ህንዳዊ መቦቆል ዘለዎ ሪሺ ሱናክ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ክኸውን እዩ

ኣባላት ባይቶ ዓቃባዊ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ሪሺ ሱናክ፡ ቀዳማይ ኤስያዊ-ብሪጣንያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ንምዃን ኣብ ድርኩኺት ከም ዝበጽሐ ይግለጽ ኣሎ። ንሱ ነዚ ዝበቕዐ እታ ቀንዲ መወዳድርቱ ኰይና ዝጸንሐት መነሓንሕቱ ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምእላያ እዩ።

እቲ ሰኑይ ዘኽትም ምሃብ ድምጺ ደገፍ ቅድሚ ምእካሉ፡ ድሮ ኣስታት 200 ኣባላት ባይቶ ዓቓባዊ ሰልፊ፡ ነቲ ቻንስለር ዝነበረ ሱናክ ድምጾም ከምዝሃብዎ ተፈሊጡ’ሎ።

እታ ኣብቲ ውድድር ኣትያ ዝጸንሐት መራሒት ታሕተዋይ ባይቶ ዝዀነት ፐኒ ሞርደንት፡ እዅል ድምጺ ብዘይምርካባ ካብቲ ውድድር ተኣልያ እያ።

በዚ መሰረት፡ ሪሺ ሱናክ፡ ነታ ኣብ 45 መዓልታ ስልጣና ዝለቐቐት ሊዝ ትረስ ተኪኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ 200 ዓመታት፡ ኣብ መበል 42 ዓመቱ ብዕድመ እቲ ዝነኣሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ክኸውን እዩ።

እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ደገፍ ኣባላት ባይቶ ዓቃባዊ ሰልፊ ንምርካብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ውጽኢቱ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ዝስዕብ ሒደት መዓልታት ብወግዒ ስልጣኑ ክሕዝ እዩ።

ሪሺ ሱናክ፡ ውጽኢት’ቲ ካብ ኣባላት ባይቶ ዝረኸቦ ድምጺ ሎሚ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ብወግዒ ምስተገልጸ፡ መደረ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር።