ንመሻርኽቲ ዩክረይንን ኣመሪካን ዘቘጥዐ መጥቃዕቲ ሩስያ

መጥቃዕቲ ሚሳይል ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዘስዓቦ ጉድኣት

ምንጪ ስእሊ, Interior Ministry of Ukraine

ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ሱሚ ዝተባህለት ከተማ ዩክረይን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ክልተ ህጻናት ዝርከቡዎም 34 ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ ካልኦት 117 ድማ ቈሲሎም።

ምዕራባውያን ሃገራት ነቲ መጥቃዕቲ ብትሪ ኰኒኖም።

ኣብ ማእከል ከተማ ዝዓረፉ ክልተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ትማሊ ሰንበት ንግሆ፡ ኣብ ጥቓ ዩኒቨርሲትን ቤትጽሕፈት ኮንግረስን ተፈንጂሮም ሬሳታት ኣብ ጐደናታት ፋሕ ኢሎም ተራእዮም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ መጥቃዕቲ፡ "ዘስካሕክሕ" ክብል ክገልጾ እንከሎ፡ ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ ድማ፡ "ሩስያ ገበን ኲናት ፈጺማ፡" ክብል ከሲሱ።

ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ካብ ሩስያ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ዶብ ሰጊሮም ዝርከቡ ሓይልታታ ንዓቢይ መጥቃዕቲ ይዳለዋ ከም ዘለዋ ይንገር።

እዚ መጥቃዕቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ እታ ዝሓየለት ወተሃደራዊ መሓዛ ዩክረይን ዝዀነት ኣመሪካ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትራምፕ ብዝገበርኦ ዘተ፡ እቲ ኲናት - ኣብ ራብዓይ ዓመቱ ንኸብቅዕ ኣብ እትሰርሓሉ ዘላ እዋን እዩ።

ትራምፕ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ተሓተተ፡ ነቲ ኣዝዩ "ዘስካሕክሕ" ዝበሎ መጥቃዕቲ፡ "ተጋግዮም ከም ዝዀኑ" ከም ዝተነግሮ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ፡ ካልእ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይገለጸን።

ፍሉይ ልኡኽ ትራምፕ ኣብ ዩክረይን፡ ጡረተኛ ሌተናል ጀነራል ኪት ኬሎግ፡ እቲ መጥቃዕቲ ቀይሕ፡ "መስመር ጭውነት፡" ከም ዝሰገረ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ።

መራሒ ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ትራምፕ ናብ ዩክረይን ብምኻድ፡ ወራር ሩስያ ዘውረዶ ዕንወት ባዕሉ ክርኢ ተማሕጺኑ።

ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ሱሚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተቐድሐ፡ ምስ ሲቢኤስ ንሓደ ሰዓት ዝተገብረ ቃለመሕትት እዩ ከምኡ ኢሉ።

ካልኦትከ እንታይ ኢሎም?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓድሽ ቻንስለር ጀርመን ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ መርዝ፡ ንህዝባዊ ፈነወ ጀርመን ኤ.ኣር.ዲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሱሚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ "ከቢድ ገበን ኲናት፡" ክብል ኣዊጁ።

"ናይ ክሕደት ተግባር እዩ ተፈጺሙ፣ ከምኡ'ውን ከቢድ ገበን ኲናት'ዩ። ኰነ ኢልካን ብዕላማን ዝተፈጸመ'ዩ፡" ይብል እቲ ዓቃባዊ ፖለቲከኛ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኑ፡ ሩስያ "ንህይወት ደቂ-ሰብ፡ ዓለማዊ ሕግን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ፕረዚደንት ትራምፕን ብግልጺ ሸለል ኢላ፡" ክብል ከሲሱ።

እቲ ሃገሩ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ከም እትገብር ዘላ ዝገለጸ መራሒ፡ "ሩስያ መጥቃዕቲ ደው ክተብል፡ ሓያል ስጕምትታት የድሊ፡" ክብል'ውን ተሓንዩ።

ነቲ መጥቃዕቲ "ኣረሜናዊ" ክትብል ዝዀነነት ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ "ሩስያ ካብ ቀደማ ወራሪት እያ፣ ኣብዚ ግዜ`ዚ እውን ከምኣ ኢላ ኣላ። እዚ ድማ ብግልጺ ዓለማዊ ሕጊ ዝጥሓሰ'ዩ፡" ኢላ።

"ተዅሲ ደው ምባል ንምትግባር ሓያል ስጕምትታት ብህጹጽ የድሊ። ኤውሮጳ ክሳብ እቲ ደማዊ ኲናት ዘብቅዕን ነባሪ ሰላም ዝረጋገጽን፡ ብመሰረት ውዕላትን ቅጥዕታትን ዩክረይን፡ ንመሻርኽታ ክትረድእን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓያል ጸቕጢ ክትፈጥርን ክትቅጽል እያ።"

ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር'ውን፡ "ሩስያ ኣብ ሱሚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘካየደቶ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ከም ዘሰንበዶ፡" ብምግላጽ ርእይቶ ሂቡ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብዛዕባ እቲ ብሚሳይል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምስ ፈለጠ፡ "ኣዝዩ ከም ዝሰንበደ፡" ገሊጹ።

"ኣብ ልዕሊ ስቪላውያንን ንብረቶምን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብመሰረት ዓለማዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክልኩል ምዃኑን፡ ዝዀነ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዝዀነ ቦታ ዘጋጥም፡ ብቕልጡፍ ከብቅዕ ከም ዘለዎን፡" ወሲኹ ገሊጹ።

ሰባት ተኣኪቦም ንግዳይ መጥቃዕቲ እናኣጸናንዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትማሊ ሰንበት ዝተፈጸመ ክልተ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኣብዚ ዓመት ኣብ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ኣዝዩ ቀታሊ መጥቃዕቲ እዩ።

ካልእ መጥቃዕቲ ሚሳይል ሩስያ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ብ4 ሚያዝያ፡ ኣብ ከተማ ክሪቪ ሪህ 20 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 61 ድማ ቈሲሎም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ "ኣዘዝቲ ኣሃዱታትን ኣሰልጠንቲ ምዕራባውያንን፡" ኣኼባ ዒላማ ዝገበረ ከም ዝገበረ ገሊጹ።

ዝዀነ መርትዖ ግነ ኣይቀረበን።

ሩስያ ብ24 ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት - መብዛሕትኦም ወተሃደራት - ብዅሉ ወገን ከም ዝተቐትሉ ይግመት።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣስታት 7 ሚልዮን ዩክረናውያን ተሰዲዶም ከም ዘለዉ፡ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።