ደቂኣንስትዮ ስለምንታይ እየን ስእሊ ኣፍቃሪአን ካብ 'ኦንላይን' ዝኽውላ ዘለዋ?

ታዋና

ምንጪ ስእሊ, Tawana Musvaburi

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኢንስታግራም ብዙሓት ሰዓብቲ ዘለውዋ ታዋና

ታዋና ሙስቫቡሪ፡ ኣብ ኢንስታግራም 33,000 ሰዓብቲ ኣለውዋ። ሰዓብታ ብዛዕባ ውልቀ ህይወታ፡ ኵሉ ነገር ብእርይ ቍፅር ዝፈልጡ ይመስሎም።

መብዛሕትኦም ግና ኣፍቃሪኣ ወይ መፃምዳ መን ከም ዝዀነ፡ ሓበሬታ የብሎምን። ኣፍቃሪ ከም ዘለዋ ዘመልክቱ ኣመታት ምሃባ ግና ኣይተረፈን።

ምስ መፃምዳ ወይኒ እናሰተዩ ብርጭቆ እናጋጨዉ ዘርኢ ምስሊ ንሰዓብታ ዘርጊሓ'ያ።

ጓል 24 ዓመት ታዋና፡ ናይ ኣፍቃሪኣ ስእሊ ኣይተርእይን። "ከም ጓልኣንስተይቲ፡ ኵሉ ነገር ኣብ ቍፅፅረይ ከም ዝዀነ ከርኢ እደሊ፡" ትብል።

እታ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፀላዊት ታዋና፡ ስርሓ ክትዓምም እንከላ ንመፃምዳ ኣይተሳትፍን።

"ብናይ ወዲተባዕታይ ሓገዝ ዕዉታት ከም ዝዀንና ክስምዓና ኣይግባእን። ኵሉ ነገር ብናይ ውልቀይ ፃዕሪ'የ ኣዐዊተዮ ክብል እንከለኹ እሕጐስ።"

ዋላ'ኳ ምስ ኣፍቃሪኣ ሓዳር እንተ መስረተት፡ ርክቦም ወግዓዊ ንምግባር ግና ፍቓደኛ ኣይኰነትን።

"ቀለበት ስለ ዝኣሰርና ጥራሕ፡ ብዛዕባ ፍቕራዊ ርክበይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣይፅሕፍን፡" ትብል።

ታዋና፡ ካብ መንጎ እተን ናይ መፃምደን ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክልጥፋ ዘይደልያ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ሓንቲ እያ።

ቅድሚ ወርሒ መፅሔት ቮግ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንኣንበብቱ መደብ ዘርጊሑ ነይሩ። 'ኣፍቃሪ ምሓዝ ዘሕፍር ኰይኑ?' ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ እዚ ዛንታ፡ ኣብ ቲክቶክን ኢንስታግራምን ኣዘራራቢ ኰይኑ።

ፀሓፊት ናይዚ ዛንታ ቻንቴ ጆሴፍ ከም ትብሎ፡ ምስ ተፃራሪ ፆታ ፍቕራዊ ርክብ ዝምስርታ ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ ርክበን ክዛረባ ክንድ'ቲ ኣይስመዓን።

ኣፍቃሪ ምሓዝ ዘለዎ "ማሕበራዊ ረብሓታት" ዝፈትውኦ'ኳ እንተዀና፡ "ካብ መፃምደን ወፃኢ ብዛዕባ ካልእ ነገር ክሓስባ ዘይኽእላ፡" ክበሃላ ኣይደልያን።

ታዋና

ምንጪ ስእሊ, Tawana Musvaburi

መግለጺ ስእሊ, ታዋና

እታ ፀሓፊት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ኣፍቃሪ ስእሊ ምልጣፍ "ዘሕፍርን" ብዘበናዊ ኣተሓስስባ "ከርና ክብሪ ዘይህብን" እናዀነ ምምፅኡ ትዛረብ።

"ኣፍቃሪ ምሓዝ ከም ዓወት ዝረኣየሉ እዋን ኣብቂዑ እዩ። ኣብ ሕሉፍ ዘበን ይሕሰብ ከም ዝነበረ፡ ዝሐሸት ጓልኣንስተይቲ ኣይገብረናን፡" ትብል።

ደቂኣንስትዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ኣፍቃሪአን ስእሊ ክልጥፋ ዘይደልያሉ ሓደ ምኽንያት፡ "ንኣቦኣውን ንደቂኣንስትዮ ዝጭቁንን ስርዓት ንምብዳህ፡" ከም ዝዀነ ተረድእ።

ስቴፋኒ

ምንጪ ስእሊ, Stephanie Yeboah

መግለጺ ስእሊ, ስቴፋኒ

"ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ሕፁይ ወይ ድማ ሰብኣይ ምሓዝ ፅቡቕ'ዩ ይብላ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ንርከበሉ ፖለቲካዊ ዓውዲ ግና፡ ምስ ደቂተባዕትዮ ዘለና ርክብ መሊስና ክንግምግሞ ኣለና፡" ትብል።

ስቴፋኒ ያቦሀ 'ሳውዝ ለንደን' ዝበሃል መፅሓፍ ኣሕቲማ እያ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን ፀላዊት እያ።

ሓደ እዋን ናይ መፃምዳ ስእሊ ኣብ ኢንስታግራም ምልጣፋ ግና ጣዕስኡ ኣይወፅኣላን።

"መፃምዲ (ኣፍቃሪ) እንተ'ልዩኪ፡ እትብልዮ ነገር ንዓና ትርጕም ምሃቡ ደው የብል ኢሎም ብዙሓት ካብ ምስዓብ ኣቋሪፆም። ኣብ ሓደ መዓልቲ ሓደ ሽሕ ሰባት ንኢናስታግራመይ ምስዓብ ኣቋሪፆም፡" ብምባል ትዝክር።

ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰዓብቲ ብዛዕባ ናይ ወዲ ኣፍቃሪ ምስማዕ ባህ ከም ዘይብሎም ትፈልጥ እያ።

"ዝበዝሑ ፍቕራዊ ርክብ ዝገልፁ ትሕዝቶታት ዝተመነዉ እዮም። ዝዀነ ደስ ዘይብል ነገር ኣለዎ። ሰባት ክርእይዎ እንከለዉ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ሰብዋና ሕፍረት ይስምዖም፡" ትብል።

ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ተመራማሪት ትሕዝቶ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ፀለውትን ዶክተር ጂሊያን ብሩክስ ከም ትብሎ፡ ፀለውቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝሸጥኦ ሰብኣዊ መንነትን ቅዲን ዝሓዘ "ኰነ ተባሂሉ ዝተዋደደ ፅባቐ" ኣለወን።

"ንዘርእይኦ ውፁእ ገፅታን ውፁእ ጣዕሚን ዝስዕቡ ሰባት ስለ ዘለዉ፡ ፈለማ ካብ ዘፋለጥኦ መንነት ዝተፈለየ ሓድሽ መንነት ንምምፃእ ኣፀጋሚ'ዩ፡" ብምባል፡ እታ ተመራማሪት ተብርህ።

"ካብተን ፀለውቲ ዝፅበይዎ ዓይነት ሓበሬታ እንተ ዘይረኺቦም፡ ዝስዕበን ኣይረኽባን። ካብአን ትፅቢት ዝግበር ትሕዝቶ ዘይሰርሓ እንተዀይነን፡ ንገፃተን (ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት) ዝስዕብ ሰብ ኣይህልውን።"

ፀለውቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ናይ ኣፍቃሪአን "ዝተደረኸ ህይወት ዘለወን" ኰይነን ክርኣያ ኣይደልያን።

ካብ ፀለውቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝሰገረ ኣጋጣሚ፡ ፍቕራዊ ርክበን ኣብ ኣደባባይ ዕላዊ ክገብራ ዘይደልያ ደቂኣንስትዮ ይዛይድ ኣሎ።


ዶክተር ጌንዶሊያን ሲድማን

ምንጪ ስእሊ, Dr Gillian Brooks

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ጌንዶሊያን ሲድማን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚሊ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ኣፍቃሪኣ ቃልኪዳን ኣሲራ። ጓል 25 ዓመት ሚሊ ናይ ኣፍቃሪኣ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትዝርግሕ ኣይትደልን።

"ሰባት ናቱ ፅግዕተኛ ከም ዝዀንኩ ክሓስቡ ኣይደልን። ፍቕራዊ ርክብና ምሉእ መንነተይ ከም ዝዀነ ክግለፅ ኣይደልን፡" ትብል።

ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ መንነት ሰባት ዝፈጥሮ ምስሊ ዝተደረተ ከም ዝዀነ ትዛረብ።

ሚሊ፡ "ናይ ኣፍቃርየይ ስእልን መፃምዲ ከም ዝዀንናን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንትግለፅ፡ ብዘይክኡ ካልእ ክሓስብ ዘይኽእል ሰብ የምስለኒ፡" ብምባል ትውስኽ።

ጓል 20 ዓመት ሻርሎት፡ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ፍቕራዊ ርክብ ፀኒሓ። ናይ ኣፍቃሪኣ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘይትልጥፈሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዋ።

"ኣብ ኢንስታግራም ክልጠፍ ዝኽእል ስእሊ የብልናን። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ናተይን ናቱን ፍቕሪ ውልቃዊ ጉዳይና እዩ። ስእልና ክልጥፍ እንከለኹ ረኣዩኒ ረኣዩኒ'ዩ ዝመስል፡" ትብል።

ጓል 21 ዓመት ኣቴራ* እውን ብሓሳብ ሻርሎት ትሰማማዕ። ናይ ኣፍቃሪኣ ስእሊ ምልጣፍ፡ "ኣብ ዓይኒ ከእትዎ'ዩ፡" ኢላ ትኣምን።

"ዓይኒ-ሰብ (ቡዳ) ክበልዖ'ዩ ኢለ እሓስብ። ሰባት ንዕኡ ርእዮም ክቐንኡ'ውን ኣይደልን። ኰነ ኢሎም እንተ ዘይኰኑ'ውን፡ ቅንኢ ክስምዖም ይኽእል'ዩ፡" ትብል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ብዓልቲሞያ ማሕበራዊ ስነልቦና ዶክተር ጌንዶሊያን ሲድማን፡ ሰባት ኣብ ኢንተርነት ብኸመይ ከም ዝረዳድኡ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ፍቕራዊ ርክብ ዘድሃበ መፅናዕትታት ኣካይዳ እያ።

ኣብ ኢንተርነት ዝዝርግሑ ሓበሬታት ብቐዋምነት ከም ዝፀንሑ ብምፍራሕ ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ውልቃዊ ሓበሬታ ምልጣፍ ከም ዘይደልዩ ተረድእ።

"ኣብዚ ግዜ'ዚ ብዙሓት መጠን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሕዎ ሓበሬታ ይንክዩ ኣለዉ። እቲ ኣብ ኢንተርነት ዝልጥፍዎ ነገር ዘለኣለማዊ ከም ዝዀን ይፈልጡ እዮም። እቶም ሓበሬታት ምጥፋእ ስለ ዘይከኣል እምብዛ ምጥንቃቕ የድሊ፡" ትብል።