ሶማልያ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው ወተሃደራታ ዝበሃል 'ሓሶት'ዩ' ኢላ

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ዓብደልከሪም ዓሊ ካር

ምንጪ ስእሊ, Somali Nationa TV

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ዓብደልከሪም ዓሊ ካር፡ ትማሊ 19 ሓምለ ብተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝተፈነወ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው ወተሃደራት ሶማልያ ኣመልኪቱ፡ እቲ 'ኤርትራ ብትሕጃ ዝሓዘቶም'ዮም፤ ከምኡ'ውን ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ተሳቲፎም'ዮም፡' ክበሃል ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ዘረባታት፡ ሓሶት እዩ ክብል ገሊጹ።

እቲ ወሃቢ ቃል፡ 'ኤርትራ ነቶም ወተሃደራት ሶማልያ ንነዊሕ ግዜ ዝሓዘትሉ ምኽንያት፡ ንሶማልያ 50 ሚልዮን ዶላር ስለእትእውዳ፡ ከም ትሕጃ ዝተታሕዙ እዮም፡' ክበሃል ክስማዕ ዝጸንሐ ዘረባ "ሓሶት እዩ" ብምባል ነጺግዎ።

“እዚ ሓሶት እዩ፡ እዞም ወተሃደራት ከም መባድልቲ ኣይተታሕዙን፤ ሶማልያ እትእወዶ ዝዀነ ገንዘብ የለን፡" ድሕሪ ምባል፡ "ንኣብነት ቱርኪ፡ ኡጋንዳን ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ወተሃደራት ሶማልያ የሰልጥና’የን። እንተዀነ ንገንዘብ ኣይኰነን፡” ኢሉ።

ህላወ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ፡ ንነዊሕ ግዜ ብትሒም ትሒም ክኸይድ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ’ውን ቅድሚ ምብጻሕ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብዛዕባ ህላወኦም ዝተዋሃበ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይጸንሐን።

እቲ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እቲ ሰራዊት ሶማልያ ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ተሳቲፎም’ዮም ዝብል ዘረባታት'ውን ‘ሕሜታ’ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ “ብዘይካ ሕሜታ፡ ሰራዊት ሶማልያ ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ተሳቲፎም ዝብል ወግዓዊ መግለጺ ሰሚዕኩም ትፈልጡ ዲኹም?” ኢሉ።

እቶም ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያን መላፍንቱ ሓይልታትን ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ኵናት ዝተጸምዱ መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሰራዊት ሶማልያ ኣብቲ ኵናት ከምዝተሰለፉ’ዮም ዝገልጹ።

መንግስቲ ሶማልያ ብወገኑ፡ ንመግለጺ መራሕቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ኣሉታዊ መልሲ ክህበሉ ከም ዝጸንሑ ይዝከር።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ካብ 9 ሓምለ ኣትሒዙ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፤ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰንዩ፡ ኣብ መመረቕታ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ዓመታት ክስልጥኑ ጸኒሖም ዝተባህሉ ወተሃደራት ኣብ ዝተሳተፈሉን ኣጋጣሚ እዩ፡ ህላወ እዞም ወተሃደራት ጋህዲ ዝዀነ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ክስልጡ ናይ ዝጸነሑ ወተሃደራት ሶማልያ’ውን ብፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረን ተሰንዩ ከምዝበጽሖም ተለቪዥን ኤርትራ ምቅልሓ ይዝከር።

ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት 2022 ንፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሰልጣን ኣብ ዘረክበሉ ኣጋጣሚ’ዩ፡ 5000 ወተሃደራት ሶማልያ ንስልጠና ናብ ኤርትራ ከይዶም ምህላዎም ብምሕባር፣ ስልጣንን ሓደራን ኣረኪቡ።

ወሃቢ ቃል ዓብዱልከሪ ዓሊ ካር፡ እቶም 5000 ወተሃደራት ኵሎም ኣብ ኤርትራ ምህላዎም ብምርግጋጽ፡ መንግስቲ ሶማልያ ናብ ሃገሮም ክመልሶም ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ።

ተለቪዥን ኤርትራ፡ እቶም ኣብ እዋን መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወተሃደራት ሶማልያ፡ ንሰለስተ ዓመታት ወተሃደራዊ ተዓሊም ክወስዱ ምጽንሖም’ያ ገሊጻ።