መንግስታት ኤርትራን ሶማልያን መዘክር ሓባራዊ ስምምዕ ከምዝኸተሙ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, MoI Eritrea
ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ መዘክር ሓባራዊ ስምምዕ (memorandum of understanding) ከምዝከተሙ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢራ።
እቲ ምሕያል ጸጥታውን ናይ ምክልኻልን ምትሕብባር ዝብል ዝርከቦ፡ ሸውዓተ ነጥብታት ዘለዎ ሰነድ ሎሚ ሰሉስ 12 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ከምዝተኸተመ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።
ንሱ ብሰንበት፡ ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ዓመታት ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ንዝተገለጸ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሃገሩ ከምዘመረቐ ቴለቪዥን ኤርትራ ጸብጺባ ኔራ።
ትማሊ ሰኑይ’ውን ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ተሰንዩ፡ ናብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ብምብጻሕ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ስልጠና ዝወስዱ ዘለው ባሕረኛታት ሶማልያ ከም እተራኸበ ተገሊጹ።
ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጉዳይ ናብ ኤርትራ ተላኢዀም’ዮም ዝተባህሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያውያን ወተሃደራት ሓያሎ ክትዓት ከልዕል ጸኒሑ እዩ።
እዚ ብፍላይ ድሕሪ ምጅማር ኤርትራ ዝተሳተፈትሉ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ሞንጐ ፖለቲከኛታትን ስድራቤት ደሃዮም ዘይተፈልጠ ወተሃደራትን ከቢድ ወጥሪ ተላዒሉ ምንባሩ ይዝከር።
ተቓወምቲ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ እቶም ወተሃደራት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ብምልኣኽ ኣብ ኲናት ክሳተፉ ገይሩ ኢሎም ክነቕፍዎ ጸኒሖም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ድሕሪ ዝተኻየደ ምርጫ ካብ ስልጣን ዝወረደ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ስልጣኑ ከረክብ እንከሎ ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ይወስዱ ከም ዘለው ምርግጋጹ ይዝከር።
ትሕዝቶ እቲ ሰነድ እንታይ'ዩ ዝብል
እተን ሃገራት ዝኸተማሉ ሰነድ ምርድዳእ፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕባረዊ፡ ባህላዊ፡ ከባብያዊ ከምኡ’ውን ምክልኻልን ጸጥታን ዘጠቓለ'ዩ፦
- ኣብ መንጎ ህዝብታተን ዘሎ ዝምድና ምሕያል፣
- ሃገራዊ ረብሓታት ክልቲአን ሃገራት ንምዕቃብን ምጥንኻርን ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ምትሕብባር ምሕያል፣
- ኣብ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ውሕስነት ማይ፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ጥዕናን ትምህርቲን ፍሉይ ኣተኩሮ ብምግባር ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምትሕብባር ምስፋሕ፣
- ኣብ ባህላዊ፡ ስነጥበባዊን ስፖርታዊን ንጥፈታት ከምኡ’ውን ኣብ ስነ-ፍልጠታዊን ቴክኖሎጂያውን መዳያት ርክባትን ምትሕግጋዝን ምድልዳል፣
- ኣብ ምግታእ ተፈጥሮኣዊ ሃስያን ለበዳን ብምትኳር ኣብ ምዕቃብን ምስሳንን ኣከባቢ ምትሕብባር ምዕዛዝ፣
- ሰላም፡ ርግኣትን ጸጥታን ንምውሓስ ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን ምትሕብባር፣
- ምውቕ ዝምድና ብምፍጣር፡ ንቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ውህደትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ምጽዓት ዝብሉ ከም ዝኾኑ እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዝወጸ ሰነድ የርኢ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







