ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 4 ስደተኛታት ሞይቶም


እዞም ምማቶም ዝተተጋገጸ ኣርባዕተ ካብታ 26 ዜጋታት ባንግላዲሽ ዝነበርዋ ጃልባ’ዮም

ምንጪ ስእሊ, Libyan Red Crescent

ኣስታት 100 ስደተኛታት ሒዘን ዝነበራ ክልተ ጃላቡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከባቢ ገማግም ሊብያ ብቐዳም ድሕሪ ምግልባጠን፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝጠሓሉ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣፍሊጦም።

እቶም ምሟቶም ዝተረጋገጸ ኣርባዕተ ሰባት ካብታ 26 ዜጋታት ባንግላዲሽ ሒዛ ዝነበረት ጃልባ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብታ ኣስታት 70 ዜጋታት ሱዳን ሑዛ ዝጠሓለት ካልኣይቲ ጃልባ ዝሞቱ ሰባት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ግን እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣይገለጹን።

እተን ጀላቡ ነቲ ብመንጐ ጣልያንን ሰሜን ኣፍሪቓን ዝሓለፍ መስመር ማእከላይ ባሕሪ ተጠቒመን'የን ዝጉዓዛ ነይረን።

ኣይኦኤም እዚ መስመር እዚ እቲ ካብ ዓለም ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝሃልቕሉ ዘለዉ መስመር ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

እተን ጀላቡ ካብ ኣል ክሙስ እትብሃል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሊብያ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ከም ዝተበገሳ ኣይኦኤም ይሕብር።

ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ሊብያ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘርግሖ ስእሊ፡ ኣባላት እቲ ማሕበር ነቶም ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝወጽኡ ሰባት እናኣለዩን ብጸሊም ጎማ ዝተሸፈነ ሬሳታት ኣብ መሬት በጥ ኢሉን እንከሎ የርኢ'ዩ።

ዓመታዊ ኣማኢት ሰባት ካብ ሰሜን ኣፍሪቓ ውሕስነት ብዘይብለን ንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ደቡባዊ ሸነኽ ኣውሮጳ ንምእታው ኣብ ዝገብርዎ ፈተነ ህይወቶም ከም ዝሓለፍ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመተ 2025 ጥራይ፡ ልዕሊ 1500 ስደተኛት ካብ ሰሜን ኣፍሪቓ ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ ከም ዝሞቱ ወይ ድሃዮም ከም ዝጠፈአ ኣይኦኤም ዝዘርገሖ ጸብጻብ የመልክት።

ካብዚኦም እቶም ሓደ ሲሶ ኣብ ገማግም ሊብያ ዝጠፈኡ ወይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሞቱ ምዃኖም ከኣ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ይሕብር።

ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቓ እተን ቀንዲ መበገሲ ናይቶም ኣስታት 59 ሽሕ ሎሚ ዓመት ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ዝኣተዉ ከም ዝዀና ብሕብረት ኣውሮጳ ዝመሓደር ኤጄንሲ ምቁጽጻር ዶባት ዝኾነ ፍሮንቴክስ ይሕብር።

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ዓሰርታት ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምግምጣላ እቶም ኣብኣ ዝነበሩ ዳርጋ ኩሎም ስደተኛታት ድሃዮም ከምዘየለን ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ከምዝእመንን ይግለጽ።