ቀይሕ ባሕሪ፡ ገመዳት ብምብታኹ ኣብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ጽልዋ ኣሕዲሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ውሽጢ ማይ ዝርከብ ገመድ ብምብታኹ ኣገልግሎት ማይክሮሶፍት ኣዙር ክላውድ ከም ዝተቛረጸ እቲ ኣመሪካዊ ትካል ገሊጹ።
ተጠቀምቲ ናይቲ ብዓለም ደረጃ ካልኣይ ዝዀነ ኣዙር፡ ምዝሓል ኣገልግሎት ከም ዘጓነፎም ሓቢሮም።
ማይክሮሶፍት እቲ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝነበረ ገመዳት ብኸመይ ጕድኣት ከም ዝወረዶ ኣይገለጸን፣ እንተዀነ፡ ካልእ መንገዲታት ብምጥቃም ዳግማይ ክቕይሮ ከም ዝኸኣለ ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ምቝራጽ ናይዚ ገመድ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ንሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ህንዲ ንእትርከበን ገለ ሃገራት እስያን ከም ዝጸለወን ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ ትሕቲ ባሕርታት ወይ ውቅያኖሳት ዝርከቡ ገመዳት፡ ኣብ መንጎ ኣህጉራት ሓበሬታታት (ዳታ) ንምትሕልላፍ ዘገልግሉ ኰይኖም፡ ዓንዲ-ሕቖ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምዃኖም እዩ ዝግለጽ።
ኩባንያ ማይክሮሶፍት ብሰንበት ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ብማእከላይ ምብራቕ ዝሓልፍ ኣገልግሎት ኣዙር ብሰንኪ እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ገመድ ምብታኹ ምድንጓይ ወይ ምዝሓል ከጋጥም ከም ዝኽእል ገሊጹ።
"ብማእከላይ ምብራቕ ዘይሓልፍ፡" ግን ጽልዋ ከም ዘይብሉ ኣስሚርሉ።
ንኢንተርነት ዝከታተል ትካል ኔትብሎክስ፡ በቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘጓነፈ ምብታኽ ገመድ ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣገልግሎት ኢንተርነት ከም ዝተጸልወ ገሊጹ።
ኩባንያ ተለኮሙኒከይሽን ፓኪስታን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ምብታኽ ገመድ ኣብ ጥቓ ከተማ ጅዳ - ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ ማያት ከም ዘጋጠመ ብምግላጽ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ጽዑቕ ሰዓታት ክጽሎ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ትሕቲ ማይ ዝርከቡ ገመዳት በቶም ብመራኽብ ዝስንደዉ መልሕቓት ክጕድኡ ይኽእሉ እዮም። ይዅን'ምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብደይ-መደይ ዒላማ ተገይሮም እዮም።
ኣብ ለካቲት 2024 ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓያሎ ገመዳት መራኸቢታት ብምብታኾም ኣብ መንጎ እስያን ኤውሮጳን ኣብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ጽልዋ ኣሕዲሮም ነይሮም።
እዚ ፍጻመ'ዚ ዘጓነፈ፡ እቶም ብኢራን ከም ዝድገፉ ዝንገረሎም ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከቡ ገመዳት ከጥቅዑ ከም ዝኽእሉ ድሕሪ ምጥንቃቖም እዩ ኣጋጢሙ። ሑቲ ግን ከም ዘይወዓሎ እዩ ገሊጹ።
ኣብ ባሕሪ ባልቲክ፡ ሩስያ ኣብ 2022 ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር፡ ናይ ትሕቲ ባሕሪ ገመዳትን ሻምብቆታት ጋዝን ብተደጋጋሚ ተሃስዮም እዮም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ሰበስልጣን ሽወደን፡ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ባልቲክ ናብ ላቲቭያ እትጓዓዝ ዝነበረት ገመድ ኣበላሽያ ተባሂላ ዝተጠርጠረት መርከብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኣብ ዝገበሩዎ ፈላማይ መርመራ ብሽርሒ ከም ዝተገብረ ከም ዘመልክት ገሊጾም ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







