ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዒራቕ ኣማኢት ደቂ ኣንስትዮ ምግቢ ተሓሲመን

ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ባግዳድ ህፃውንቲ እንከይተረፈ ግዳያት'ዮም

ኣብ ርእሰ ከተማ ዒራቕ፡ ባግዳድ ፅኑዕ ሓለዋ ኣብ ዝግበረሉ ቤት-ማእሰርቲ ብውሕዱ 400 ደቂኣንስትዮ ምግቢ ካብ ዝሕሰማ ክልተ ሰሙን ከምዝገበራ ተገሊጹ።

እተን ምግቢ ከም ዝተሓሰማ ዝተነገረለን እሱራት፡ ደቂኣንስትዮ ኣባላት እስላማዊ መንግስቲ እንትኾና፡ ካብ 15 ዓመት ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተፈረደን’የን።

ምግቢ ዝተሓሰማሉ ምኽንያት’ውን እቲ ኣብ ልዕሊኤን ዝተበየነ ፍርዲ ‘ኢ-ፍትሓዊ’ ከምዝኾነ ብምቅዋምን፡ ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ዝተትሓዛሉ መገዲ ዘይቅኑዕ’ዩ ካብ ዝብል መበገስን’ዩ ተባሂሉ።

ካብተን ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከባ ደቀ’ንስትዮ፡ ዜጋታት ሩስያ፣ ቱርኪ፣ ኣዘርባጃን፣ ዩክረይን፣ ሶርያ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመንን ኣሜሪካን ይርከብአን።

ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ኣስታት 100 ህጻናት ከምዝርከቡ’ውን ይግመት።

‘ኣይኤስ’ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ጉጅለ፡ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዓርሳ ዝኸኣለት እስላማዊት ሃገር ንምምስራት ጭካነ ዝተመልኦ ወፍርታት ብምክያድ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ ብኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ቀቲሉ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ባርያ ኰይኑ ክግዛእ ምግባሩ ይንገር።

እቲ እስላማዊ ጉጅለ ብ 2017ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ምስወደቐ፡ ነባር ኣባላቱ ብተናጸል ዝተኣኻኸቡ እንትኾኑ፡ ካብዚኦም ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ተቐቲሎም።

ብኣሽሓት ዝግመቱ ደቂኣንስትዮን ህጻውንትን ድማ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ከምዝተወሰዱ ይግለጽ።

ገሊኦም ውሑዳት ነናብ ሃገሮም ንክምለሱ ዝተገበሩ ኮይኖም፡ ብዙሓት ድማ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲ ተቐይዶም ይርከቡ።

ካብ ቤት-ማእሰርቲ ባግዳድ ናብ ቢቢሲ ክፍሊ ቋንቋ ዓረብ ዝተለኣኸ ቪድዮ ከምዝሕብሮ፡ ብዙሓት ደቀ’ንስትዮ ብዘይ ገለ ምንቅስቓስ ኣብ ምድሪ ደቂሰን ይረኣያ። እዘን ደቀ’ንስትዮ ካብ ዝሓለፈ ዕለት 24 ወርሒ ሚያዝያ ጀሚረን ምግቢ ከምዘይጠዓማ ይእመን።

እቲ ምግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ክጅመር እንከሎ፡ ተሳተፍቲ ኣድማ ኣብ መዓልቲ ፍርቂ ብርጭቆ ማይ ይሰትያ ከምዝነበራን ኣጋ ድሓር ግና ገሊኤን ነታ ፍርቂ ብርጭቆ ማይ ምስታይ ጠጠው ከምዘበላ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብቲ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ዝተረኸበ ቪድዮ ህጻዉንቲ ዝርኣዩ ኮይኖም እቶም ዝበዝሑ ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ከምዝተወለዱ’ዩ ዝእመን።

እሱራት ደቀ’ንስትዮ ካብ 15 ዓመት ክሳብ ዕድመ ይፍታሕ ማእሰርቲ ተፈሪዱለን። ገሊኤን ከዓ ብሞት ክቕጽዓ ተፈሪደን'ኳ እንተነበራ ዛጊድ ግና እቲ ፍርዲ ተግባራዊ ከምዘይኮነ ቢቢሲ ሰሚዑ’ሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብዝኣተወ ስልኪ ተጠቒሙ ምስ ሓንቲ ሩስያዊት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ክሳብ ትፍታሕ ዋላ ሓንቲ ነገር ከምዘይትጥዕም ተዛሪባ።

ንሳ ኣስዒባ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ተገዲዳ ክትፍርም ኣብ ዝተገበረትሉ ናይ እምነትን ክሕደትን ቃል መሰረት፡ ብናይ 10 ደቂቕ መጋባእያ 15 ዓመት ክትእሰር ተበይኑላ።

እቲ ንሳ ክትፍርመሉ ዝተገደደትሉ ሰነድ’ውን ንሳ ብዘይትርድኦ ቋንቋ ዓረብ ዝተጽሓፈ ኮይኑ፡ መሳርሒ ኵናት ሒዛ ኣብ ሞሱል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወት የረድእ። ንሳ ግና እዚ ከምዘይወዓለቶ’ያ እትገልጽ።

እተን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከባ ደቀ’ንስትዮ ምስ ኤምባሲታት ኮነ ተወከልቲ ዲፕሎማት ዋላ ሓንቲ ርክብ ከምዘይነበረንን፡ ኣብ ግዘ ፍርዲ ምሃብ ከምዘይተረኸባን ተዛሪበን።

ቢቢሲ ዘዘራረበን ደቀ’ንስትዮ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት 60 ዝኣኽላ ደቂኣንስትዮን፡ 30 ህጻዉንትን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ሩሳፋ ከምዝሞቱ ገሊጸን። እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሞተ ህጻን ድማ፡ ወዲ 3 ዓመት ከምዝነበረ ሓንቲ እስርቲ ሓቢራ።

እቲ ኣብ ምብራቓዊ ከተማ ባግዳድ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ፡ ብዝተፈላለዩ ገበናት ተኸሲሶም ፍርዶም ዝፈለጡ እሱራት ዝሓዘ እዩ።

እተን እሱራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ኣስታት 40 ሰባት ዝእሰራ ኮይነን፡ ኣብ ልዕሊኤን መውቃዕትን ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ከም ዝፍጸመን ሓቢረን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሚኒስቴር ፍትሒ ዒራቕ ሸሊኹ ኣብ ዝወጽአ ድምጺ ሓላፊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተሰጎገ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ቤት-ማእሰርቲ ክሕዞ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ ሒዙ ከምዝርከብ’ውን እቲ ሚኒስትሪ ኣሚኑ።

መንግስቲ ዒራቕ ብዛዕባ እቲ ዝተብሃለ ምግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማን ኣተሓሕዛ እሱራትን ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።

ቅድሚ ሕጂ ግና ገበነኛታት ዘይኮኑ እሱራት ነናብ ሃገሮም ንክምለሱ ክሕግዞም ድልየት ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።