ዩክረይን፡ ደብዳብ ድሮናት ሩስያ ድሕሪ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ንፋሲካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዩክረይን እቲ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ዝተገበረ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምዝዛሙ ብሓያሎ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሩስያ ከምዝተጠቕዐት ከሲሳ።
ሩስያ ባዕላ ዝኣወጀቶን ን30 ሰዓታት ዝቐጸለን ግዝያዊ "ምቍራጽ ተዅሲ ንፋሲካ" ካብ ዝዛዘም ሒደት ሰዓታት፡ ኣብ ሓያሎ ዞባታት መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሩስያ ከምዝፈጸመት ሰራዊት ዩክረይን ኣፍሊጡ።
ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ኣብ ዞባ ኪቭ ከምኡ'ውን ከርሰን፡ ድኒፕሮፔትሮቭስክ፡ ቸርካሲ፡ ማይኮላይቭን ዛፖሪዝዚያን ናይ እዋን ኲናት መጠንቀቕታ ኣስሚዑ።
ከንቲባ ናይታ ደቡባዊት ከተማ ማይኮላይቭ፡ ኦሌክሳንድር ሰንከቪች "ፍንጀራታት ተሰሚዑ" ኢሉ።
ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ግን ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።
ሰራዊት ሩስያ ብዛዕባ እቲ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ ዝዀነ ይዅን ርእይቶ ኣይሃበን። እቲ ብፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝተኣወጀ ግዝያዊ ምቍራጽ ተጻብኦ፡ ሰንበት ብኣቈጻጽራ ሞስኮ ፍርቂ ለይቲ (21፡00 GMT) ኣኽቲሙ። ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግዝያዊ ተዅሲ ደው ምባል ብምጥሓስ ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።
ሰኑይ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ንርእሰ ከተማ ኪቭ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዩክረይን ዘለዉ ነበርቲ፡ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮናት ሩስያ ብቕልጡፍ ናብ ኣብ ጥቓኦም ዝርከቡ መዕቆቢታት ክኸዱ ካብ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ መጠንቀቕታታት ተዋሂብዎም።
ቢቢሲ ነቲ ብኪቭን ሞስኮን ዝቐርብ ዘሎ ክሲታት ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።
እቲ ኲናት ንኸብቅዕ ድፍኢት ክገብር ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሰንበት ኣጋምሸት፡ "ሩስያን ዩክረይንን ኣብዚ ሰሙን ስምምዕ ክገብራ ተስፋ ንገብር" ክብል ገሊጹ ነይሩ። ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
ሩስያ ብ24 ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ብምፍጻም፡ ኣብዚ እዋን ኣስታት 20 ሚእታዊት መሬት ዩክረይን ተቘጻጺራ ትርከብ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ 2014 ሞስኮ ናብ ግዝኣታ ዝሓወሰቶ ደቡባዊ ሓውሲ ደሴት ክሪሚያ የጠቓልል።
ካብቲ ኣብ 2022 ዝተወልዐ ኲናት ጀሚሩ መብዛሕትኦም ወተሃደራት ዝርከብዎም ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ ክልቲኡ ወገን ከምዝተቐትሉ ወይ ከምዝቘሰሉ ይግመት።
ሞስኮ፡ ነቲ ኣሜሪካን ዩክረይንን ዝተሰማምዓሉ ምሉእን ቅድመ ኩነት ዘይብሉን ምቍራጽ ተዅሲ ከም ግብረ-መልሲ፡ ነዊሕ ዝርዝራት ዝሓዘ ቅድመ ኵነት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዘቕረበት ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







