ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ኣብ ዜግነት ሞ ፋራሕ?

ኦሎምፒካዊ ሰር ሞ ፋራሕ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ኦሎምፒካዊ ሰር ሞ ፋራሕ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተወ ብኣንደበቱ ምቅልዑ ስዒቡ፡ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ዜግነቱ ዝውስዶ ዝዀነ ስጕምቲ ከም ዘየለ ብምግላጹ፡ “ከምዘቕሰኖ” ተዛሪቡ።

እቲ ኮኾብ ኣትሌት፡ ሓቀኛ ስሙ ሑሴን ዓብዲ ካሂን ከምዝኾነን እንተዀነ መሓመድ ፋራሕ ብዝብል ዜግነት ብሪጣንያ ከምዝረኸበን ብሰኑይ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ።

እቲ መሓመድ ፋራሕ ዝብል ስም፡ በቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዘምጽእዎ ሰባት’ዩ ተዋሂብዎ።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ንጉዳይ ሰር ሞ ፋራሕ ናብ ምጽራይ ከምዘይኣቱ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ’ሎ።

ሞ ፋራህ ምስ ቢቢሲ ራድዮ 4 ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት እዚ “ኣቕሲኑኒ'ሎ” ክብል ብውሳነ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝተሰምዖ ሩፍታ ገሊፁ።

“እዚኣ ሃገረይ እያ። ኣለን [ናይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ መምህሩ] ከምኡ ድማ ካልኦት ኣብ ግዜ ቍልዕነተይ ብዙሕ ዝሓገዙኒ ሰባት እንተዘይልዉ ነዚ ክገብር ትብዓት ኣይምረኸብኩን ነይረ፡” ኢሉ።

ወሲኹ፡ “ኣብ ህይወተይ ውዕለት ዝፈጸሙለይ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ብፍላይ በዓልቲ ቤተይ ኣብ ሞያይ ኣዝያ ሓጋዚት ነይራ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክዛረብ ትብዓት ሂባትኒ፤ ከምኡ ምግባር ሽግር ከምዘይብሉ ነጊራትኒ” ክብል ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዘለዉ ሰባት ዘተባብዑ ርእይቶታት ይቐርበሉ ከምዘሎ ዝዛረብ ሞ ፋራሕ፡ ሓቀኛ መንነቱ ምቅልዑ ስዒቡ ንዝወሃቦ ዘሎ ግብረመልሲ “ዘደንቕ” ክብል ገሊጽዎ።

“ምስ ቤተሰበይ’ኳ ብዛዕባኡ ክዛረብ ምቹእነት ኣይስምዓንን ነይሩ። ብወግዒ ኣይዛረበሉን ነይረ። ናብዚ ንኽበጽሕ ነዊሕ እዋን’ዩ ወሲዱለይ። ሰባት ነቲ ቈልዓ ኮይነ ዝወረደኒ ኵሉ ነገራት ክፈልጡ ዝገብር ሰነዳዊ ፊልም ክስራሕ ምግባረይ ሕጕስ’የ” ኢሉ።

በዓልቲ ቤቱ ቲና ብወገና፡ ነቲ ሓቀኛ ድሕረባይታኡ ምስ ሰምዐት “ብዙሕ ስምዒታት” ከምዝፈጠረላ ተዛሪባ’ላ።

“እቲ ቀዳማይ ግብረመልሰይ ከቢድ ሓዘንን ስንባደን ነይሩ። ሽዑ ሓገዝ ዝሰኣነን ንሽግራት ዝተቓልዐን ወዲ 9 ዓመት ሞ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅጅል ኢሉኒ። ማዕረ ምስዚ ስምዒተይ ከኣ በቶም ከምኡ ዝገበርዎን ናብቲ ጸገም ዘእተዉዎን ሰባት ሓሪቐ” ክትብል ዝተሰምዓ ኣረዲኣ።

ብዓይኒ ሕጊ ክረአ እንከሎ፡ ሰባት ብምትላል ዜግነት ከምዝረኸቡ እንተ ተፈሊጡ መንግስቲ ዜግነቶም ክስርዞ ይኽእል’ዩ።

እንተዀነ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ ኣብ ዜግነት ሞ ፋራሕ ስጕምቲ ከምዘይወስድ’ዩ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ ዘሎ።

ነዚ ከም ምኽንያት ዘቕረቦ ድማ፡ ህጻናት ብምትላል ዜግነት ኣብ ዝርከበሉ መስርሕ ተሓባበርቲ ክዀኑ ኣይክእሉን'ዮም ዝብል’ዩ።