ኤርትራ፡ ጀነራላት ኢትዮጵያ ሰቒሎም ዘውረድዎ ካርታን ዝፈጠሮ ሓያል ቍጥዐን ግብረመልስን

ምንጪ ስእሊ, FDRE Defense Force
ላዕለዎት ወተሃደራዊ ጀነራላት ኢትዮጵያ ብሰንበት 4 ጥሪ፡ ንግዝኣት ኤርትራ ቈርሚሙ ናብ ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ዝቐረበ ካርታ ሒዞም ብምርኣዮም ኣዛራቢ ኰይኑ ቀንዩ።
እዚ ፍጻመ፡ ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ'ቲ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዛ ኢትዮጵያ ከተቕርቦ ዝጸንሐት፡ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪን፡ ንልዑላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ትረኻታትን ናብ ሓድሽ ኲናት ከይኣትዋ ከቢድ ስግኣት ኣብ ዘለወሉ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ኣብቲ ብላቴ ኣብ ዝተባህለ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምረቓ ሰልጠንቲ ወተሃደራት፡ ሓላፊ ኣሃዱ ፍሉይ ስርሒታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ሌተና ጀነራል ሹማ ኣብዴታ ምስ ካልኦት ክልተ ጀነራላት ሒዞምዎ ዝተሳእሉ ካርታ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓያል ቍጥዐ ዝፈጠረ ክኸውን እንከሎ፡ ምኒስተር የማነ ገብረመስልቀል ድማ ብመንገዲ ኤክስ ምላሽ ሂቡሉ።
እቲ ካርታ፡ ዓሰብ ንዝርከቦ ክፋላ ዞባ ደቡብ ቀይሕባሕሪ ኤርትራ ጨሪሙ ኣብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝጠቕለለ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ማሕበራዊ ሜድያ ምኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ተሰቒሉ ተራእዩ ነይሩ።
ዓሰብ ኣብ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕባሕሪ ኤርትራ እትርከብ ወደብ ኰይና፡ ኣብ ግንቦት 1991 ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ጐባጢ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሳዒሩ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኢትዮጵያ ወደብ-ኣልቦ ኰይና'ያ ተሪፋ።
ምኒስተር የማነ ኣብ ምላሹ፡ "ድኹማት ፖለቲካዊ መራሕቲ ሰልፊ ብልጽግና ምስ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ፡ እንሆ ካብ ጽባሕ ምጅማር ዓመተ 2026 ጀሚሮም ነቲ ዘይሓላፍነታዊ ምትዅታዅን ኣጀንዳ ኲናት ይደፍእሉ፡" ክብል ነቒፉ።
"እቲ ኣዕናዊ ፕሮፓጋንዳ፡" ብኽልተ ኣገባባት የሰጕምዎ ኣለዉ ክብል ዝኸሰሰ ኣቶ የማነ፡ "ብሓደ ወገን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ዝዓለመን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝዝርጋሕ፣ ብግልጺ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ንልዑላዊ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ዘጠቓለለ ናይ ሓሶት ካርታታት ኢትዮጵያ ይተዃቱዅ፤ ብኻልእ ወገን ድማ ንወጻእተኛታት ክዛረቡ እንከለዉ ንነብሶም ከም ግዳያት ኰይኖም ይቐርቡን ነቲ ዘይሕጋዊ ጠለብ ተበጻሕነት ባሕሪ ከም "ነብሰ ምክልኻል" ብምቕራጽ ከመኽንይዎ ይፍትኑን፡" ክብል ጽሒፉ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጊዴዮን ጢሞትዮስ [ዶ/ር] ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ይዅን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስ ኣምባሳደራትን ወከልቲ ውድባትን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ንኤርትራ ብኢድ ኣእታውነት ክኸስስ ተሰሚዑ እዩ።
እቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሆርን ሪቪውን ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘዳለውዎ መድረኽ ፖሊሲ ወጻኢ ተረኺቡ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ "ንመንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ ከውጽኡዎ፣ ናብ ብሩህን ምትሕብባርን ዘለዎ መጻኢ ዝዓለመ ዝጭበጡ ስጕምትታት ከምርሕ ከተባብዑዎ፡" ጻውዒት ብምቕራብ፡ "ንሕና ምእንቲ ሰላማን ርግኣትን ሰናይ ጕርብትናን ነብሰ ግትኣት መሪጽና ኣለና፡" ክብል ተዛሪቡ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ኤርትራ ግን ነዚ ክሲታት ብምንጻግ፡ ነቲ ዘይሕጋውን ዘይቅቡልን ሕቶ ንምምኽናይ እዩ ብምባል ምላሽ ክትህበሉ ጸኒሓ እያ።
ብኻልእ ገጽ ድማ፡ ካብ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣትሒዙ፡ ጀነራላት፡ ኣምባሳደራት፡ ናይ ሚድያ ሰባት ካልኦትን ካብ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሮም፡ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሕጋዊን ቅቡልን ምዃኑ ንምርዳእ፡ ኤርትራ ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ኣብ ምቍጽጻር ወደባት ጌጋ ፈጺማ እያ ብምባል፡ ጕዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዳግም ክለዓል ዝጽውዕ ትረኻታት ከስምዑ ጸኒሖም እዮም።
መግለጺታት ኢትዮጵያ ካብ ተጠቃምነት፡ ናብ ዋንነት፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ወተሃደራዊ ህላወ ክሳብ ምውሓስ ናብ ዝብል ክዓቢ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ተለጢፉ ዝነበረ ኣዛራቢ ካርታ፡ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ዝተኣለየ ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባ'ዚ መብርሂ ንምርካብ ቢቢሲ ንቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሰራዊት ተወኪሱ ምላሽ ኣይረኸበን።
እንተዀነ ድሒሩ፡ ማዕከን ዜና ሪፖርተር፡ ንሓላፊ ማእከል ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ሜጀር ጀነራል እንዳልካቸው ወልደኪዳን ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ "ክወጽእ ኣይነበሮን" ብምባል፡ ብጌጋ ዝተለጠፈ ምዃኑ ገሊጹ ክብል ጸብጺቡ።
ጀነራል እንዳልካቸው፡ "እቲ ስእሊ ናይቲ ትካል ሰራዊት ኣይኰነን፤ በቲ ትካል ዝተዋህበ መምርሒ'ውን የለን፡" ብምባል ብተበግሶ ውልቀሰባት ዝተፈጸመ ምዃኑ ኣረዲኡ።
በዚ መሰረት ድማ፡ ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምረቓ፡ ላዕለዎት መኮንናት ሒዞምዎ ዝተራእን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተሰርግሐን ስእሊ ከም ዝእለ ጌርርና ኢና፡ ክብል ገሊጹ ብምባል ሪፖርተር ወሲኹ ኣቃሊሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







