ፖል ፖግባ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ብምጥቃም ተኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣከፋፋሊ ኢጣልያዊት ክለብ ጁቬንቱስ ፖል ፖግባ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ብምጥቃም ተጠርጢሩ ንግዚኡ ካብ ጸወታ ተኣጊዱ።
ኣብ ኢጣልያ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ሃገራዊ ትሪቡናል (ናዶ) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብ 20 ነሓሰ ጁቬንቱስ ኣብ ልዕሊ ኡዲነዘ 3 ብ 0 ድሕሪ ምዕዋታ፡ ኣብ ልዕሊ ፖግባ ዝተኻየደ መርመራ ልዑል መጠን ቴስቶስትሮን ከምዝረኸበ ሓቢሩ።
እቲ ወዲ 30 ዓመት ፈረንሳዊ ፕሮፌሽናል ተጻዋቲ፡ ኣብቲ ግጥም ከም ተቐያሪ ብምንባሩ እኳ እንተዘይተጻወተ፡ ሃንደበት’ዩ እቲ መርመራ ተኻይዱሉ።
ነቲ መድሃኒት ምጥቃሙ እንተተረጋጊጹ፡ ካብ ክልተ ክሳዕ ኣርባዕተ ዓመታት ክእገድ ይኽእል እዩ።
ጁቬንቱ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ “ፖል ላቢሌ ፖግባ፡ ብውጽኢት እቲ ኣብ ነሓሰ 20 ዝተገበረሉ መርመራ፡ ሎሚ 11 መስከረም 2023 ካብ ኩዕሶ እግሪ ንግዚኡ ተኣጊዱ ኣሎ፡” ኢላ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ “ክለብና ኣብ ቀጻሊ እንታይ ክትገብር ከምዘለዋ ክትመያየጥ እያ፡” ይብል።
ወኪል ፖግባ ራፋኤላ ፒመንታ፡ ዝዀነ ርእይቶ ቅድሚ ምሃባ ካልኣይ መርመራ ትጽበ ምህላዋ ገሊጻ።
“ሓደ ንጹር ዝዀነ ነገር፡ ፖግባ ዝዀነ መምርሒ ክጥሕስ ድልየት የብሉን፡” ኢላ።
ናዶ፡ ኣብ ፖግባ ነቲ ዝተኣገደ ባእታ ምስ ረኸበ፡ እቲ ተጻዋታይ ንመምርሒ ሓይሊ ዝህቡ መድሃኒታት ከምዝጠሓሰ ኣፍሊጡ።
ቴስቶስትሮን ኣብ ኣትለታት ተጻዋርነት ዘዕቢ ሆርሞን እዩ።
ፖግባ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት መልሲ ናብ ናዶ ከቕርብ የድልዮ።
ንሱ ምስ ማንቸስተር ዝጸንሖ ውዕል ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ ሓምለ እዩ ናብ ናይ ቀደም ጋንታኡ ብነጻ ተሰጋጊሩ።
ናብ ኢጣልያ ድሕሪ ምምላሱ ግን ተደጋጋሚ ማህረምቲ ስለዘጋጠሞ ሒደት ጸወታታት ጥራይ እዩ ተጻዊቱ።
ኣብቲ ኣብ ቐጠር ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም’ውን ብሰንኪ ማህረምቲ ንሃገሩ ኣይተጻወተን።
ፖግባ ኣብዚ ተጀሚሩ ዘሎ ወቕቲ ጸወታ ኣንጻር ቦሎኛን ኢምፖሊን ኣብ ዝነበሩ ግጥማት ተቐዪሩ ብምእታው ብሓፈሻ 51 ደቓይቕ ተጻዊቱ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሽዱሽተ ግጥማት ‘ሴሪ-ኣ’ ክስለፍ እንከሎ ብሓፈሻ 162 ደቓይቕ እዩ ተጻዊቱ።
ተደጋጋሚ ማህረምቲ ዘጋጠሞ ፖግባ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝገጠሞ ሓማም ሕቖ ካብ ሜዳ ምእላዩ ኣሰልጣኒ ጁቬንቱስ ማሲሞ ኣሌግሪ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







