ቲክቶከራት ስለምንታይ'ዮም ዝበኽዩ? ናይ ልቦም ድዮምከ?

ምንጪ ስእሊ, Serenity Strull/Getty Images
ሰባት ክንሓዝን ኣይንደልን ይብሉ፤ ግን ድማ ኣብ ኢንተርነት ብብዝሒ ዝከታተልዎም ትሕዝቶታት ዘሕዝኑን ዘብክዩዎን'ዮም።
ኣብዚ እዋን፡ ብብዝሒ ትሕዝቶታትካ ዝርእዩልካ ሰባት ንምርካብ ብዝብል፡ ዘሕዝኑ ትሕዝቶታት ኣብ ኵሎም ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝርጋሕ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።
መንግስቲ ዝምውሎ ዝርግሐ ግጕይ ሓበሬታ ማሕበራዊ ሚድያ ንምፍጣር ወይ'ውን ማሕበራዊ መራኸቢታት ምህርትን ኣገልግሎታቶምን ንምሻጥ ብዝብል፡ ስምዒት ሰባት ዝትንክፉ ትሕዝቶታት ክፈርዩ ይርኣይ'ዩ።
ብዝሒ ኣብዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት መድረኻት ንምውሳኽ ነዚ መገዲ ዝስዕቡ'ውን ብዙሓት'ዮም።
ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዘቘጥዕ ትሕዝቶ ብምክፋል ድማ ቍጽሪ ተኸታተልቶም ከም ዝውስኽ ዝገብሩ ኣለው።
ሓደ ትሕዝቶ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክጥቃዕ እንከሎ ንዕኡ ምላሽ ንምርካብ ስምዒት ሰባት ክትትንክፍ ግድን እዩ።
እዚ ድማ ቍጥዐ ብምልዕዓል ዝግበር ፈጠራ ትሕዝቶ ማሕበራዊ ሚድያ 'ሬጅባይት' (Ragebait) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
እዚ፡ ፖለቲካዊ ምትፍናናት ክፍጠሩ ካብ ዝገብሩ ነገራት ከም ዝዀነ ይጥቀስ።
ሰባት ኣብ ውሽጦም ሓዘን ክስምዖም ንምግባር ዝስራሕ ትሕዝቶታት ማሕበራዊ ሚድያ ድማ ኣሎ።
ኣብዞም ትሕዝቶታት፡ ጸለውቲ ማሕበራዊ ሚድያ ንርእሶም እናበኸዩ ይስእሉ።
እዚ ንኢንተርነት፡ ኣዕለቕሊቝ ዘሎ 'ሳድባይት' (sadbait) ተባሂሉ ይግለጽ።
ኣብ 2024 ብኣማኢት ሚልዮናት ሰባት ዝርእዩዎ ትሕዝቶታት ቲክቶከራት፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ሙዚቃ፡ ፊልምን ዜናን ኣብ መደቀሲ ዓራቶም ኰይኖም ክርእዩ እንከለው ዘርእዩ'ዮም።
ሰባት ብባህሪኦም፡ሓዘን ከወግዱ'ዮም ዝደልዩ።
ግን ድማ፡ ብዝሒ እዚ ሳድባይት ዝተባህለ ዘሕዝን ትሕዝቶ ዝከታተሉ ሰባት ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ።
ኣብ ፊንላንድ ተመራማሪትን ጋዜጠኛ መርመራን ዩኒቨርሲቲ ታምፕሬ ሶማ ባሱ፡ "ቍጥዐ፡ ሓዘን፡ ምጽያፍ ወይ ሰሓቕ ዝመሳሰሉ ሓያላት ስምዒታት ትዅረት ናይ ምስሓብ ሓይሎም ኣዝዩ ዝለዓለ'ዩ" ትብል።
ፈጠርቲ ትሕዝቶ፡ ዝከታተሉዎም ሰባት መወዳእታ ዘይብሎም ቪድዮታት ይርእዩ ከም ዘለው ስለ ዝፈልጡ፡ ንስምዒት ሰባት ዝትንክፉ ስምዒታዊ ነገራት ምክፋል ዝያዳ ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ንኽጸንሑ ከም ዝገብሮም ይግንዘቡ'ዮም ትብል።
ዘሕዝን ትሕዝቶ ምክፋል ግን፡ ካብቶም ካልኦት ብዝተፈለየ ምስቶም ንትሕዝቶታትካ ዝዕዘቡ ሰባት ፍሉይ ምትእስሳር ክትፈጥር ዕድል ከም ዝህብ ተረድእ።
'ሳድባይት' ወትሩ ዘሕዝን ክኸውን የብሉን።
ኣብ ኢንስታግራምን ቲክቶክን ሰባት ብብዝሒ ዝርእይዎ፡ ዘሕዝና ደማሙ ምስ ዘሕዝን ሙዚቃ ብምውህሃድ ይጥቃዕ።
ሳድባይት ክስራሕ እንከሎ፡ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ምስሊ ወይ ስእሊ ናይ ሰባት'ውን ክኸውን ይኽእል።
ኣብ 2024፡ ብሰብ ሰርሖ ብልሒ [ኤኣይ] ዝተዳለዉ ዝተጐድኡ ወተሃደራት፡ ዝጠመዩ ህጻናትን ካልኦት ምስልታትን ኣብ ፌስቡክ ምስ ተጠቅዑ፡ ብዙሓት ተመልከትቲ እዮም ረኺቦም።
ኣብ ኣመሪካ ንሓደ ሓሳባዊ ግዳይ ህቦብላ ሄለን ዝገልጽ ምስሊ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ብዙሓት ምስ ተቐባበሉዎ፡ ዋላ'ዉን እቲ ስእሊ ስኑዕ እንተዀነ፡ የማናውያን ጸለዉቲ ከምኡ'ውን ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን፡ ርእይቶ ክህብሉ እዮም ተራእዮም።
ከምዚ ዓይነት ምስሊታት፡ ናይ ብሓቂ ይኹን ኣይዅን፡ ሰባት ንስምዒታቶም ስለዝትንክፍ ይፈትዉዎ።
ኣልጐሪዝማትን ተጠቀምቲን
ተመራመርቲ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ትንተናታት ውዲትን፡ ብዙሕ ሰዓብን ተዓዛብን ናይ ምርካብ ዕድሎም ሰፊሕ ከም ዝዀነ ይጠቕሱ።
ኣልጐሪዝማት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ተጠቀምቲ ብዙሕ ደቓይቕ ዘጥፍእሉን ርእይቶ ዝህብሉን ከምኡ'ውን እቲ ትሕዝቶታት ናብ ካልኢት ብምክፋል ናብ ብዙሓት ተጠቀምቲ ንኽበጽሕ ይገብሩ።
ጸለውቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ትሕዝቶታቶም ልዑል ቍጽሪ ናብ ዘለዎም ሰባት ክበጽሑ እንከለው'ዮም ዝኽፈሉ።
ነዚ ድማ እቲ ዝበለጸ መገዲ እቲ ኣልጐሪዝም ክፍስሃሉ ዝኽእል ኣገባብ ምጥቃም'ዩ።
ነዚ ንምዕዋት፡ ፈጠርቲ ትሕዝቶ እቲ ማሽን እንታይ ዓይነት ትሕዝቶ'ዩ ከተባብዕ ዝኽእል ዝብል ክምዝምዙዎ እንከለው ዝሓሸ ሰዓብን ክፍሊትን ይረኽቡ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን፡ ተመራማሪት ግጕይ ሓበሬታ ዝዀነት ኒና ሉትዝ፡ ሰባት ዘሕዝን ነገር ብምርኣይ ናይ ባዕሎም ሓዘን ንምዕጋስ ክጥቀምሉ ይኽእሉ'ዮም ትብል።
"ሓደ ዓይነት ድልየት ዘለዎም ሰባት፡ ብማሕበራዊ ሚድያ ኣቢሎም ይራኸቡ። ሰባት ዝህቡዎ ርእይቶ ክኣ ብቐጥታ ናብቲ ትሕዝቶ ዘቕንዐ ዘይኰነ፡ እቲ ትሕዝቶ ተመሳሳሊ ተመኵሮን ድልየትን ዘለዎም ሰባት ናብ ሓደ ክመጽኡ ዘኽእሎም ኰይኑ ስለ ዘገልግል'ዩ፡" ኢላ።
ኣብ ቲክቶክ ብዛዕባ ጭንቀት ዝገልጽ ጽሑፍ ዘለዎም ድብዝዝ ዝበለ ጸሊምን ጻዕዳን ኣሳእል ምስ ናይ ጐደና መብራህቲ ብምውህሃድ ዝዝርግሑ ትሕዝቶታት፡ ሚልዮናት ርእይቶታት ይረኽቡ።
ኣብ ትሕቲ እዞም ዘሕዝኑ ትሕዝቶታት፡ 'ክዛረብ ዝደሊ ሰብ ብቐጥታ መልእኽቲ ክሰድድ ይኽእል'ዩ' ዝብል መልእኽቲ ይቕመጥ።
እዚ ድማ ሰባት፡ ብዛዕባ ሓዘኖም ምስ ካልእ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንኽማኸሩ ዕድል ይፈጥር።
ዝተጐድኡ ህጻናት ወይ ወተሃደራት ዘርእዩ ናይ ሓሶት ምስሊታት ክፍነው እንከለው፡ ርእይቶታት ዝህቡ ሰባት፡ ብዛዕባ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ምንጻል ጥንሲ፡ ሞት ኣባል ስድራ፡ እምነት ወይ ካልእ ዛዕባ ዘዋግዖም ሰብ ከም ዝደልዩ ሉትዝ ትገልጽ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓገዛት ምሕታት ኣዝዩ ልሙድ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ "ከቢድን ዘሕዝንን ነገራት ኣሎ፣ ብዙሕ ግዜ ካብ ኮምፒዩተረይ ክርሕቕ ተገዲደ'የ። ፖስት ኣብ ዝግበሩ ነገራት እናኸድካ ብዛዕባ ጸገማት ምዕላል፡ ኣብ ኦንላይን ዝተለመደ'ዩ። ሰባት ዘዕልሉዎ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝረኽቡሎም ከም ታምብለር ዝበሉ መርበባት ኣለው" ኢላ።
ተጠቀምቲ፡ ኣብቶም ናይ ሳድባይት ትሕዝቶታት ብምኻድ ኣብ ቦታ ርእይቶ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም ህይወት ከዕልሉ እንከለው፡ ዓይኒ ተዓዘብቲ ይስሕብን ነቲ ኣልጐሪዝም ዝያዳ ጸዓት ክረክብ ይገብሮን።
ብኽያት እንታይ ኣምጽኦ?
ተመራማሪት ሶማ ባሱ፡ ሓዘን ንክትነግደሉ ዝኸብድ ኣይኰነን ትብል።
ኣብ ህንዲ ብዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ ዝበኽዩ ሰባት ዘርእዩ ቪድዮታት ኣብ ቲክቶክ ብዙሕ ዝርኢ ሰብ ከም ዘለዎም ክትርዳእ ክኢላ።
ህንዲ ኣብ 2020፡ ቲክቶክ ከም ዝኣገደት ይዝከር። በዚ እንጀራኦም ዝተዓጽዎም ብዙሓት በኸይቲ ፈጠርቲ ትሕዝቶ ናብ ኢንስታግራም ተሰጋጊሮም።
ፈጠርቲ ትሕዝቶ ማሕበራዊ ሚድያታት ግን፡ ብኸመይ ክበኽዩ ከም ዝኽእሉን ከም ዘለዎምን ስልጠናታት ዝህቡ መረበብ ሓበሬታት ኣለው።
ሓዘን ዘለዎ ትሕዝቶ፡ ናይ ሓሶት እንተዀነ'ውን ናይ ምምሳል ባህሪ ክህልዎ ይኽእል፤ እንተዀነ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ብመደብ፡ ጾታ፡ መንነትን ዓሌትን ዘሎ ኣፈላላይ ዘርኢ እዩ ትብል።
ዘይትፈልጦ ሰብ ሓዘን ክስምዖ እንከሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ርኢኻ ክትደናገጸሉ ምኽኣል፤ ኣካል ናይቲ ተጠቀምቲ ናብ ናይ ብኽያት ቪድዮታት ክስሓቡ ዝገብር ኣልጓጐሪዝም እዩ።
ኣብ ግሁድ ዓለም ንሰባት ከተርእዮም ዝኸብዱ ስምዒታት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከተርእየሉ እትኽእል መገዲ ዝፍጠረሉ'ውን እዩ።
ተመራማሪት ኒና ብወገና፡ ካልእ ዘሕዝን ትሕዝቶ ንተዓዘብቲ ኣገዳሲ ዝገብሮ ረቛሒ፡ ነፍሲ ወከፍ ተጠቃሚ ኣብ ኢንተርነት ዘበርከቶ ግደ ተደሚሩ ሓፈሻዊ ውጽኢት ክመጽእ ከም ዝገብር ትዛረብ።
"ብዙሓት ተመልከትቲ ምርካብ ማለት ብዙሕ ገንዘብ ምርካብ ማለት'ዩ" ትብል።
እቶም ዘሕዝኑ ቪድዮታት፡ ናይ ሓሶት ይዅኑ ሓቂ፡ ሰባት ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ከም ዘለዎም እተን ክኢላታት ይዛረባ።
ጸለውቲ፡ ትሕዝቶታት ማሕበራዊ ሚድያ ናብ ተጠቀምቲ ዝበጽሓሉ ኣገባብ ዝውስን ቀመር [ኣልጐሪዝም] ዝሰርሓሉ መገዲ ምስ ፈለጥዎ ነዚ መገዲ ይኽተል።
በዚ መገዲ ክኣ ዕውታት ምዃኖም የረጋግጹ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







