ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 83 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ

ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ

ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 83 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ግድብ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ገሊጹ።

እቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ ነዚ ዝገለፀ እቲ ግድብ ካልኣይ ተርባይን ምፍራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምጅማር ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት እዩ።

ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ህንፀት ዝፀንሐ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝበዝሕ ስራሕቲ ህንፀቱ ናብ ምዝዛም ቀሪቡ ከምዘሎን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ፈላማይ ምፍራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝጀመረ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክልተ ዙርያ ምምላእ ማይን ኣብዚ ወርሒ ድማ ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ተኻይድሉ ኣሎ።

ኣብዚ ስነ-ስርዓት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፣ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብቲ እቲ ግድብ ዝርከበሉ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተረኺቦም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣካያዲ ስራሕ ህንፀት እቲ ግድብ ዝኾኑ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ 95 ሚኢታዊ ሲቪል ስራሕቲ እቲ ግድብ ከምዝተዛዘመ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ህንፀትን ምትካልን ስራሕቲ ኤሌክትሮ-መካኒካል እቲ ግድብ ናብ 61 ሚኢታዊ ክብ ከምዝበለን ናይ ማይ መተሓላለፍቲ ቱቦታት ሓፂን ስራሕቲ ድማ 73 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐን ገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዘይካ’ቲ ሲቪላዊ ስራሕቲ፡ ካብቶም ንጥፈታት መካኒካል ተታሒዞም ዝነበሩ ትልምታት፡ ክልተ ተርባይናትን ጀነሬተራትን ተዛዚሞም ኣለዉ።

እቲ ሓላፊ ወሲኹ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ግድብ ክሳብ 141 ሜትሮ ሓፍ ኢሉ ሳልሳይ ዙር ማይ ምምላእ ከምዝተፈፀመን ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕቲ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ 83 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ዝገለጸ ኢንጂነር ክፍሌ፡ እቶም ዝተረፉ ስራሕቲ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ክዛዘሙ ትልሚ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣአንፊቱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ግድብ ካልኣይ ተርባይን ዩኒት ትሽዓተ፡ ሎሚ ጸዓት ምምንጫው ዝጀመረ እንትኾን፡ 270 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ይንገር።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ከምእትፍፅም ምስ ገለጸት፡ ግብፂ ናብ ቤት-ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጥርዓን ከምዘቕረበት ዝዝከር እዩ።

ግብፂ ነቲ ውድብ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ከይበጽሐት ብኢደ ወነና ምምላእ ማይ ክትፍጽም የብላን ዝብል ተቓውሞኣ ኣመዝጊባ።

ኢትዮጵያ ግና፡ ህንፀት እቲ ግድብን ምምላእ ማይን ንምዝዛም ኣብ ታሕተዋይ መፋስስ ዝርከባ ሃገራት ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየለ ብምግላጽ ተቓሪባ ኣላ።

እቲ ልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ወፃኢ ብምግባር ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘመንጩ ዝግለፅ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፡ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ንዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከቕርብ ትፅቢት ይግበር።

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ እምነ መሰረት ህንፀቱ ብ24 መጋቢት 2003 ዓ/ም ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ዝተነብረ እንትኾን፡ ኢትዮጵያ ብምዕራብ ምስ ሱዳን ኣብ እትደወበሉ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ ጉባ ይርከብ።

እቲ ግድብ ንምህናፅ 80 ቢልዮን ብር (ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ) ከምዝወፅእ ይንገር፤ ህንፀቱ ድማ ብቐንዱ ብኢጣልያዊ ኮንትራክተር ሳሊኒ ኢምፕረጂሎ ከምዝስራሕ ይግለፅ።

እቲ ህንፀቱ ምስተዛዘመ ድማ 145 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ግድብ ምፍራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክኸውን እዩ። ንውሓቱ 1.8 ኪ.ሜ እዩ።

እቲ ግድብ ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ተሃነፀ እቲ ዝሕዞ መጠን ማይ 74 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ይኸውን፤ እቲ ግድብ ዝሽፍኖ ስፍሓት 1680 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ክኸውን እዩ።

ነዚ ዕላማ እዚ ድማ ኣብ ተኸታተልቲ ዓመታት ዝስራሕ ምምላእ ማይ ክህሉ እዩ።

እዚ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኾነ ግድብ 13 ተርባይናት ዝሓዘ ኮይኑ ሓደ ተርባይን ድማ ብማእከላይ 375 ሜጋዋት ሓይሊ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ይንገር።

ብመሰረት እቲ ትልሚ፡ 13 ለካቲት 2014 ዓ.ም ምፍራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብሓደ ተርባይን ከምዝጀመረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኩሎም ተርባይናት ስራሕ ምስ ጀመሩ፡ ጠቕላላ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዓብይ ግድብ ህዳሰ 5 ሽሕን 150ን ሜጋዋት ከምዝበፅሕ ይዝከር።