ስለምንታይ'ዮም ነበርቲ ካብ ሱፐርማርኬት ከይዕድጉ ዝእድሙ ዘለዉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካናዳ ስደተኛታት ብሕጋዊ መገዲ ንምጥያስ ዝዓለመ ዝተፈላለየ መደባት ኣለዋ። ኣብዚ እዋን ብፍላይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን- ስደተኛታት ብብዝሒ ዝኸዱዋ ዘለዉ ሃገር ምዃና ይንገር።
እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቍጠባዊ ምንቍልቋል ብዙሓት ሰባት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኖም ከምዘለው ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሮም።
እቶም ሰብ ሓዳርን ቘልዑን ከኣ ዝገደደ፡ ብሰንኪ ገንዘባዊ ሕጽረታት ንገዛእ ርእሶም ይዅን ንደቈም ስለ ዘየምህሩ፣ ከምኡ ኢሎም እዮም ካናዳ ዝኣትዉ።
እቶም ቋንቋ ተማሂሮም ንጽባሕ ዘስርሖም ሞያ ሒዞም ወይ ኣማዕቢሎም ዝኣትው ውሑዳት እዮም።
ገለ ምሁራት እውን፡ እቲ ትምህርትን ሰነዳት ትምህርትን ምስቲ ናይታ ሃገር ዘይሳነ ይኸውን እሞ ንሳቶም’ውን ክጽገሙ ይረኣዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ግን ቍጠባዊ ኵነታት ስለዘይፈቅድ ቀልጢፍካ ናብ ስራሕ ምድላይ ይኸውን፤ መብዛሕትኡ ተቐሪቡ ዝጸንሕ ድማ ብጉልበት ዝስራሕ ሽቕለት ይኸውን።
እዚ ድማ ስነ ኣእምሮኣዊ ነውጽን ካልእ ክሳራታትን የስዕብ።
ኣብታ ሃገር እናገደደ ዝመፅእ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ድማ፡ ነዞም ስደተኛታት ዝያዳ ይፀልዎም ከምዘሎ ይዝረብ።
እንታይ እዩ ዘጋጥም ዘሎ?
ኤሚሊ ጆንሰን ብሰንኪ ልዑል ዋጋ መግቢ ቁጥዖም ክገልጹ ካብ ዝጸንሑ ሓንቲ’ያ።
ንሳ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ካናዳ ዋጋ መግቢ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ዘሕደረላ ሕርቃን ኣብ ሬዲት ኣካፊላ ነይራ።
ቁጥዓኣ ብፍላይ ሎብላው ኣብ ዝተባህለ ኩባንያ ዘተኰረ እዩ፤ ኣስታት 2,500 ድኳናት ከም ዘለዎ ዝጃሃር እዚ ኩባንያ ኣብ ካናዳ ዓብላሊ ሸያጢ መግቢ እዩ።
ኤሚሊ ጆንሰን፡ LoblawsIsOutofControl (ሎብላው ካብ ቁጽጽር ወጺኡ) ብዝብል ዝጽዋዕ ናይ ሬዲት ጉጅለ ኣለዋ።
እዚ፡ ብኣሳእል ዘስካሕክሕ ዝመስል ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑ ዝተመልአ እዩ፤ ንኣብነት ን1.4 ኪሎ ደርሆ 29.36 ዶላር።
ሎብላው፡ ቤት መድሃኒትን ካልኦት ድኳናት መግቢን እውን ኣለዎ። ኣብ 2023 ጥራይ 2.5 ቢልዮን ዶላር ካናዳ ከሲቡ።
እቲ ቁጥዐ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሳን ካልኦትን ብሓባር፡ ኣብ መንጐ ወሰኽ ዋጋ መግብን ልዑል መኽሰብን ዘሎ ዘይምዕሩይነት ከም ዘማረሮም ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ሎብላው ብደረጃ ሃገር ኣድማ ጀሚሮም።
እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝጀመረ ኣድማ፡ ኣብ ካናዳ ሸቐጣት ምግቢ ብኸመይ ይሽየጥ፡ ከምኡ’ውን ንምንታይ ከም ሎብላው ዝኣመሰሉ ኩባንያታት ዝረኽብዎ መኽሰብ ይቕጽል ኣሎ ኣብ ዝብሉ ሕቶታት ሃገራዊ ዕላል ኣበጊሱ’ሎ።
ብተወሳኺ ኣብ ሎብላው ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ሸየጥቲ ምግቢ እታ ሃገር እውን ፖለቲካዊ ጸቕጥን መርመራን ክግብገስ ኣኽኢሉ።
ኣብ ቶሮንቶ እትነብር ጓል 49 ዓመት ቴራ ሱፈል ንበይና እያ ክልተ ደቃ እተዕብይ።
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሸቐጣት ከምዚ ዓይነት ጉዳይ ኣይነበረን፡ ግን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋታት ሰማይ ዓሪጉ ስለዘሎ ብዘይ ዝዀነ ንእሽቶ ነገር ኢና ንነብር ዘለና” ኢላ።
ቴራ፡ ብ200 ዶላር ካናዳ እትዕድጎ ኣስቤዛ ምስ ደቃ ሰሙን ምሉእ ይኽእሎም ከም ዝነበረ ትዛረብ። ሕዚ ግን እታወታት ምሳሕ’ኳ ኣይሽፍንን።
“ብሓቂ ስጋ ክንገዝእ ኣይንኽእልን፡ ስለዚ ቀንዲ ምንጪ ፕሮቲንና እንቋቑሖ’ዩ” ክትብል ኣብ ልዕሊ ሎብላው ከምዝኣደመት ትዛረብ።
ንኸምኣ ዝኣመሰሉ ተስፋ ዝቖረጹ ካናዳውያን ምላሽ ንምሃብ፡ ሚኒስተር ፌደራላዊ ምህዞ ካናዳ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ይገብር ኣሎ።
ተወዳዳርነት ዕደጋ ንምዕባይን ነዚ ስዒቡ ድማ ዋጋታት መግቢ ምእንቲ ክንክይን፡ ናብ ሓያሎ ወጻኢ ሃገራት መገሻታት ብምክያድ፡ ኣብ ካናዳ ኣትዩ ክነጥፍ ዝኽእል ዓለምለኻዊ ሸያጢ ምግቢ ይእልሽ ኣሎ።
ክኢላታት ግን ናብ ዕዳጋ ካናዳ ዝኣቱ ዝዀነ ወጻእተኛ ኩባንያ ምግቢ፡ ቀልጢፉ ተቐባልነት ንኽረክብ ከቢድ ብድሆ ከምዘጋጥሞን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝያዳ ዝተሓላለኸ መኣረምታ ከድልዮ ከምዝኽእልን ይገልጹ።
ሎብላው ነቲ ኣድማ ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንካናዳውያን "ተመራጺ ቸርቻሪ" ንምዃን ብቃሉ ከምዝጸንዕ ገሊጹ።
እቲ ኩባንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ወሲኹ፡ ዋጋታት ንብረት ንምምካት ዝከኣሎ ይገብር ከምዘሎን፡ ብተወሳኺ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝሽየጥ መግቢ ዝያዳ ተበጻሒ ንምግባር ዝያዳ ቅናሽ ዘለዎም ድኳናት ንምኽፋት መደብ ከምዘለዎን ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንጽጽር ዋጋታት ኣብ ካናዳ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን
ካናዳውያን ከም ብዙሓት ካልኦት ሃገራት፡ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ብሰንኪ ጉዳይ ቀረብ ሰንሰለትን ሕጽረት ጉልበትን ዋጋ መነባብሮ ክውስኽ ተዓዚቦም እዮም።
ዋላ እኳ ኣብ ካናዳ ዋጋታት መግቢ ካብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ብ11.4 ሚእታዊት ዝተሓተ እንተዀነ፡ ብመሰረት መረዳእታ ውድብ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን፡ እቲ ሓፈሻዊ ኣሃዝ ግን ምሉእ ታሪኽ ኣይነግርን።
ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዋጋ ገለ መዓልታዊ ኣቑሑት እንተተነጻጺሩ፡ ካናዳ ብሓቂ ኣብ ገለ ስሩዓት ትሕዝቶታት መግቢ ክባር ዕዳጋ ከምዘለዋ የመልክት።
ካብዚ ብተወሳኺ ካናዳውያን ምስቲ ብመንጽር ዶላር ኣመሪካ ክረአ እንከሎ ዋጋኡ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ባጤራ እናተቓለሱ’ዮም ዝርከቡ። እዚ ድማ ካብ ኣመሪካ ኣብ ዝኣቱ መግቢን ከምኡ’ውን ኣብ ሓፈሻዊ ዓቕሚ ምዕዳግ ካናዳውያን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ።
መጠን ወለድ ምውሳኹ፡ ምስ ልዑል ዋጋ ክራይ ገዛ ተደሚሩ፡ ጁባ ብዙሓት ነበርቲ ካናዳ እናራገፈ ይርከብ።
ኢንዱስትሪ ምግቢ እታ ሃገር፡ ሎብላው፣ ኢምፓየርን ከምኡ’ውን ሜትሮ ብዝተበሃሉ ሰለስተ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝተዓብለለ ምዃኑ ካልእ ተወሳኺ ጸገም ይፈጥር ከምዘሎ ይግለጽ።
እዞም ኩባንያታት ዳርጋ 60 ሚእታዊት ካብ ብጽሒት ዕዳጋ ምግቢ ክሕዙ እንከለዉ፡ መብዛሕትኡ ዝተረፈ ድማ ብዋልማርትን ኮስትኮን ዝተተሓዘ እዩ።
ብመንጽር እዚ፡ ዕዳጋ ምግቢ ኣመሪካ ዝያዳ ዞባዊ ተራ ይጻወት። ዋልማርት ኣብ መላእ እታ ሃገር እቲ ዝበዝሐ ተፈታዊ ኩባንያ ክኸውን ከሎ፡ ትርጉም ብዘለዎ መልክዕ ምስ ዋልማርት ዝወዳደሩ ካልኦት ልዕሊ ደርዘን ዝዀኑ ሸየጥቲ ምግቢ ኣለዉ።
ኣብ ዕዳጋ ዓባይ ብሪጣንያ’ውን ተመሳሳሊ እዩ፤ ብድምር 14 ትካላት ንግዲ ኣብ ዓመት ልዕሊ 1 ቢልዮን ፓውንድ መሸጣ ምግቢ የቕርባ።
ኣብ ልዕሊ ሎብላው ዝተገብረ ኣድማ፡ ካናዳውያን፡ ሕጽረት ኣማራጺታትን ናህሪ ወጻኢታትን ንምምካት ከምዘይተኻእሎም ዘመልክት ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, President's Choice/YouTube
ጸውዒት ኣልዲን ሊድልን
ሚኒስተር ምህዞ፡ ሳይንስን ኢንዱስትሪን ካናዳ ፍራንኮይስ-ፊሊፕ ሻምፔን፡ ኣየኖት ዓለምለኻውያን ሸየጥቲ ውጽኢታዊ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ኣይገለጸን።
ዋል ስትሪት ጆርናል ዝረኸቦም መንግስታዊ ሰነዳት ግን፡ ኣልዲን ሊድልን ካብ ጀርመን፡ ሌስ ሙስኬትየርስ ካብ ፈረንሳን ከምኡ’ውን ካልኦት ኩባንያታትን ቱርኪ፡ ስጳኛን ፖርቱጋልን ዝርከብዎም 12 ትካላት ኣብ ግምት ከምዝኣተዉ የመልክቱ።
ሰንሰለታዊ ሱፐርማርኬት ኣልዲ ድሮ ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 2400 ድኳናት ኣለዎ። ብተወሳኺ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እቲ ራብዓይ ዝዓበየ ሱፐርማርኬት’ዩ።
ዋና መወዳድርቱ ሊድል ድማ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን፡ ዋላ እኳ ካብ ኣልዲ ዝነኣሰ እንተዀነ መሰረት ኣንቢሩ ኣሎ።
እዞም ክልተ ኩባንያታት ኣብ ካልኦት ሃገራት ተፈታውነት እኳ እንተሃለዎም፡ ናብ ዕዳጋ ካናዳ ምእታው ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ብድሆ ከምዘለዎ ክኢላታት ይዛረቡ።
"ኩሎም ናይ ወጻኢ ቸርቸርቲ ናብ ካናዳ ክመጹ ከለዉ ዝገብርዎ ልሙድ ጌጋ፡ እታ ሃገር መበል 51 ግዝኣት ኣሜሪካ’ያ ትመስሎም" ይብል ኣብ ኣማኻሪ ትካል ካንታር ላዕለዋይ ዳይረክተር ዝዀነ ኣማሪንደር ሲንግ።
ኣብ ክውንነት ግን ካናዳውያን ተጠቀምቲ ኣዝዮም ዝተፈልዩ እዮም ብምባል፡ ኣብ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ይነብሩ ወይ ኣብ ከም ቶሮንቶ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት ይንበሩ ብዘየገድስ፡ ድሌታቶም ብዞባ ዝፈላለ ምዃኑ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባህልታት ኣለዋ። 20 ሚእታዊት ህዝባ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝተወልዱ እዮም፤ ሓደ ሃገራዊ ሸያጢ ምግቢ ድማ ንኽዕወት ንዅሎም ዒላማ ክገብሮም ኣለዎ ይብል እቲ ላዕለዋይ ዳይረክተር።
ካልእ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ረቛሒ፡ ሎብላው ዝትግብሮ ሓያል መደብ ናይ ዓሚልነት ነጥቢ ን40 ሚእታዊት ካብ መላእ ህዝቢ ካናዳ ዝሽፍን ምዃኑ’ዩ።
ብጽሒት ናይቲ ኣብቲ ዕዳጋ ክንድዚ ዝኣክል ጽኑዕ ምትእስሳር ዘለዎ ሎብላው፡ ካብቲ ዕዳጋ ኣውጺእኻ ዓብላልነት ምርካብ በዳሂ ከምዝዀነ ወሲኹ የስምር።
ገለ ገለ ሰባት፡ እቲ ሚኒስተር ዝገብሮ ዘሎ ዓለምለኻዊ ዑደት፡ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ሊበራል ኣብ ምርጫታት ብዓቢኡ ይምራሕ ስለ ዘሎ፡ ቁሩብ ፖለቲካዊ ትያትር ምዃኑ ይጠቕሱ።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ምህዞ፡ ሳይንስን ቁጠባዊ ልምዓትን ካናዳ ሪያድ ናዘራሊ፡ ሚኒስተር ሻምፔን ብዛዕባ “ኣብ ካናዳ ክግበር ዝኽእል ወፍሪ” ምስ ናይ ወጻኢ ቸርችታት ከምዝተዘራረበ ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ’ዩ።
ካናዳ፡ ከም ኣብ ሕጊ ውድድር ምምሕያሽ ብምግባር እቲ ሃዋህው ንሓደስቲ ዝኣትዉ ኩባንያታት ዝያዳ ምሕዝነታዊ ንምግባር ዝርከብዎም ካልኦት ስጉምትታት እውን ኣብ ግምት ኣእትያ ትሰርሕ ከምዘላ ወሲኹ ገሊጹ።
ክኢላታት ግን፡ መንግስቲ ኣብቶም ድሮ ዘለዉ ዞባዊን ንኣሽቱን ኩባንያታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ምህናጽ እውን ከተኩር ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎም።
እቲ ኣድማ ኣብ ሎብላው ዘስዕቦ ጽልዋ ድሩት ክኸውን ከምዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ነጻ ሸየጥቲ ምግቢ ግን ተጠቀምቲ ዝዀኑ ይመስሉ፤ ገሊኦም ካብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ጀሚሮም ኣብ ዋሕዚ ዓደግቲን መሸጣን ርኡይ ምዕባለ ከምዝረኣዩ ይግለጽ።
ንሸየጥቲ ውሽጢ ዓዲ ምድጋፍ፡ ኣብ ምህናጽ ቁጠባ ውሽጢ ዓድን ርክብ ሕብረተሰብን ነዊሕ መንገዲ ከምዝኸይድን፡ ኣብ ዕዳጋ ድማ ውድድር ከምዘመሓይሽን ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







