ቍጠባዊ ጽገናታት ኢትዮጵያ ክፈሽል ከም ዝኽእል ማዕከን ገንዘብ ዓለም ኣጠንቂቑ

ዳይረክተር ኣይኤምኤፍ ክሪስታሊና ጆርጂቫ ኣብ ሰነ 2023 - ኣብ ፓሪስ

ምንጪ ስእሊ, PMO

መግለጺ ስእሊ, ዳይረክተር ኣይኤምኤፍ ክሪስታሊና ጆርጂቫ ኣብ ሰነ 2023 - ኣብ ፓሪስ

ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ ቍጠባኣ ንምምሕያሽ ዝኣተወቶ 3.4 ቢልዮን ዶላር ውዕል ልቓሕ፡ ብሰንኪ ሃገራት ዝህበኦ ሓገዛት ምንካዩ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እዚ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከም ኣብ ምጕዳል ድጎማ፡ ምሕያል ፖሊሲታት ገንዘብን ግብሪን ዝኣመሰሉ ቍጠባዊ እረማ ብምክያዶም ንኢዱ።

እንተዀነ፡ ንገስጋሳ ክቘጽዩ ዝኽእሉ ጸገማት ከም ዘለዉ እውን ኣተሓሳሲቡ። እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸሊም ዕዳጋ ናይ ወጻኢ ገንዘብን ዘይርጕእ ጸጥታዊ ኵነታትን ዝኣመሰሉ ሓደጋታት፡ ንገስጋሳ ክዕንቅፉን ዕዳኣ ንምምሕዳር ዝያዳ ክሓላልኹን ከም ዝኽእሉ ኣገንዚቡ።

ኢትዮጵያ ክሳዕ ሕጂ ዕዳኣ ስለ ዘይከፈለት፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ምስ መንግስታውያን ኣለቃሕቲ ኣብ መባእታዊ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሓ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ንውልቃውያን ኣለቃሕቲ (ወነንቲ ቦንድ) ተመሳሳሊ ረድኤት ትሓትት ኣላ።

ምኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽደ ንፓርላማ ንድፊ ባጀት ፈደራል 2025/26 ኣብ ዘቕረበሉ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ዕዳ 3.5 ቢልዮን ዶላር ንምጕዳል ምስ ኣለቃሕቲ ሃገራት "ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ስምምዕ" በጺሖም ከም ዘለዉ ገሊጹ ነይሩ።

ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ኣይኤምኤፍ ኒጀል ክላርክ፡ "እቲ ኵነታት ሕጂ'ውን ብሰንኪ ጸገማት ጸጥታን ምንካይ ናይ ወጻኢ ሓገዝን ክብእስ ይኽእል'ዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኢትዮጵያ ካብ ወጻኢ እትረኽቦ ዝነበረት ሓገዝ ንኣስታት 12 ሚእታዊት ካብ ሃገራዊ ጃምላዊ እቶታ ይሽፍን ነይሩ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ድማ ናብ ትሕቲ 4 ሚእታዊት ከም ዝወረደ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

እተን ከም ዩኤስኤይድ ዝኣመሰላ ትካላት ረድኤት ዓቕመን እናነኣሰ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ካብዚ ንላዕሊ ምንካይ ክግበር ትጽቢት ይግበር።

ኣብዚ ዓመት 20 ሚእታዊት ኢትዮጵያውያን (ሓደ ካብ ሓሙሽተ ሰባት) ሓገዝ መግቢ ወይ ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ጸብጺቡ። ይዅን እምበር፡ ጻዕርታት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እኹል ገንዘብ ስለ ዘይብሉ፡ ብዙሓት መደባት ረድኤት ብግዝያውን ፍሉይ ኵነታትን እዮም ዝካየዱ ዘለዉ።

እዚ 'ማክሮ ኢኮኖሚ ሪፎርም ኢትዮጵያ' ዝተባህለ ውጥን፡ ኢትዮጵያ ቍጠባኣ ንምርግጋእን ቀጻሊ ዕብየት ንምምዕባልን ዝዓለመ ኵሉመዳያዊ ጥሙር ፖሊሲታት ኰይኑ፡ ነዞም ዝስዕቡ ነጥቢታት ድማ የጠቓልል፤

  • መጠን ሸርፊ ባጤራ፣ ዋጋ ባጤራ ኣብ ክንዲ ብመንግስቲ ዝትመን ናጻ ዕዳጋ ባዕሉ ክውስኖ፣
  • እዋናዊ ሓበሬታ ባንክ፣ ማእከላይ ባንክ ገንዘብ ዘመሓድረሉ ኣገባብ ክመሓየሽ፣
  • ምሕያል ፋይናንስ፣ ባንክታትን ፋይናንሳዊ ስርዓታትን ኣዝዩ ዝተረጋግአ ምግባር፣
  • ምርካብ ወይ ምንጪ ባጤራ፣ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምርካብ ዘጋጥሙ ጸገማት ምምሕያሽ።
ወሰኽ ደሞዝ ዝሓተቱ ሓካይም ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ወሰኽ ደሞዝ ዝሓተቱ ሓካይም ኢትዮጵያ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብቲ መንግስቲ ዝቘጻጸሮ ዕዳጋ ናብ ናጻ ዕዳጋ ንምስግጋር ድማ መንግስቲ ሓገዝ ክሓትት ጸኒሑ። እዚ ኣብ 2024 ዝጀመረ መደብ፡ ድሮ ካብ ማዕከን ገንዘብ፡ ባንኪ ዓለምን ካልኦት መሻርኽቲን ሓገዝ ንምርካብ ሓጊዙ እዩ።

ብ3 ሓምለ፡ ባንክ ዓለም ኢትዮጵያ ቍጠባኣ፡ "ዝያዳ ሓቛፍን ብብሕታዊ ጽላት ናብ ዝምራሕን" ሞዴል ዕብየት ንምስግጋር ዝሕግዝ ሓደ ቢልዮን ዶላር ምወላ ከም ዘጽደቐላ ገሊጹ ነይሩ። እቲ 650 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክኸውን ከሎ፡ እቲ 350 ሚልዮን ዶላር ግን ትሑት ወለድ ዘለዎ ልቓሕ እዩ።

ዳይረክተር ባንክ ዓለም ኣብ ሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝዀነት ማርያም ሳሊም፡ እቲ ከም ኣካል ትሑት ኣታዊ ንዘለወን ሃገራት ኰይኑ ንኢትዮጵያ ዝተዋህበ ሓገዝ፡ "[እታ ሃገር] ብሕታዊ ጽላት ንዕብየት ዝያዳ ኣበርክቶ ንምግባር፡ ናብ ሓቛፋይን ዘተኣማምንን ቍጠባ ንምስግጋር፡" ንእትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ዘቀላጥፍ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፡ ኢትዮጵያ ንዕዳጋ ሸርፊ ወጻኢ ብዝያዳ ክፉት ኣብ ምግባር ገለ ምዕባለታት ኣመዝጊባ እኳ እንተዀነት፡ ገና ሕጂ'ውን እውን ዓበይቲ ጸገማት ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ባንክታት ኣብ ሓድሕደን ክነግዳ ዘኽእለን ገንዘብ ውሱን ምዃኑ፡ ባንክታት ንመሸጣ ባጤራ 2.5 ሚእታዊት ክፍሊት ናብ ማእከላይ ባንክ ክኸፍላ ዝግደዳ ምዃነን፡ ከምኡ'ውን ልዑል ወጻኢታት ንትራንስኣክሽን ምህላዉ ወዘተ ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ ንጸሊም ዕዳጋ ባጤራ ዝያዳ ክቡር ይገብርዎ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ መንጎ ወግዓዊ ዕዳጋን ጸሊም ዕዳጋን ዘሎ ጋግ ኣስታት 15 ሚእታዊት ከም ዘሎ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ይሕብር።

ዝቕባበ ወይ ምውሳኽ ዋጋታት፡ ብሳላ ጽኑዕ ፖሊሲታት ገንዘብን ገደብ ልቓሕን ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ብዝቐልጠፈ ወሪዱ። ሕጂ'ውን ኣይኤምኤፍ፡ ኢትዮጵያ ናብ ኣብ ወለድ ዝተመስረተ ዘመናዊ ስርዓት ብዝቐልጠፈ ንኽትሰጋገር ርክብ ከተመሓይሽን ተኣማንነት ከተደልድልን ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ ኣይኤምኤፍ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ዝውነና ትካላት ንግዲ ኣብ ምሻጥ ምድንጓዩን ወፍሪ ወጻእተኛታት ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምጕዳሉን ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ። በዚ ድማ ናይታ ሃገር ዕቑር ሃብቲ ዳግማይ ንምህናጽን ጋግ ሚዛን ክፍሊት ንምጽባብን ንዝግበር ጻዕርታት ክሓላልኾ ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ።

ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ኣብ ዘቐመጦ እወታዊ ምልከታ፡ ሰደድ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ኢትዮጵያ ክዓቢ ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ገሊጹ። ኣብ ዓመተ-ባጀት 20024/25 ከኣ 12 ሚእታዊት ካብ ውሽጣዊ ፍርያታ ክበጽሕ ትጽቢት ከም ዝግበረሉን ካብቲ ካልኣይ ዳግመ-ግምት ተገይርሉ ዝነበረ 9.6 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸን ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ካብቲ ምስ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዘካየደቶ መደብ 262 ሚልዮን ዶላር ረኺባ ኣላ።

ዕለታዊ መነባብሮ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ምኽባዱ ብዝተፈላለዩ ትካላት ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ቅድሚ ወርሒ ምስ ኢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ግን፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ዕብየት ዘይኰነ ተኣምራት እዩ ዘሎ፡" ክብል ተዛሪቡ ምንባሩ ኣይርሳዕን።