ስለምንታይ’ዮም ኣስታት 20 ሚእታዊት ህጻናት ኣመሪካ ብመደቀሲ ከኒና ዝድቅሱ ዘለዉ?

ዝደቀሰ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣመሪካ ህጻናት ብመደቀሲ ከኒና ከምዝድቅስሱ ምግባር ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎን ኣስታት 20 ሚእታዊት ትሕቲ 14 ዝዕድሚኦም ህጻናት ብሓገዝ ከኒና ከምዝድቅሱ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ።

እዚ ተገበረ መጽናዕቲ፡ ወለዲ ደቆም ንኽድቅሱሎም ከኒና ከምዝህብዎም’ዩ ዘረድእ።

እቲ ምኽንያት ወለዲ ኣብ ስራሕ ምስ ወዓሉ ብዘይ ረበሻ ክድቅሱ ስለዝደልዮን፡ ደቆም እኹል ድቃስ ንኽረኽቡ ብምሕላንን ከምዝገብርዎ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንጉዳያት ጥዕና ዝከታተል ክፍሊ ኣመሪካ፡ ንህጻናት ከኒና ሂብካ ምድቃስ ዘለዎ ሳዕቤን ብምግላጽ ስክፍትኡ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ክፍሊ፡ ወለዲ ንደቆም ከኒና ቅድሚ ምሃቦም ንሓኪም ክውከሱ ከምዘለዎም ተላብዩ ነይሩ።

እቲ 'ሜላቶኒን' ዝተብሃል ከኒና፡ ኣብ ሓንጎል ደቂ ሰባት ንስሩዕ ስርዓረ ድቃስ ዘማእዝኑ ሆርሞን ንኽፈርዩ ዝሕግዝ ኮይኑ፡ ኣብ ኣመሪካ ወለዲ ንደቆም ስሩዕ ድቓስ ንኽህልዎም ዘዘውትርዎ ዓይነት ከኒና ከምዝኾነ ሃርቫርድ ዘካየዶ መጽናዕቲ የረድእ።

ኣብ ኣመሪካ እዚ ሜላቶኒን ዝተብሃለ ከኒና ብዘይ ናይ ሓኪም ወረቀት ኣብ ዝኾነ ፋርማሲ ክግዛእ ዝኽእል ከኒና’ዩ።

እዚ ኣብ ጃማ ዝተሃህለ መጽሄት ዝተሓተመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ን993 ትሕቲ 14 ዓመት ህጻናት ዘለዎም ወለዲ ኣዘራሪቡ ብዝተረኸቦ መልሲ፡ ተጠቓምነት ከኒና ሜላቶኒን ኣዝዩ ወሲኹ ከምዘሎ ይሕብር።

ክኢላታት ሕክምና ሜላቶኒን ንሓጺር እዋን ስርዓት ድቃስ ከስተካኽል ዝኽእል ከኒና’ኳ ኣንተኾነ ዘለቒ ፍታሕ ከምጽእ ከምዘይክእል’ዮም ዝገልጹ።

ኣመሪካን ኣካዳሚ ‘ብኦንላይን’ ብዝኣከቦ መጽናዕቲ፡ ካብቶም ነቲ ወረቐት ዝመልእዎ ወለዲ፡ እቶም 46 ሚእታዊት ንትሕቲ 13 ዓመት ደቆም ሜላቶኒን መደቀሲ ከኒና ከምዝህብዎም ገሊጸም።

ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣቦታት ብዝያዳ ነቲ መደቀሲ ከኒና ንደቆም ክውሃብ ከምዝደፋፍኡ የነጽር።

ማእከል ምቁጽጻር መርዛም ነገራት ኣመሪካ ብወገኑ ተጠቓምነት ከኒና ሜላቶኒን ኣብ ህጻናት ካብ 2012 ክሳብ 2021 ብ530 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ማእከል ኣብ መብዛሕትኦም [84 ሚእታዊት] ነዚ ከኒና ዝወስዱ ህጻናት ዝተርኣየ ምልክት'ኳ ኣንተዘይሃለወ፡ 1 ሚእታዊት ካብቶም ነዚ ከኒና ዝወሰዱ ህጻናት ግን ብጽኑዕ ሓሚሞም ክሳብ ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ዘድልዮም ሕሙማት ከምዝኣትዉ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሕጂ ዝተገበሩ መጽናዕትታ’ውን፡ ወለዲ ደቆም እኹል ድቃስ ንኽድቅስሎም ልዕሊ እቲ ክውሃቦም ዝግበኦምን መጠን ክኒና ከምዝህብዎም የረድእ።

ገለ ወለዲ ዳርጋ ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይቲ ክውሃብ ዝግብኦ መጠን ከኒና ንደቆም ከምዝህብዎም’ውን እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

እዚ ከኒና ነፍሱ ዝኽኣለ ጎድናዊ ሳዕቤት ዘለዎ ኮይኑ ሕማም ርእሲ፣ ቀትሪ ትኽስ ምባል፣ ምስልቻው ከምኡ ከኣ ተምላስን ዕግርግርን ከስዕብ ዝኽእል ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዝህልዎ ሳዕቤናት ግን ብዙሕ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ኣመሪካን ኣካዳሚ፡ እዚ ከኒና ከም ኩሉ ከኒናታት ህጻናት ክረኽብዎ ካብ ዝኽእሉ ቦታ ርሒቑ ክቕመጥ ብምምዓድ፡ “ናይ ድቃስ ጸገማት ኣብ ክንዲ ሜላቶኒን ብምውሳድ መደባት ብምስራዕን ባህሪ ብምትዕርራይን ክስተኻኸል ይኽእል’ዩ” ኢሉ።

ኣመሪካን ኣካዳሚ ኣብ መወዳእታ “ሜላቶኒን ክውሰድ እንተኾይነ ከኣ ክኢላ ሓኪም ብዝኣዘዞ መጠንን ሰዓትን ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ።