ንሊዝ ትራስ ተኪኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ክኸውን ዝኽእል መን’ዩ?

ሪሺ ሱናክ [ጸሃም] ቦሪስ ጆንሰን [የማን]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሊዝ ትራስ ን45 መዓልታት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኮይና ድሕሪ ምራሕ ካብ ሰልጣን ከምእትወርድ ድሕሪ ምሕባራ፤ ንዓኣ ዝትክእ መን’ዩ ክኸውን ዝብል ሕቶ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ።

ሊዝ ትራስ ነቲ ግዚኡ ከይኣኸለ ካብ ስልጣን ዝወረደ ቦሪስ ጆንሰን ተኪኣ’ያ ናብ ስልጣን መጺኣ፡ ንሳ’ውን ኣብ 45 መዓታት ካብ ስልጣና ትወርድ ኣላ፡ በዚ መሰረት ብሪጣንያውያን ኣብ ሓደ ዓመት ሰለስት ቀዳማይ ሚኒስተራት ክርእዩ’ዮም።

ሊዝ ትራስ’ውን እታ ዝወሓደ መዓልታት ኣብ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነት ዝጸንሐት ኮይና ኣላ።

እቲ መን’ዩ ንሊዝ ሩዝስ ክትክኣ ዝብል ሕቶ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ሰሙን መልሲ ክርከቦ’ዩ።

ክሳብ ሕጂ መን’ዩ ንምትካኣ ክወዳደር ዝተፈለጠ ነገር’ኳ እንተዘይሃለወ፡ እቶም ክትክእዋ ይኽእሉ’ዮም ዝተብሃሉ ግን እዞም ዝስዕቡ’ዮም።

ሪሺ ሱናክ

ሪሺ ሱናክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሪሺ ሱናክ ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቦርስ ጆንሰን ንምትካእ ዝተኻየድ ውድድር ምስ ሊዝ ትራስ ተወዳዲሩ ዝነበረ’ዩ።

ኣብ እዋን ውድድሮም፡ ሊዝ ትሩዝ ትኽተሎ ናይ ግብሪ መደባት ንቁጠባ ዓባይ ብሪጣንያ ከዕንዋ ከምዝኽእል ብተደጋጋሚ ይገልጽ ነይሩ እዩ፡ ክዕወት ግን ኣይክኣለን።

ሪሺ ሱናክ ወለዱ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጽኡ ኮይኖም፡ ኣቡኡን ኣዲኡን መበቖሎም ካብ ህንዲ’ዩ።

ኣብ ሳውዝሃምፕተን ዝተወለደ ሪሺ ሱናክ ኣብ ኦክስፎርድን ስታንፎርድን’ዩ ተማሂሩ።

ኣብ 2015 ኣባል ባይቶ ክኸውን ዝኽኣለ ሪሺ፡ ኣብ ለካቲት 2020 ቻንስለር ቤት ግምጃ ዓባይ ብሪጣንያ’ውን ክኸውን ክኢሉ ነይሩ’ዩ።

ኣብ እዋን ዓለምለኻዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብቕዓት መሪሕነቱ ብምርኣይ፡ ቁጠ እታ ሃገር ነቕነቕ ከይብል እኹል ባጀት ክስልዕ ክኢሉ’ዩ።

እንተኾነ ብዓልቲ ቤቱ ምስ ምኽፋል ግብሪ ዝተሓሓዝ ክሲ ስለዝቐረባ ንሽሙ ከይበለሎ ኣይተረፈን፡ ኣይጸነሐን’ውን ንሕጋጋት ዕጽዋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጥሒስካ ተባሂሉ ብገንዘብ ተቐጺዑ ነይሩ’ዩ።

ፔኒ ሞርዳንት

ፔኒ ሞርዳንት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፔኒ ሞርዳንት ቦሪስ ጆንሰን ካብ ስልጣን ምስ ወረደ፡ ንምትክኡ ካብ ዝፈተኑን ካብ ኣባላት ይቶ ጽቡቕ ደገፍ ረኺባ ዝነበረት እያ እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ምስ ሊዝ ተሩስን ሪሺ ሱናክን ከመዓራርያ ዝኽእል ድምጺ ስለዘይረኸበት ክትግለፍ ክኢላ።

እንተኾነ ሊዝ ትራስ ኣብ ስልጣን ምስ መጽአት ኣብ ክልቲኡ ባይቶታት [ኮመን ከምኡ’ውን ሎርድስ] ንንጉስ ክትውክል ዘኽእል ሽመት’ያ ረኺባ።

ፔኒ ሞርዳንት ብ 2019 ቀዳመይቲ ዋና ጽሓፊት ሚኒስትሪ ምክልኻል ብምዃን እታ ቀዳመይቲ ነዚ መዝነት እዚ ዝብቐዐት ብሪጣንያዊት ጓል ኣንስተይቲ ክትከውን ክኢላ።

ከሚ ባደኖች

ከሚ ባደኖች

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ከሚ ባደኖች ዋላ’ኳ ኣይትተዓወት፡ ሓንቲ ካብቶም ንቦሪስ ጆንሰን ክትክኡ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሎም ዝነበሩ ክትከውን ክኢላ ነይራ’ያ።

እዛ ኣብ ደቡብ ሎንደን ኣብ ዊንበልደን ዝተወለደት ኣብ ኣሜሪካን ናይጀርያን ዝዓበ ከሚ ባደኖች፡ ኣዲኣ ናይ ሳይኮሎጂ ፕሮፌሰር ኮይና፤ ምስ ኣዲኣ እያ ናብተን ኣዲኣ ትምህረለን ዝነበረት ኣሜሪካን ናይጀርያን ከይዳ።

ከሚ ባደኒች፡ ቅድሚ ኣባል ባይቶ ምዃና፡ ኣብ ሓደ ናይ ግሊ ባንኪ ከምኡ’ውን ኣብ መጽሄት ‘ ዘ ስፔክታተር’ እያ ትሰርሕ ነይራ።

እቲ ብደረጃ ጽፍሒ መንግስቲ ዝለዓለ ዝረኸበቶ ስልጣን ኣብ እዋን መሪሕነት ሊዝ ትሩስ ንክፍሊ ዓለምለኻዊ ንግዲ ምምራሕ’ዩ።

ሱላ ብራቨርማን

ሱላ ብራቨርማን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሱላ ብራቨርማን ካብ ዝነበራ ጽፍሒ ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዝወረደት ምስ ሓበረት፡ ሊ ትሩስ’ውን 24 ሰዓታት ኣብ ዘይኣክል ግዜ’ያ ካብ ስልጣን ብፍቐዳ ከምእትወርድ ገሊጻ።

በዚ መሰረት ምውራድ ሱላ ብራቨርማን ንሊዝ ትሩስ ብኸቢድ ጸልይዋ ከምዝኸውን ብዙሓት ይገልጹ’ዮም። ሱላ ካብ ስልጣን ከምእትወርድ ኣብ ዝገለጸትሉ፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ዘይምስምማዕ ከምዘጋጠመ ኣአንፊታ’ያ።

ሱላ ብራቨርማን እቲ ሓተትቲ ዑቕባ ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ኮይኑ ክረአ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብትሪ ካብ ዝደፍእሉ ዝነበሩ መራሕቲ’ያ።

እዛ ኣብ እዋን መሪሕነት ቦሪስ ጆንሶን ኣኽባሪት ሕጊ ዝነበረት ሱላ ብራቨርማን፡ ሓንቲ ካብቶም ንቦሪስ ጆንሰን ንምትካእ ተፋ ዝነበሮም ኮይና ካብ ካልኣይ ዙር መረጻ ግን ክትሰግር ኣይክኣለትን።

ስደራኣ ካብ ኬንያን ሞሪሸይስን ኮይኖም ኣብ 1960ታት እዮም ብስደት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም፡ ክልቲኦም ኸኣ ኣብ ፖሎቲካ እዮም ዝነጥፉ ነይሮም፡ ኣዲኣ’ውን ን16 ዓመታት ኣባል ቤት ምኽሪ ኮይና ክትሰርሕ ክኢላ እያ።

ሱላ ብራቨርማን ኣብ ሎንዶን ዝተወለደት ኮይና ተኸታሊት እምነት ቡድሃ’ያ።

ቦሪስ ጆንሰን ዳግማይ ንቀዳማይ ሚኒስተር ክወዳደር ይኽእል ድዩ?

 ቦሪስ ጆንሰን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዞም ኩሎም ንሊዝ ትሩስ ክትክኡ ይኽእሉ’ዮም ዝብሃሉ ዘለዉ ዳርጋ ሰብ ኩሉ ይፈልጦም’ዩ፡ ሓለፋ ኩሎም ግን እቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበረ ቦሪስ ጆንን’ዩ ዝፍለጥ።

ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ሚኒስተራትን ኣባላት ባይቶን ገዚፍ ተቃውሞ ምስ ወረዶ’ዩ ብዘይፍታዉ ካብ ስልጣን ከምዝወርድ ሓቢሩ።

ኣብ እዋን ዕጽዋ ፈንጠዝያ ዝተሓወሶ ድግሳት ትገብር ኔርካን ካልእን ዝብል ክስታት ስለዝቐረቦ’ዩ ካብ ስልጣን ክወርድ ተገዲዱ።ቦሪስ ጆንሰን ካብ ኣባላት ባይቶ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ደገፍቲ ስለዘለውዎ ካብ ምውድዳር ዝዓግቶ ሕጊ’ውን ስለዘየለ ክወዳደር ይኽእል’ዩ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ካብኡ ዝተሰመዐ ነገር የለን።

እቲ ምርጫ ብኸመይ’ዩ ዝካየድ?

ዋላ’ኳ እቲ ዝምረጽ ወይ እታ ትምረጽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን እንተኾነ ብህዝቢ ኣይኮነን ክምረጽ።

ተወዳዳሪ ኮይንካ ንኽትምረጽ’ውን ቅድሚኡ ክሕለፍ ዘለዎ መስርሓት ኣሎ።

መጀመርታ ብውሕዱ 100 ካብ ኣባላት ባይቶ ንኽትወዳደር ድምጾም ክህቡኻ ኣለዎም፡ 357 ኣባላት ባይቶ ስለዘለዉ ኸኣ ልዕሊ ሰለስ ተወዳደርቲ ክህልዉ ኣይክእሉን’ዮም።

መብዛእትኡ ግዜ’ውን ክልተ ጥራይ ተወዳደርቲ’ዮም ዝህልዉ፡ ሓደ ጥራይ ዝኾነሉ እዋን’ውን ኣሎ።

ክሳብ ሎሚ ምሸት ሓደ ካብቶም ተሓጽዮም ዘለዉ ካብ ኣባላት ባይቶ 100 ድመጺ ክረኽብ እንተኽኢሉ ንሱ ወይ ንሳብ ብቐጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ምኻን ዕድል ክህልዎ’ዩ።

ካብ ሓደ ንላዕሊ ልዕሊ 100 ድምጺ እንተረኺቦም ግን ኣባላት ባይቶ ዓባውያን ድምጾም ብምሃብ ቀዳማይ ሚኒስተር ከፍልጡ’ዮም።

ቀዳማይ ሚኒሰትር ዓባይ ብሪጣንያ መን ከምዝኾነ ኸኣ 28 ጥቅምቲ ብወግዒ ክሕብር’ዩ።