ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ኣውቶብስ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ኣብ ኣውቶቡስ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 33 ወተሃደራት ሶርያ ተቐቲሎም።
ኣይኤስ፡ ብቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።
እቶም ጅሃዳውያን ቅድሚ ተኹሲ ምኽፋቶም፡ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ደይር ኣል ዙር ንሓንቲ ወተሃደራዊ ኣውቶቡስ ከም ዝኸበቡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ካልኦት ልዕሊ 10 ወተሃደራት ክቖስሉ እንከለዉ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ድማ ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ኣይተፈልጠን።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተፈጸሙ ዝኸበደ ምዃኑ ዕጡቓት ኣይኤስ ገሊጾም።
ኣይኤስ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ማዕከን ዜና፡ ተዋጋእቱ "ብከቢድ ኣጽዋርን ብሮኬት ዝፍንጀሩ ቦምባታትን" ተሓጊዞም "ኣብ ክልተ ወተሃደራዊ ኣውቶቡሳት" ድብያ ከም ዝፈጸሙን እታ ሓንቲ ኣውቶቡስ ከም ዘቃጸሉን ሓቢሩ።
እቲ ጉጅለ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምፍጻም ክቕጽል ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ።
ሳና ዝተበሃለ ማዕከን ዜና ሶርያ ንሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ ብምጥቃስ፡ ሓደ "ሽበራዊ" ጉጅለ ብሓሙስ ኣብ በረኻ ስቴፕ ናብ መደበር ፓምፕ ቲ2 ኣብ ዝወስድ ጽርግያ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ከም ዝሙቱን ከም ዝቖሰሉን ሓቢሩ።
መደበር ፓምፕ T2 ክሳዕ ኣብ 2017 ብሰራዊት ሶርያ ዝተሓዝ ዕርዲ ኣይኤስ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን 10 ወተሃደራት ሶርያን ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ተዋጋእትን ኣብታ ናይ ቀደም ዕርዲ ጅሃዳውያን ኣውራጃ ራቃ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ጸብጺቡ።
ኣብተን ብተመሳሳሊ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ኣይኤስ ዝኣተዋ ራቃን ሓማን፡ ሓይልታት መንግስቲ ዝርከብዎም 43 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ደለይቲ ፍትሒ ሰኒዶም ኣለዉ።
ካብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣባላት ኣይኤስ ኣብ ሰሜናውን ሰሜናዊ ምብራቕን ሶርያ ዝፍጽምዎም መጥቃዕትታት ከም ዝወሰኹ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ገሊጹ።
ኣይኤስ ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ንሰሜናዊ ዒራቕ ዝዝርጋሕ 88 ሽሕ ትርብዒት ኪ.ሜ መሬት ተቖጻጺሩ፡ ዳርጋ ኣብ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ሰባት ኣረሜናዊ ምሕደራ ኣንቢሩ ነይሩ።
ይኹን እምበር ካብ 2019 እቲ ጉጅለ ካብቲ ናይ መወዳእታ ዕርዲ ካብ ዝስጎግ ጀሚሩ ዝቆጻጸሮ ሰፊሕ መሬት ከም ዝሰኣነ ይፍለጥ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ኣይኤስ ቀጻሊ ስግኣት ምዃኑ ኣጠንቂቑ’ዩ። ዕጡቓታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምድረበዳ ሶርያ ካብ ዝርከቡ መሕብኢ ቦታታት ድብያ ይፍጽሙን መጥቃዕቲ የካይዱን ኣለዉ።
ኣብ ሶርያ መራሒ ጉጅለ ኣይኤስ ከም ዝዀነ ዝጥርጠር ዝነበረ ኣቡ ሑሴን ኣል ቁረይሺ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብሓይልታት ቱርኪ ከም ዝተቐትለ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ።
መንግስቲ ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ፡ ኣብ 2011 ሰላማዊ ተቓውሞታት ድሕሪ ምጭፍላቑ፡ ኲናት ሶርያ ከም ዝተላዕለ ዝዝከር’ዩ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ፍርቂ ናይቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ህዝቢ ድማ ከም ዝተመዛበለ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







