ኣብ ዘመነ ማሕበራዊ ሚድያ ኴንና፡ ንዘመን ጶስጣን ፖስት ካርድን ክንዝክር

ቡስጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

". . . ደብዳበ ብጶስጣ ልኢኸልካ . . . መልስኻ ኸኣ ይጽበ ኣለኹ . . .ነዛ መልእኽቲ ሰዲደ ክምለስ . . . ዝተባህለሉ ዘመን'ውን ነይሩ'ዩ።

ሕጂ፡ ዘመን ማሕበራዊ ሚድያ ኰይኑ፡ ብኣዝዩ ዝተፈለየ ሰውራ ኮምዩኒኬሽን ኢና ንሓልፍ ዘለና።

ኣብ መበል 19ን መጀመርታ 20ን ክፍለ ዘመን፡ ፖስት ካርድ ልክዕ ከም ማሕበራዊ ሚድያ እዚ ዘመን ኰይኑ የገልግል ነይሩ።

ኣብ ሙዝየም ቦስተን ዝሰርሕ ቤን ዊስ፡ ሽዑ ፖስት ካርድ ካብ ደብዳበ ብዝተፈለየ ዝሓሰሩ፡ ዝቐልጠፉን ዝቐለሉን እዮም ነይሮም ይብል።

እዚ ድማ፡ ሰባት ሓሳቦም ንምግላጽ፡ ኣበይን መዓስን ንራኸብ ዝብል ቘጸራ ንምሓዝ፡ ዋዛታት ንምልውዋጥ ይጥቀምሉ ከም ዝነበሩ ይጠቅስ።

ብተወሳኺ፡ ኣብዞም ካብን ናብን ዝልኣኹ ዝነበሩ ፖስት ካርድታት ድማ፡ ገሊኦም ናይ ድሙ ስእሊ ለጢፎም ይሰዱ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።

ስእሊ ድሙ ስለ ምንታይ? ዝብል ጸኒሕና ክንምለሶ ኢና።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብቲ ብ1924 ዝተልኣኸ መልእኽቲ ወይ ብ2024 ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተጠቅዐ ሓበሬታ፡ ሰባት ንደማሙ ብዝተፈላለየ ቅርጺ ይጥቀሙለን እዮም ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ናይ መጀመርታ ፖስት ካርድ ኣብ ኦስትሪያ-ሃንጋሪ ብ1869 ዓ.ም [ኣ.ኤ]’ዩ ተሓቲሙ።

ብ1874 ድማ፡ ዓለምለኻዊ ምልኣኽን ምቕባልን ጶስጣ ንኽህሉ 21 ሃገራት ዓለምለኻዊ ማሕበር ጶስጣ መስሪተን።

ድሕሪኡ ብዙሓት ሃገራት ስዒበን፤ ፖስት ካርድታት ድማ ነቲ ምዕባለ ተኸቲሎም መጺኦም።

ልክም ከም ሚማት፡ ፖስት ካርድታት ስእሊ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሓጸርቲ መልእኽቲታት’ውን ከተስፍረሎም ትኽእል ኢኻ።

እዚኦም፡ ንዓለምን ቴክኖሎጅን ክቕየር ባይታ ኣንጺፎም’ዮም።

“ዕጫ እቶም ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለመዘን ዝነበሩ ኔትዎርክታት ኮምዩኒኬሽን ረሲዕናዩ ኢና። ሽዑ ፖስትካርድታት ካብን ናብን ይበጽሑ ነይሮም። ካብ ማንሃተን ናብ ኒውጀርሲ ትኸይድ እንተሃሊኻ፡ ንዝዀነ ሰብ ሰዓት 5፡30 ንራኸብ ኢልካ ሰዓት 10፡00 ፖስት ካርድ ትሰደሉ። ቀልጢፉ እዩ ኽኣ ዝበጽሕ ነይሩ” ይብል ዊስ።

ምዝማን እዞም መድረኻት ካብ ዘጕልሖም ነገራት እቲ ሓደ ድማ ምብዛሕ ‘ሚም’ እዩ። ደማሙ፡ ኣካል እዚ ዝውቱርን ሓጺር ኣገባብ ምሕላፍ መልእኽትን ኰይነ መጺአን እየን።

ብመሰረት ታሪኽ ሕጊ ሚድያ፡ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ኮምዩኒኬሽን ክመጽእ እንከሎ፡ ሰባት ናይ ደማሙኦም ስእሊ ክወስዱ’ዮም ዝጅምሩ።

ሚም ደማሙ፡ ኣብ 1990ታት’ዩ ዝጅምር። ኣብቲ ግዜ ኢመይል ሰራሕተኛታት ክስልችዎም እንከሎ ናብ መሓዙቶምን መሳርሕቶምን ዘስሕቑ መልእኽቲታት ክሰዱ ኣፍዲቁሎም።

ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ታሪኽ ኮምዩኒኬሽን ንማእከላይ ሰብ ተጠላብን ብሰፊሑ ክርከብ ዝኽእል እዩ ነይሩ።

ካብ 1900 ክሳብ 1914 “ሰባት ዳርጋ ከም ሕማም ድዩ ኣብ ደም ህዝቢ ሰሪጹ ብምባል ብብዝሒ ዘውግዕሉ ሰፊሕ ዓለምለኻዊ ዋሕዚ ፖስት ካርድ’ዩ ነይሩ” ይብል ዊስ።

ኣብ እዋን ፖስትካርድ ማኒያ (ሰሙናዊ ሚልዮናት ፖስት ካርድ ዝሕትምን ዘብጽሕን)፡ ብኣሃዝ ክግመቱ ዘይክኣል ሚልዮናት ፖስት ካርድታት ይዘዋወሩ ነይሮም።

ኣብዚ ህሞት እየን፡ ደማሙ ብብዝሒ ሚም ኰይነን መጺአን። ኣብቲ ግዜ ደማሙ ካብ ናይ ገዛ እንስሳ ንላዕሊ እየን ዝርኣያ ነይረን።

ንግስቲ ቪክቶሪያ ሓዊሱ፡ ነገስታትን ሶሻሊስታውያንን ድሙ ይፈትው ምንባሮም ይዝረብ።

ስለዚ፡ ገለ ፖስት ካርድታት፡ ከም ሰብ ክዳን ዝተኸደነት ወይ ናይ ሰብ ስራሕ እትሰርሕ ድሙ፡ ጸሓይ እናተጸለወት ወይ እናበልዐት . . . ዘለዎም ኰይኖም ክሕተሙ ጀሚሮም።

ደብዳበ ኣብ ፖስት ካርድ ብምጽሓፍ መልእኽቲ ይለዋወጡ ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ፖስትካርድ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ዘለዎ ጽልዋ ግን ንዅሉ ሰብ ምቹእ ኣይነበረን።

ነዚ ጋዜጣታት “ሓድሽ ራዕዲ” ከምኡ’ውን “ግናይ ፍራንከንስታይን” ኢሎም ብምጽዋዕ፡ ብህቡብነት እቲ ፍርያት ከም ዝተሰናበዱ ይዝረብ። እተን ጋዜጣታት፡ ካሻ ሰራሕተኛታት ጶስጣ ብፖስት ካርድታት ስለ ዝሓበጠ፡ ልዕሊ ዓቐን ዝተጻዕነ ቦርሳታት ጶስጣ ዘስዕቦ ዝነበረ መጕዳእቲ ዝገልጽ ዛንታታት ክሓትማ ጀሚረን።

ሞኒካ ኪዩር ዝተባህለት ደራሲት ‘ፒክቸሪን ዘ ፖስትካርድ’፡ “ፖስትካርድ ኣብ ክእለት ምንባብን ምጽሓፍን ሰባት ከሕድሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጽልዋ ብዙሕ ቅርታታት ነይሩ፤ ምኽንያቱ ውሑዳት መስመራት ጥራይ ክትጽሕፍ እንተኽኢልካ፡ ስለምንታይ ስሩዕ ሰዋስው ክትመሃርን ንፉዕ ጸሓፊ ክትከውንን የድልየካ?” ትብል።

ብተወሳኺ፡ ሰባት ፖስትካርድ ናብ ዕምቈት ዘይብሎም ዝምድናታት ከየምርሖም ይሰግኡ ነይሮም።

ናይዚ ምኽንያት ሰባት ኣብ ክንዲ ደብዳበታት ዝጽሓሓፉ ክልተ ገጽ ስእሊ ጥራይ ይሰዱ ስለ ዝነበሩ እዩ።

ኣብ መጀመርታ ድማ “ኣገልገልቲ ዝተልኣኸካ ጶስጣ ከንብቡ ዝኽእልሉ ዕድል ከስፍሕ’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ብዝብገስ” ፖስትካርድ ተቐባልነት ስኢኑ ከም ዝነበረ ትጠቅስ።

ኣብዚ ዘመን ድማ ኣብ ዙርያ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተመሳሳሊ ስክፍታታት ይለዓል ኣሎ።

እዞም መድረኻት ሓበሬታ ብቕልጡፍ ናብ ብዙሓት ክበጽሕ ዝገብሩ ካብ ምዃኖም ብዝብገስ፡ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነትን ናብ ዕምቈት ዘይብሉ ኣተሓሳስባታት ዘምርሑን ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ስክፍታ ኣሎ።

ሞኒካ፡ ሓደስቲ መልክዓት ቴክኖሎጂ ርክብ፡ ሰባት ንነብሶምን ንማሕበረሰቦምን ዝርእየሉ ኣገባብ ዘይርጕእ ክኸውን ከም ዝገበሩ ትዛረብ።

ኣብዞም መድረኻት ፖለቲካዊ ‘ሚም’ ብብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ኰይኑ፡ፖስትካርድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ውን ተመሳሳሊ ዝንባለ’ዩ ነይሩ።

“ፖስትካርድ ምስ ሚም ተመሳሰልቲ’ዮም፤ ልክዕ ከምዚ ሎሚ፡ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ባህሊ ኵሉ እንስሳታት እዩ ዝጥቀም ነይሩ፤ ብቐንዱ ድማ ድሙ” ትብል ሓላፊት ቤተ-መጻሕፍቲ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ሃይዲ ሄር።

ደማሙ፡ ብተለምዶ ምስ ዘቤታዊ ጉዳያት ዝተኣሳሰሩ ስለ ዝዀኑ፡ ከም “ጽቡቓት፡ መግለጺ ትሕትናን ጽባቐን” ተገይሮም ከም ዝውሰዱ ትዛረብ።

ዳይሬክተር ኮምዩኒኬሽን ክሊንተን ነበር ኣን ሉዊስ ብወገና፡ ጋዜጣን ቦስጣን ጥራይ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፡ “ፖስትካርድ ናይቲ ዘመን ኢመይል'ዩ - ሕሱርን ውልቃውን” ትብል ይብል ሉዊስ።