞባ ምምሕዳር ብሓይሊ ከም ዝተቖፃፀርዎ ገሊፁ።
ኣይተ ሃፍቱ እቲ ብጀነራል ታደሰ ዝተውሃበ መግለፂ፡ ነነርእሱ ዝፃባእ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፡ ካብቲ ንሱ ዝመርሖ ምምሕዳር ተፈንጪሎም ምስ ናይ ጀነራል ታደሰ መርገፂ ዝሓዙ ኣመራርሓ ከም ዘየለዉ ሓቢሩ።
"እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ናይ ድሕረትን ምልክን ጉጅለ ምሩፅ መሳርሒ'ዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ ክልል ቦታ ተዳልዩልና ኣሎ እናበለ ብሓደ ገፅ ግና 'ናይ ትግራይ ቀፃሊ ሓደጋ ኢኹም' ይብል ኣሎ። ሓደጋ ዝኾነ ሓይሊ ኣብ ክልል ምምሕዳር ብተመሳሳሊ ጥቕማ ጥቕሚ መዲብካ ክተቐምጦ ኣይትኽእልይ።
ኣይተ ሃፍቱ፡ እዚ መንገዲ እዚ ንትግራይ ናይ ምፍልላይ ዋና መንገዲ ክኸውን እንተዘይኰይኑ፡ ንትግራይ ናይ ምርግጋዕ መንገዲ ክኸውን ከም ዘይኽእል ኣጠንቂቑ።
"ፍፁም ስሕተት እዩ። ሕዚ'ውን ክንዳመ፣ ክንዋጋእ የብልናን። ንሓይሊ መልሱ፡ ሓይሊ'ዩ። ሕዚ'ውን ንድሕሪት ክምለሱ ኣለዎም። ህዝብና ረመፅ ኮይኑ እዚ ሓይሊ እዚ እግሪ ከይተክል፡ ካብ እንግድዓ ህዝቢ ንሓዋሩ ክመሓው ዝገብር ስራሕ ክንሰርሕ ኢና።
ከም ዞባ ነቲ ተዋፊረ ዘሎ ሓይሊ ዝምክት ሓይሊ ኣለኩም ማለት ድዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣይተ ሃፍቱ፡
"ንሰላማዊ መንገዲ ኣጥፊእዎ ኣሎ። እንታይ ዓይነት ሓይሊ ከም ንጥቀም ኣብ ቀፃሊ ዝረኣይ ኮይኑ፡ ሕዚ ካብዚ መለሽ ዝበሃል ሓይሊ ከም ዘየለ ግና ኩሉ ክፈልጦ ኣለዎ" ብምባል ዓፀፋዊ ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ኣአንፊቱ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ድሕረ ባይታ
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ንከተማ ማይጨውን ኣላማጣን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈለላዩ ከባቢታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝፀር ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ።
ቀዲሙ: ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: ኣብ ደቡብ ትግራይ ምምሕዳራዊ ለውጢ ንምግባር ምግላፁ ዝዝከር እዩ::
እቶም ሰልፈኛታት፡ እቲ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት የሰጕሞ ኣሎ ዝብልዎ ኣካይዳ፣ ዘይሕጋዊ ርክባትን ስልጣን ብጠበንጃ ናይ ምቍፅፃር ባህግን፡ ነቲ ሰልፊ ተቓውሞ ካብ ዝደረኹ ምኽንያታት ምዃኖም እዮም ዝገልፁ።
ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምምቕቓል ስዒቡ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ሓይልታት ትግራይ ልሒኹ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ድማ ነቲ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ደጊፎም ደው ምባሎም ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







