ትጽቢት ዝግበረሎም ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ፕሪምየር ሊግ

ናይዚ ዓመተ ስፖርት ፕሪምየር ሊግ ኣብ ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ብዝካየዱ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ክቋረጽ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናይዚ ዓመተ ስፖርት ፕሪምየር ሊግ ኣብ ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ብዝካየዱ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ክቋረጽ እዩ

ኣብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ጽልዋ ዘሕደሩ ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ዝርዝር ነዊሕ እዩ።

ከም በዓል መሓመድ ሳላሕ፣ ዲድየር ድሮግባ፣ ማይክል ኤሲን፣ ሪያድ ማህረዝ፣ ያያ ቱረን ካልኦትን ኩሎም ትንግርቲ ሰሪሖም እዮም።

ዓመተ ስፖርት ፕሪምየር ሊግ 2023/24 ዝተፈልየ ኣይክኸውንን'ዩ - ስሙያት ይኹኑ ወላ ሓደሽቲ ተጻወትቲ።

ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ንዝፈረሙለን ሓደሽቲ ክለባት ዓቢ ጽልዋ ከሕድሩ ዝኽእሉ ሽዱሽተ ተጻወትቲ መሪጹ ኣሎ።

ኣንድሬ ኦናና (ካሜሩናዊ ንማንቸስተር ዩናይትድን)

ዓለምለኻዊ ጸወታታት፡ 34

ክፍሊት፡ 60.25 ሚልዮን ዶላር

ንውሓት ውዕል፡ ሓሙሽተ ዓመት

ኣንድሬ ኦናና ንኮፓ ኢጣልያን ሱፐርኮፓ ኢጣልያን ተዓዊቱ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣንድሬ ኦናና ንኮፓ ኢጣልያን ሱፐርኮፓ ኢጣልያን ተዓዊቱ'ዩ

ኮፓ ኢጣልያን ሱፐርኮፓ ኢጣልያን ዝተዓወተ ኣንድሬ ኦናና፡ ምስ ኢንተር ሚላን ኣብ ዘሕለፎ እንኮ ዓመተ ስፖርት ናብ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ በጺሑ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ እዩ ካብ ኢንተርሚላን ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ሰጊሩ። ንፈለማ እዋን ግዜ ኣብ ሂዩስተን ድሕሪ ምጽዋቱ ድማ ካብ ኣሰልጣኒ ኤሪክ ቴን ሃግ ናእዳ ረኺቡ ኣሎ።

እዚ ወዲ 27 ዓመት ተጻዋታይ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዴቪድ ዲሃያ ብምትካእ ቀዳማይ ምርጫ ሓላዊ ልዳት ማን ዩናይትድ ክኸውን’ዩ።

ኦናና፡ "ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ምጽንባር ንምእማኑ ዘጸግም ክብሪ'ዩ" ኢሉ።

ኒኮላስ ጃክሰን (ሰኔጋልን ቸልስን)

ዓለምለኻዊ ጸወታታት፡ 3

ክፍሊት፡ ኣይተገልጸን፡ 41 ሚልዮን ዶላር ከም ዝዀነ ይንገር

ንውሓት ውዕል፡ ሸሞንተ ዓመት

ኒኮላስ ጃክሰን ናይ ወርሒ ግንቦት ብሉጽ ተጻዋታይ ላሊጋ ተባሂሉ ተሸሊሙ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኒኮላስ ጃክሰን ናይ ወርሒ ግንቦት ብሉጽ ተጻዋታይ ላሊጋ ተባሂሉ ተሸሊሙ

ኣብ ጋምብያ ዝተወልደ ጃክሰን፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ብ26 ሚልዮን ዶላር ናብ ቦርንማውዝ ክጽንበር ተሓሲቡ’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ስክፍታታት ጉድኣት ግን ውዕል ኣይተዛዘመን።

ኣብ ቪላርያል ጸኒሑ ድማ ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን 12 ሸቶታት ድሕሪ ምምዝጋቡ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ክለብ ቼልሲ ኣምሪሑ።

እዚ "ሰኔጋላዊ ነይማር" ዝብል ሳጓ ዝተዋህቦ ወዲ 22 ዓመት ተጻዋታይ፡ ኣብ ቅድመ ውድድር ጸወታ ካብ ኣሰልጣኒ ቼልሲ ማውሪስዮ ፖቸቲኖ ናእዳ ረኺቡ'ዩ።

እንተዀነ ግን ኣካላዊ ኵነታቱ ከማሓይሽን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ዝለዓለ ፍጥነት ጸወታ ክላመድን ከም ዘለዎ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ'ሎ።

ኦላ ኣይና (ናይጀርያን ኖቲንግሃምን ፎረስት)

ዓለምለኻዊ ጸወታታት፡ 23

ክፍሊት፡ ብነጻ

ንውሓት ውዕል፡ ሓደ ዓመት

ቅድሚ ሕጂ ንቼልስን ፉልሃምን ዝተጻወተ ኦላ ኣይና፡ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣብ ፕሪምየር ሊግ ሳልሰይቲ ክለቡ’ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ሕጂ ንቼልስን ፉልሃምን ዝተጻወተ ኦላ ኣይና፡ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣብ ፕሪምየር ሊግ ሳልሰይቲ ክለቡ’ያ

ተወላዲ ለንደን ዝዀነ ኣይና ካብ 2007 ጀሚሩ ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኣካዳሚ ቸልሲ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኣብ ቀዳመይቲ ጋንታ ክጻወት ዕድል ብዘይምርካቡ ግን ብልቓሕ ናብ ሃል ሲቲ፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ቶሪኖ ተጸንቢሩ።

ኣብ 2019 ምስታ ኢጣልያዊት ክለብ ብቐዋምነት ድሕሪ ምጽንባሩ ስሩዕ ተጻዋታይ ኰይኑ።

ካብ ቶሪኖ ናብ ፕረምየርሊግ ተመሊሱ፡ ካብ 2020-21 ብልቓሕ ናብ ፉልሃም ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ፎረስት ተጸንቢሩ።

"ተመሊሰ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ምጽዋተይ ባህ ዘብል'ዩ። ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ሊግ'ዩ" ይብል ከም ምሉእ ተኸላኻላይ ወይ ናይ ክንፊ ተኸላኻላይ ዝጻወት ኣይና።

ኦከለጂ፡ "ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ፕረምየርሊግ ንዕኡ ዝተፈልየ ኩነታት'ዩ፡ ምስ ፎረስት ዕዉት ዛንታ ክጽሕፍ ተስፋ ኣለዎ።"

ኣይና ኣብ 2017 ንናይጀርያ ክጻወት ቅድሚ ምጅማሩ ብደረጃ መንእሰያት ንእንግሊዝ ወኪሉ ተጻዊቱ’ዩ።

ቤኒ ትራኦረ (ኣይቮሪኮስትን ሸፊልድ ዩናይትድን)

ዓለምለኻዊ ጸወታታት፡ 0

ክፍሊት፡ ኣይተገልጸን።

ንውሓት ውዕል፡ ኣርባዕተ ዓመት

ሓድሽ ተጻዋታይ ሸፊልድ ዩናይትድ ቤኒ ትራኦረ ኣብ ወርሒ መጋቢት ንፈለማ ግዜ ንትሕቲ 23 ዓመት ጋንታ ኣይቮሪኮስት ተጻዊቱ

ምንጪ ስእሊ, Sheffield United

መግለጺ ስእሊ, ተጻዋታይ ሸፊልድ ዩናይትድ ቤኒ ትራኦረ ኣብ ወርሒ መጋቢት ንፈለማ ግዜ ንትሕቲ 23 ዓመት ጋንታ ኣይቮሪኮስት ተጻዊቱ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ሽወደን መሪሕ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዝነበረ ወዲ 20 ዓመት ትራኦረ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ንክለብ ሃከን ሓድሽ ውዕል ፈሪሙ ነይሩ።

ይኹን’ምበር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናብ ሸፊልድ ዩናይትድ ተጸንቢሩ ኣሎ።

ምዕባለኡ ክሳብ ክንድዚ ቅልጡፍ ኮይኑ፡ ትራኦረ ገና ኣብ ዓለምለኻዊ ጸወታ ኣይተሳተፈን፡ ምስ ትሕቲ 23 ዓመት ጋንታ ኣይቮሪኮስት ሓንቲ ጸወታ ጥራይ እዩ ተጻዊቱ።

እንተዀነ ሸፊልድ ዩናይትድን ደገፍታን ምስ ኣካላዊ ጸወታ እንግሊዝ ክላመድ ዓቕሊ ክገብር ከም ዘለዎ ይግለጸሉ።

ማርቨለስ ናካምባ (ዚምባብዌን ሉተን ታውን)

ዓለምለኻዊ ጸወታታት፡ 23

ክፍሊት፡ ኣይተገልጸን

ንውሓት ውዕል፡ ሰለስተ ዓመት

ማርቨለስ ናካምባ ኣካል ናይታ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ናብ ፕሪምየር ሊግ ዝደየበት ክለብ ሉተን ታውን’ዩ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ማርቨለስ ናካምባ ኣካል ናይታ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ናብ ፕሪምየር ሊግ ዝደየበት ክለብ ሉተን ታውን’ዩ

ወዲ 29 ዓመት ማርቨሎስ ናካምባ ንፕሪምየር ሊግ ሓድሽ ኣይኰነን።

ኣብ 2019 ካብ ክለብ ብሩጅ ናብ ኣስቶንቪላ ድሕሪ ምፅንባሩ ምስ ቪላ 58 ጸወታታት ኣካይዱ’ዩ።

ኣብ መጀመርታ ጽቡቕ ብቕዓት ድሕሪ ምርኣዩ ግን ኣብ ታሕሳስ 2021 ኣብ ብርኩ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ገስጋሱ ተገዲቡ።

ኣብ መጀመርታ 2023 ብልቓሕ ናብ ሉተን ተዛዊሩ።

ናብ ፕሪምየር ሊግ ዝድይባ ጋንታታት ንምፍላይ ኣብ ስታድዩም ዌምብሊ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ኣንጻር ኮቨንትሪ ሲቲ ብፍጹም ቅላዕ ሸቶ ኣመዝጊቡ።

ናካምባ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብቐዋምነት ምስታ ክለብ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ "ጉዕዞ ንምቕጻል ናብ ሉተን ብምምላሰይ ኣዝየ ተሓጒሰ" ኢሉ።

ናካምባ ካብ ፕሪምየር ሊግ ክወረድ ከሎ ብዙሓት ዘይክምለስ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ነይሩ።

ናብቲ ሊግ ምስ ተመልሰ ግን ኣብ ሃገሩ ዚምባብወ ሰፊሑ ናእዳ ይረክብ ኣሎ።

"ኣብ ዓዱ ተመሊሱ ዝድነቕን ዝነኣድን'ዩ፡ ብግብረ ሰናይ ስራሕን'ውን ዝፍለጥ። ናካምባ ብዙሓት ኣብ ሃገሩ ንዕኡ ክርእዩ ከምዝህንጠዩ ይፈልጥ'ዩ፡ ተዋጋኢኦም ኣብ ጎኒ ካልኦት ዓለማዊ ኣስማት ንብረቱ ክዝርግሕ ከሎ ንምርኣይ።"

ናካምባ ኣብ 2015 ንፈለማ ግዜ ንሃገራዊት ጋንታ ዚምባብወ ክጻወት ጀሚሩ።

ኢሳ ካቦር (ቡርኪናፋሶን ሉተን ታውንን)

ዓለምለኻዊ ጸወታታት፡ 29

ክፍሊት፡ ልቓሕ (ካብ ማንቸስተር ሲቲ)

ንውሓት ውዕል፡ ሓደ ዓመት

ኢሳ ካቦር ኣብ 2020 ንማንቸስተር ሲቲ ፈሪሙ'ኳ እንተነበረ ዛጊት ምስ ቀዳመይቲ ጋንታ እታ ክለብ ኣይተጻወተን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢሳ ካቦር ኣብ 2020 ንማንቸስተር ሲቲ ፈሪሙ'ኳ እንተነበረ ዛጊት ምስ ቀዳመይቲ ጋንታ እታ ክለብ ኣይተጻወተን

ወዲ 22 ዓመት ካቦር ካብ ክለብ ኬቪ መቸለን ናብ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዝተዛወረሉ እዋን ንፈለማ ግዚኡ ኣብ ፕረምየርሊግ ክጻወት ልዑል ተስፋ ነይርዎ።

እንተዀነ ናብ ቤልጅየማዊት ክለብ ብልቓሕ ተመሊሱ፤ ኣብ ፈረንሳ’ውን ምስ ትሮየስን ማርሴን ድሕሪ ምጽዋቱ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንሓደ ዓመተ ብዝጸንሕ ውዕል ናብ ሉተን ተጸንቢሩ።

ኣብ ሉተን ዘርእዮ ብቕዓት እቲ ተኸላኻላይ ንወናኒት ክለቡ ማን ሲቲ ንምምሳጥ ዓቢ ዕድል ከም ዝህቦ ይግለጽ። ካቦር ኣጸዋውታ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ዝለምደሉን ኣቓልቦ ፔፕ ጋርድዮላ ክረክብ ዝኽእለሉን መድረኽ’ዩ።

ካቦር ኣብ 2019 ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ምስ ቡርኪናፋሶ ንፈለማ ግዚኡ ተጻዊቱ፤ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2021 ድማ ብሉጽ መንእሰይ ተጻዋታይ ተባሂሉ ተሸሊሙ’ዩ።