ዲፕፌክ፡ ዝምስርሖም ዘሎ ኣሳእልን ትሕዝቶታትን ሓደጋኦም ማዕረ ክንደይ እዩ?

ብሰብ ሰርሖ ብልሒ ተመስሪሖም ዝወጽኡ ስእልታት ብዙሓት እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኢንተርነት፡ ፖፕ ፍራንሲስ፡ ራፐራት ዘዘውትርዎ ገዚፍ ካፖትን ዓብይ መስቀልን ገይሮም ዘርኢ 'ብዲፕፌክ' ዝተሰርሐ ምስሊ ኣዝዮም ኣዘራረብቲ ካብ ዝነበሩ ኣሳእል ሓደ እዩ።

እቲ ስእሊ፡ መጀመርታኡ'ውን ክትርእዮ እንከለኻ ስኑዕ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኣይነበረን።

እዚ፡ ብኪነታዊ ብልሒ 'ሚድጆርኒ' ዝተመስርሐ ወግዓዊ ቅድሚ ምዃኑ ግን፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት እቲ ስእሊ ሓቀኛ መሲሉዎም ኣሚኖምዎ ነይሮም።

ልዕሊ እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓያሎ ጕድኣት ዘውርዱ ኣሳእል፡ ምስሊታትን ዝተቐድሑ ድምጽታትን፡ መጻኢ ዓለም ኣዝዩ ዘስግእ ክኸውን ከም ዝገበርዎ ክኢላታት ቴክኖሎጂ ይዛረቡ።

ንኣብነት፡ መረጻ ስሎቫኪያ ሒደት መዓልቲታት ክተርሮ እንከሎ፡ ካብ መንጐ እቶም ተነሓናሕቲ እቲ ሓደ 'ኣብ መረጻ ምትላል ፈጺመ'የ' ኢሉ ዝዛረበሉ ቅዳሕ ድምጺ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተፈንዩ። እቲ ድምጺ 'ብዲፕፌክ' ዝተሰርሐ ምዃኑ ቅድሚ ምፍላጡ፡ እቲ ተወዳዳሪ ኣብቲ መረጻ ተዓዊቱ።

መረጻ ኣመሪካ ቅድሚ ምክያዱ ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት፡ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ዲፕፌካት እገዳ ተገይሩ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ግዝኣት ኣሪዞና፡ ሓንቲ ጓል 15 ዓመት ጐርዞ ናብ ኣደኣ ቴሌፎን ደዊላ፣ ድምጻ ሕንቕንቕ እናበለ 'ኣደይ፡ ጨወይቲ ሒዞምኒ ኣለው፡' ትብላ።

እቶም ጨወይቲ ነታ ጓል ከፈራርሑዋ እንከለው ይስማዕ፤ እታ ኣደ ጓላ ንከተፍትሕ ሓደ ሚልዮን ዶላር ተሓቲታ።

እታ ኣደ፡ ክንድ'ዚ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዘይብላ ብምግላጽ ነቶም ጨወይቲ ትምሕጸኖም።

እቲ ገንዘብ ብዋጋ ዕደጋ ኣጒዲሎም 50 ሽሕ ዶላር የብጽሑዎ፤ እንተዘይኰይኑ ግን ነታ ጓል ከም ዝቐትሉዋ ይነግሩዋ።

እዚ ኵሉ ክኸውን እንከሎ፡ እታ ጓል ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ ሳዕስዒት'ያ ነይራ።

እታ ኣደ፡ ጓላ ከም ዘይተጨወየት ካብ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ ተደዊሉ ተነጊሩዋ።

'እቶም ጨወይቲ'፡ ድምጺ ጓላ ብዲፕፌክ ኣምሲሎም ብምስራሕ'ዮም ናብታ ኣደ ደዊሎም።

ኣብ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ስቲቭ ቢኮ ኣካዳሚክ እትሰርሕ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ዩሮሎጂስት ናብ ስርሓ ክትኣቱ እንከላ፡ መሳርሕታ ዘይተጸበየቶ ዜና የስምዑዋ።

'እዚ መድሃኒት ውጽኢታዊ ከም ዘይዀነ ብመጽናዕቲ ኣረጋጊጸ'የ' ኢላ እትዛረበሉ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይዘውር ነይሩ።

ንሳ ከምኡ ከም ዘይበለት ትፈልጥ'ያ፤ እቲ ምስሊ ግን ዘእምን ብምንባሩ ኣሰንቢዱዋ። ብሽማ ዝዘውር ዝነበረ ናይ ሓሶት መድሃኒት'ውን ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ሆንግ ኮንግ ድማ፡ ሓደ ሰራሕተኛ ፋይናንስ፡ ሓላፊ ፋይናንስ እቲ ትካል እዩ ኢሉ ንዝኣመኖ ሰብ፡ 25 ሚልዮን ዶላር ሂቡዎ።

እቲ ሰራሕተኛ 'እቲ ሓላፊ ፋይናንስ' ብቪድዮ ምስ ኣዕለሎ ትእዛዝ ከም ዝሃቦ ኣሚኑ። ድሕሪኡ ፖሊሲ ምጽራይ ክገብር ከሎ፡ እቲ ገንዘብ ሰምሰርቲ ኢንተርነት ከም ዝተቐበሉዎ ፈሊጡ።

እቲ ናይ ቪድዮ ዕላል'ውን ብዲፕፌክ ሓለቓኡ ብምምሳል ዝተሰርሐ'ዩ ነይሩ።

ሃገራት፡ ዲፕፌክ ንምቍጽጻር ዝተፈላለዩ ሕጋጋት'የን ዘውጽኣ ዘለዋ። ንኣብነት ብሪጣንያ፡ ናይ ሓሶት ምስሊ ብምጥቃም ንሰባት ምጕዳእ ወይ ምትላል ከም ዘቕጽዕ ትገልጽ። እዚ ናይ ሓሶት ናይ ዕርቃን ምስልታት ዘጠቓልል እዩ።

ብዙሓት፡ ናይ ሓሶት ናይ ዕርቃን ወይ ጾታዊ ርክብ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምፍናው ካብ ሰባት ገንዘብ ንምርካብ ከም ዝጽዕሩ ይፍለጥ።

ደቀንስትዮ፡ ብኢንተርነት ብዝፍጸሙ መጥቃዕታት ቀዳሞት ግዳያት ዝዀና ኰይነን፡ እዚኦም ብዲፕፌክ ዝተሰርሑ ኣሳእልን ምስልታትን ሓዊሱ ምፍርራሕ ክበጽሑ'ወን ይርኣይ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት፡ ጐንጺ ንምልዕዓል ወይ ናዕቢ ንምግዳድ ናይ ሓሶት ምስልታት ክዝርግሑ ተራእዮም'ዮም።

ሰብ ሞያ ስነ-ልቦና፡ ሓቀኛ ምስሊ ካብቲ ስኑዕ ምፍላይ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነ የረድኡ።

ሰባት ዝርኣዩዎ ወይ ዝሰምዑዎ ነገር ብቐሊሉ ንምእማን ኣብ ቀረባ ምዃኖምን ናይ ሓሶት ኣሳእል ወይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምኡ'ውን ናይ ድምጺ ቅድሓት ስምዒት ሰባት ብምትንካፍ ከእምኑ ዝኽእሉ ምዃኖም ድማ ከም ምኽንያት የልዕሉ።

ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ሮቦቲክስን ናይ ፒኤችዲ ዲግሪ ዝሰርሕ ዘሎ መስራቲ 'ጉዞ ቴክኖሎጂስ' ዳኒኤል ጌታቸው፡ ዲፕፌክ "ብቐሊሉ ዝእመን" ስለ ዝዀነ "ኣዝዩ ሓደገኛ" እዩ ይብል።

ብፍላይ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ እንተሃልዩዎ "እቲ ሓደጋ ልዑል'ዩ" ይብል እቲ ክኢላ።

ዲፕፌክ ፍርያት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኰይኑ፡ ናብ ክውንነት ኣዝዩ ዝቐርብ ናይ ሓሶት ምስሊ፡ ቪድዮ ወይ ድምጺ ክፈጥር ይኽእል።

እዚ ስኑዕ ምዃኑ ንምፍላጡ ኣጸጋሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ዳንኤል ይዛረብ።

"እዚ'ውን ክኢላታት ቴክኖሎጂ ከይተረፉ ኣብ ዝዕሸዉሉ ደረጃ በጺሑ'ሎ፡" ይብል።

ኣብ ከም በዓል ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ንግጭትን ዕግርግርን ዲፕፌክ ከስዕቦ ዝኽእል ጕድኣት ልዑል'ዩ።

"ብቐሊሉ ዝተሰንዐ ስእሊ ክንደየናይ ንሰባት የደናግር ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ዝያዳ ናብ ሓቂ ዝተጸግዐ ክመስል ከሎ ድማ ሓደጋኡ ይዓቢ፡" ይብል ዳኒኤል።

ሰብ ሞያ ስነ-ልቦና፡ ሓቀኛ ምስሊ ካብቲ ስኑዕ ምፍላይ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነ የረድኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ፡ ጽልኢ ካብ ምንዛሕን ንጐንጺ ካብ ምዕዳምን ብዝሰገረ፡ ህይወት ውልቀሰባት ኣብ ምዝራግ በጺሑ ይርከብ።

ስለዚ ድማ እዩ እቲ ክኢላ ነፍሲ ወከፍ ሓበሬታ ብግቡእ ክረጋገጽ ዝመክር።

ብተወሳኺ ስምዒታዊ ወይ ምልዕዓል ዝፈጥር ሓበሬታ ክመጽእ ከሎ ዝያዳ ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድሊ ይምዕድ።

ብኣንጻሩ ኢንዱስትሪ ምዝንጋዕ፡ ዲፕፌክ ብኣወንታዊ መገዲ ይጥቀመሉ ኣሎ።

ንኣብነት ዲፕፌክ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ወይ እርጋኖም ዝረኣዩ ተዋሳእቲ መልክዕ ንምውጻእ ይጥቀሙሉ።

ዋላ'ኳ ተዋሳኣይ 'ፋስት ኤንድ ፉርየስ' ፖል ዎከር ነታ ፊልም ስኢሉ ከይወድአ እንተሞተ፡ ምስሉ ብዲፕፌክ ተሰሪሑ እታ ፊልም ክትዛዘም ክኢላ እያ።

ብመሰረት ዳኒኤል፡ ዲፕፌክ ዘስዕቦ ሓደጋ ኣብቲ ምስ ቴክኖሎጂ ብዙሕ ዘይቀርብ ሕብረተሰብ ዝዓበየ ምዃኑ'ዩ።

"ኣብ ገጠራት ኢትዮጵያ፡ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ብምጥቃም፡ ከምዚ እኮ ኢሉ እንተዝብሃል እንታይ ክፍጠር ከም ዝኽእል ምግማት'ዩ፡" ብምባል ውጽኢት ዲፕፌክ ከሕድሮ ዝኽእል ስግኣት ይጠቅስ።

እቲ ኢንዱስትሪ፡ ኣብ መንጐ እቲ ሓቀኛን ናይ ሓሶትን ትሕዝቶ ዘሎ ፍልልይ ምፍላጥ ኣጸጋሚ ኰይኑ ብምህላው፡ ሰባት ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይምዕዱ።

ስእሊ ህጻናት ብምጥቃም ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ምፍጣር፡ ብዛዕባ ውዕልኦምን ህይወቶምን ሓበሬታታት ምክፋል ሓደጋኡ ዝኸበደ ምዃኑ ሰብ ሞያ የገንዝቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንነት ሓደ ሓበሬታ ዘካፈል ዘሎ ሰብ ምጽራይን ኣብቲ እንርእዮ ስእሊ ወይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዘለው ከም ዓይኒ ወይ ኢድ ዝኣመሰሉ ዘይባህርያዊ ምንቅስቓሳት ብምዕዛብ ምፍላጥ ይክኣል።

ኣብዚ እዋን፡ ቴክኖሎጂ ኣዝዩ ይዝምን ብምህላዩ፡ ኣየናይ እዩ እቲ ሓቀኛ ዓለም? ናብ ዝብል ምድንጋራት ክንኣቱ ኢና ይብል ዳኒኤል።

ዲፕፌክ ገንዘብ ንምእካብ፡ ፖለቲካዊ መርገጺታት ንምድፋእ፡ ገለ ኣሉታዊ ስምዒታት ንምፍጣር ዝሕግዝ መገዲ እውን ይኸውን ኣሎ።

ዩኒቨርሲቲታት ከም መርኣያ ፕሮጀክትታት ንመጽናዕቲ ብኣሉታዊ መገዲ ዝፈጠርዎምን ብደገፍ ገለ መንግስታት ዝልቀቑን ዲፕፌካት ከም ዘለዉ'ውን ይጠቅስ።

ዲፕፌክ ምቍጽጻር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸበደ ይኸይድ ኣሎ፤ ናይዚ ምኽንያት ድማ እቲ ቴክኖሎጂ ናብ ደቂ ሰባት ዝቐረበ ምዃኑ'ዩ።

ሰባት ኪነታዊ ብልሒ ተጠቒሞም ዝደለይዎ ነገር ይፈጥሩ ስለ ዘለዉ ምስቲ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ርክብ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ክኢላ፡ "እዚ ቅርበት ክውስኽ እንከሎ፡ ቍጽጻር ንምግባር ኣጸጋሚ ይገብሮ፡" ይብል።

ዳኒኤል፡ "ቀልጢፍና እንኣምኖ ነገር እዩ መጥፊኢና ዝኸውን፡" ብምባል ሓደ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ክንከዶ ዝግብኣና ርሕቐት ኣብ ግምት ከየእተኻ ምእማን፡ ተቓላዕቲ ከም ዝገብረና ይገልጽ።

"ሓበሬታ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ። ካብ ዝተፈላለየ ምንጭታት ንምርግጋጽ ክንጽዕር ይግባእ፡" ክብል ይምዕድ።

ካልእ ጥንቃቐ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እነካፍሎ ሓበሬታ ዝምልከት እዩ።

"ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዓና ስግኣት ክኸውን ይኽእል'ዩ። ኵሉ እንጥቅዖ ስእሊ፡ ነፍሲ ወከፍ እነካፍሎ ሓበሬታ ከም 'ዲጂታዊ ኣሰር' ተመዝጊቡ ይተርፍ'ዩ። እቲ ስርዓት ካብቲ ንገድፎ ሓበሬታ ብዛዕባናን ድልየታትናን ይፈልጥ። እዚ እዩ ድሒሩ ተቓላዕቲ ዝገብረና። ኣብ ኢንተርነት ብዛዕባና ዝያዳ ሓበሬታ ብዝወሰኸ መጠን ውልቃዊ ህይወትና ክሳብ ምንጋዕ ክበጽሕ ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።

ብፍላይ ስእሊ ህጻናት ብምጥቃም ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ምፍጣር፡ ብዛዕባ ውዕሎኦምን ህይወቶምን ሓበሬታታት ምክፋል ሓደጋኡ ዝኸበደ ምዃኑ የረድእ።

"እቲ ስርዓት መልክዖም፡ ድምጾምን ባህርያቶምን ይመሃር። እዚ ሓበሬታ ንህጻናት ዒላማ ንምግባር ወይ ንስድራቤታት ዒላማ ንምግባር ክውዕል ይኽእል'ዩ፡ ስለዚ ጥንቃቐ ምግባር ኣገዳሲ'ዩ፡" ክብል ይምዕድ።