ሰለስተ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ጥቓ ዶብ ግብጺ ተቐቲሎም

ሓይልታት እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጥቓ ዶብ ግብጺ ምስ ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ ተጋጭዮም እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጥቓ ዶብ ግብጺ ምስ ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ ተጋጭዮም እዮም

ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ ዶብ ግብጺ ሰለስተ ወተሃደራቱ ብሓደ ዕጡቕ ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ግጭት፡ ካልኦት ወተሃደራት’ውን ከም ዘቑሰlu’ዩ ዝግለጽ።

ትማሊ ቀዳም፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ወተሃደራት፡ ብሬድዮ ንዝቐረበሎም ጻውዒት መልሲ ከይሃቡ ድሕሪ ምትራፎም ኣብ ሓደ መደበር ሰራዊት ሞይቶም ተረኺቦም።

እቲ ሳልሳይ ወተሃደር፡ ድሕሪ ሰዓታት ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ፈተሻ’ዩ ተቐቲሉ።

እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝተበሃለ ዕጡቕ ድማ በቲ ስርሒት ከም ዝተቐተለ ተሓቢሩ።

እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ዶብ ዝካየድ ዝነበረ ስርሒት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ምፍሻሉ ስዒቡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ ኣጋጢሙ።

ሓደ ውልቀሰብ መሳልል ተጠቒሙ ነቲ ኣብ ዶብ ዝርከብ ሓጹር ንምስጋር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ 400 ሽሕ ዶላር ዝግመት ዕጸፋርስ ከም ዝተታሕዘ ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኮሎኔል ሪቻርድ ሄችት ሓቢሩ።

እዚ ድማ ምስቲ ድሒሩ ዝተፈጸመ ተኹሲ ዝተኣሳሰር እዩ ተባሂሉ ከም ዝተገመተ ወሲኹ ገሊጹ።

ሰራዊት እስራኤል፡ እቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝበለቶን ኣብቲ ስርሒት ዝሞተን ውልቀሰብ ኣባል ፖሊስ ግብጺ ከም ዝዀነ ይገልጽ።

ሰራዊት ግብጺ’ውን፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ኣባል ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

"ምስ ሰራዊት ግብጺ ምሉእ ብምሉእ ብምትሕብባር መርመራ ይካየድ" ከም ዘሎ ሰራዊት እስራኤል ኣብ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ካልኦት መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዝኽእሉ ሰባት ከይህልዉ ብዝብል ወተሃደራት ፈተሻ የካይዱ ከም ዘለዉ’ውን ሓቢሩ።

ኣሰጋገርቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ዕጡቓት፡ ናብ ምክልኻል ጸጥታ እስራኤል ከም ዝተኰሱን እዚ ድማ ናብ ግጭት ከምርሕ ከም ዝኸኣለ ምንጭታት ምሕባሮም ማዕከን ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ገበነኛታት ሓደ ሓደ ግዜ ብቲ ዶብ ሓሽሽ ከም ዘስግሩ ይፍለጥ።

እስላማውያን ዕጡቓት ጉጅለታት’ውን ኣብቲ ዕግርግር ዝመልኦ ሰሜናዊ በረኻ ሲናይ ይንቀሳቐሱ እዮም።

ግብጺ ኣብ 1979 ምስ እስራኤል ውዕል ሰላም ዝፈረመት ፈላመይቲ ዓረብ ሃገር እያ።

ክልቲአን ሃገራት ጥቡቕ ጸጥታዊ ርክብ ዘለወን ኰይነን ኣብቲ ናይ ሓባር ዶበን ከምዚ ዓይነት ግጭት ሳሕቲ'ዩ ዘጋጥም።