ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ 'ግዜ ትቐትል ኣላ’ ክትብል ግብጺ ከሲሳ

ግብጺ እቲ ግድብ ንኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ፈለግ ኒል ናይ ምቁጽጻር ላዐለዋይ ኢድ ከይህባ ስግኣት ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘካትዕ ዘሎ ኣብ ፈለግ ኒል ትሃንጾ ዘላ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ንዝርርብ ዝኸውን ግዜ እናመሳመሰት ግዜ ብምዕዳግ ብዘይ ስምምዕ ምምላእ ትቕጽል ኣላ ክብል ከሲሱ።

ነዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መመንጨዊ ጸዓት ምዃኑ ዝንገረሉ ግድብ ትሃንጽ ዘላ ኢትዮጵያ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ማይ ክትመልኦ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ክራማት'ዚ ዓመት’ውን ንራብዓይ ግዜ ነቲ ግድብ ማይ ክትመልኦ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ሚኒስተር ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ምስ ኣባይ ግድብ ዝተሓሓዝ ምስሕሓባት፡ ኢትዮጵያ ንካይሮ ‘ፖለቲካዊ’ ገይራቶ ክትብል ዝኸሰሰቶ መግለጺታት ኮኒኑ።

እዚ ሓድሽ መግለጺ ኣብ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ግብጺ ዝተሓዋወሰ ግብረ መልሲ ኣስዒቡ ኣሎ።

ፍሉጥ ደጋፊ መንግስቲ ኣሕመድ ሙሳ፡ ኢትዮጵያ ንግብጽን ሱዳንን “ንምጕዳእ” ኢትዮጵያ ነቲ ዓቢ ህዳሰ ግድብ ኮነ ኢላ ከምዝሃነጸቶ ሓቢሩ።

ኣቕራቢ ተሌቪዥን ተቓውሞ መሓመድ ናስር ብወገኑ፡ መንግስቲ ግብጽን መራኸቢ ብዙሃንን ኣንጻር እቲ ጉዳይ ሓያል መርገጺ ብዘይምውሳዶም ወቒሱ።

ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ብዛዕባ እቲ ግድብ ንዓመታት ኣብ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ተሸሚመን ከም ዘለዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሱዳንን ግብጽን ካብ ፈለግ ኒል ዝረኽባኦ ብጽሒት ማይ ከይጐድለን ስግኣት ኣለወን።

እቲ ኣብ መንጐ እዘን ሰለስተ ሃገራት፡ ኣብ ዙርያ’ቲ ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ዘተኮረ ዝርርባት ክጅመርን ክቋረጽን ብምጽንሑ፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ተሪፉ ዘሎ ስራሕ እቲ ግድብ ዝምልከት ግዱድ ስምምዓት ክፍረም ድፍኢት ክገብራ ጸኒሐን እየን።

ይዅን እምበር ኢትዮጵያ፡ መሰል ተጠቃምነት እቲ ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ እቲ ግድብ ነተን ሃገራት ብዘይሃሲ መልክዑ ኣብ ምምንጫው ሓይሊ ኢለክትሪክ ከተውዕሎ ምዃና ትገልጽ።

ልዕሊ 90% ከምዝተዛዘመ ዝንገረሉ፡ ምህናጽ ካብ ዝጅመር ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዘቝጸረ ግድብ ህዳሰ፡ ልዕሊ 5ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኢለክትሪክ ብምምንጫው ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንጐረባብቲ ሃገራት ሓይሊ ከቕርብ ትጽቢት ይግበረሉ።