ሳይንሳዊ-ፊልም 1960ታት ብኸመይ ነዚ ናይ ሎሚ ማሕበራዊ ሚድያን ሕብረተሰብን ተንብዩ?

ኣብ ስካነር ኣእምሮ ዝኣተወ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, BFI/ BBC

ቅድሚ 60 ዓመታት ኣብ ቢቢሲ ዝተራእየ 'ኣውት ኦፍ ኣኖውን' ተኸታታሊ ምርኢት፡ ነዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ዝምድና ሰብን ቴክኖሎጅን ተነብይዎ ከም ዝነበረ ይግለጽ።

ኣብዚ ጽዑቕ መድረኽ ቲቪ ዓለም፡ ክንድ'ቲ 'ብላክ ሚረር' ዝብል ንጸልማት ሸነኽ ዘመናዊ ህይወትን ቴክኖሎጅን ብዝምልከት ብዝተፈላለየ ዛንታታት ዝቘመ ሳይንሳዊ ዛንታታት ነትፍሊክስ ዝፍለጡ መደባት ውሑዳት እዮም።

ይዅን'ምበር፡ ዋላ'ኳ ኣዝዩ መበቈላዊ ኰይኑ እንተ ተሰምዓና፡ ብዓይነቱ ግን ፈላሚ ኣይኰነን። ሱሩ ናብቲ ሕጂ መበል 60 ዓመት ምምስራቱ ዘኽብር ዘሎ ክላሲካዊ ተኸታታሊ ሳይንሳዊ ምርኢታት ብሪጣንያ እዩ ዝምለስ።

'ኣውት ኦፍ ዘ ኣኖውን' ካብ 1965 ክሳዕ 1971 ኣብ ቢቢሲ ዝተመሓላለፈ ኰይኑ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ 2014 ብኢንስቲትዩት ፊልም ብሪጣንያ ብዲቪዲ ዳግማይ ተዘርጊሑ።

ኣብ ግዜኡ ፍሉይ ምርኢት እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ናይ እንግሊዝን ኣመሪካን ሳይንሳዊ ዛንታታት፡ ከም ዶክተር ሁስቲንግራይን ታንደርበርድስን ኣብ ፈኲስ ኣዘናጋዒ ትሕዝቶን 'ምህዳምን' (ካብ ክውንነት - ወይ ከኣ ኢስኬፒዝም) ዘተኰሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣውት ኦፍ ዘ ኣኖውን ግን ዝለዓለ ዕላማ ነይርዎ፤ ዛዕባታት ውግእ፡ ፖለቲካን ቴክኖሎጅን ዝኣመሰሉ ዕቱባት ኣርእስታት ኣልዒሉ ብጥበብን ዓበይትን ዛንታታት ይነግር ነበረ።

ብሓፈሻ ዓበይቲ ሳይንሳዊ ልቢወለድ፡ ነቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ሓቀኛ ፍርሕን ወጥርን እናንጸባረቐ፡ መጻኢ ዓለማት ኣብ ኣእምሮ ተዓዘብቲ ክስእል ዝኸኣለን እዩ ነይሩ።

ኣውት ኦፍ ዘ ኣኖውን ብኣፍራዪት ኣይሪን ሹቢክ ዝተፈጥረት እያ። ንሳ ኣብቲ ሕጂ ተዓጽዩ ዘሎ ፈነወ ዓባይ ብሪጣንያ ኤቢሲ ተለቪዥን ከም ኣሰናዳኢት ዛንታ ኰይና እያ ጀሚራ።

ንሳይንሳዊ ልቢወለድ ዝነበራ ፍቕሪ፡ ንኣይቲቪ ዝኸውን 13 ክፋላት ዘለዎ ተኸታታሊ ሳይንሳዊ ፍልስፍና ኣውት ኦፍ ዚስ ዎርልድ (1962) ክትሰርሕ ደሪኹዋ። ድሒራ፡ ኣብታ ብቢቢሲ ዝተዳለወት ስቶሪ ፓረድ (1964–65) ሰሪሓ። ነታ ብኢሳቕ ኣሲሞቭ ዝተደርሰት ዘ ኬቭስ ኦፍ ስቲል እትብል ልብወለድ እውን ኣመዓራርያ።

ጸሓፊ ታሪኽ ተለቪዥን ጆን ዲር፡ ሳይንሳዊ ልቢወለድ ንዓበይቲ ከም ዕቱብን ብልሕን ድራማ ስለ ዝሕሰብ፡ ኣውት ኦፍ ዘ ኣኖውን ከፋቲ በሪ ምንባሩ ይገልጽ።

ሎሚ ከም ኣለይንኣርዝ ኤንድ ኣንዶር ዝኣመሰሉ መደባት ንናይ ሲነማ ዓበይቲ ተዓዘብቲ ዝተሰርሑ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ "ኣብቲ ሽዑ እዋን ግን፡ ብዙሓት ሰባት ንግምታዊ ልቢወለድ ከም ብሱል ነገር ክርእዩዎ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ነይሩ።"

እዚ ተኸታታሊ ፊልም ኣብ 1965 ክዝርጋሕ ጀሚሩ፤ ቀዳመይቲ ክፋሉ፡ ኖ ፕለይስ ላይክ አርዝ፡ ብ4 ጥቅምቲ ተፈንያ።

ኣይሪን ሹቢክ ቅድሚ ካልእ ፕሮጀክትታት ክትሰርሕ ምብጋሳ፡ ነተን 26 ክፋላት ዘጠቓለላ ክልተ ምዕራፋት ኣዳልያ። ብድሕሪኡ ኣፍራዪ ኣላን ብሮምሊ ንተወሳኺ ክልተ ምዕራፋት ሓላፍነት ወሲዱ ክሳዕ 1971 ቀጺልዎ።

ተኸታታሊ ሳይንሳዊ ፊልም ኣውት ኦፍ ዘ ኣኖውን ኣብ ስክሪንን ካብ ስክሪን ወጻእን መስተንክር ዝርዝር ተውህቦታት ዝሓዘት እያ ነይራ። ኣብዛ ፊልም ብዙሓት ፍሉጣት ተዋሳእትን ዳይረክተራትን ተሳቲፎም መሰረት ክእለት መጻኢ ሞያታቶም እውን ደሊቦም እዮም።

ሓንቲ ካብተን ካብ ዛንታታት ኢ.ኤም ፎስተር ዝተወስደት ኣደናቒት ክፋል

ምንጪ ስእሊ, BFI/ BBC

መግለጺ ስእሊ, ሓንቲ ካብተን ካብ ዛንታታት ኢ.ኤም ፎስተር ዝተወስደት ኣደናቒት ክፋል

እቲ ተኸታታሊ ፊልም፡ ተለቪዥን ሳይንሳዊ ልቢወለድ ብኸመይ ከም እተቕርቦ ነጥበ-መቐይሮ እዩ፤ ዓሚቝን ዝተሓላለኸን ሓሳባት ክትድህስስ ከም እትኽእል ድማ ኣረጋጊጹ።

እዚ ካብታ ቀዳመይቲ ክፋል ንጹር እዩ ነይሩ፣ እዚኣ ድማ ካብታ ብጆን ዊንደም ዝቐረበት ኖ ፕለይስ ላይክ አርዝ ዝተወስደት እያ።

እቲ ዛንታ ንሓደ ኣብ ፕላነት ማርስ ዝነበሮ ጽምዋ ዝመልኦ ህይወቱ ገዲፉ ኣብ ቬኑስ ከም ብሓድሽ ህይወት ንኽጅምር ኮለል ዝብል ገጸባህሪ ኰይኑ፡ ሕብረተሰቡ ኣብ ባርነት ከም ዝተሃንጸ ጥራይ እዩ ዝፈልጥ - እዚ ድማ ንጹር ምሳሌ መግዛእቲ ምዃኑ ይግምገም።

ኣይሪን ሹቢክ ኣብታ ብ1975 ዝጸሓፈታ ፕለይ ፎር ቱደይ፡ዘ ኢቮሉሽን ኦፍ ተለቪዥን ድራማ እትብል መጽሓፋ፡ "ጽቡቕ ሳይንሳዊ ልቢወለድ ብቕኑዕ ቃላት ክትዛረቦ ዘይትኽእል ነገር'ዩ፡" ኢላ ኣስፊራ። ፈጣሪ 'ብላክ-ሚረር' ቻርሊ ብሩከር ነዚ እምነት እዚ ይካፈል።

"ሳይንሳዊ ልቢወለድ ብዛዕባ እዛ ሎሚ እንነብረላ ዘለና ዓለም ክም ልብኻ ክትዛረብ የኽእለካ፤ ግን ከኣ ብዘዘናግዕን ብተዘዋዋርን መንገዲ፡" ይብል። "ኣብ መግቢ ውላድካ ኣሕምልቲ ከም ምሕባእ'ዩ - ዕቱብ ሓሳባት ኣብ መዘናግዒ ዛንታታት ትሽፍኖ፣ ንሓቀኛ ጉዳያት ንምንጽብራቕ ክውንነት ትጠውዮ።"

ንቕድሚት ምምዕዳው

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዛ ፊልም፡ ኣብ መንጎ ሕብረት ሶቭየትን ምዕራባውያንን ዝነበረ ወጥሪ ንህንጸት መንደቕ በርሊን ኣብ ዘስዓበሉ እዋን፡ ድሕሪ ቅልውላው በርሊን 1961 ሒደት ዓመታት ጸኒሓ ዝተዳለወት ኰይና፡ ንጭንቀት እዋን ዝሑል ኲናት ዘንጸባርቕ ምርኢታት ወይ ባህሪ ዝሓዘት እውን እያ።

ካልኣይትን ሳልሰይትን ክፋላታ፡ ንስልኳታትን ምጥቕቓዕን እዞም ተጻባእቲ ሓይልታት ከይህሉ ዝፈጥሮ ስግኣታት ዝድህስስ ኰይኑ ንረኽቦ።

እታ ተኸታታሊ ፊልም ስግኣት ንዩክለሳዊ ኲናት እውን ዝተንከፈት እያ። ኣብታ ብጆን ብሩነር ዝተጻሕፈት ሶም ላፕስ ኦፍ ታይም እትብል መጽሓፍ፡ ሓደ፡ ንሓደ ገዛ ዘይብሉ ሰኽራም እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ሰብኣይ ዝሕክም ሓኪም፡ እቲ ሕሙም ካብቲ ብንዩክለሳዊ ግጭት ዝዓነወ መጻኢ ዝመጽአ ክኸውን ከም ዝኽእል በብቝሩብ ይግንዘብ።

በዚ ኣቢላ ድማ ነቲ ምስ ምጥፋእ መንነት፡ ጽልዋታትን ዕንወታትን ንዩክለሳዊ ኣጽዋራትን ፖለቲከኛታትን ክትድህስስን ከተንጸባርቘን ትፍትን።

እዛ ኣብ 1960ታት ዝፈረየት ፊልም ኣውት ኦፍ ዘ ኣኖውን፡ ውልቃዊ (ብውልቂ እንጥቀመሉ - ተለፎናት ይዅን ኮምፒተራት) ቴክኖሎጂ ንሕብረተሰብ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ኣብ ምድህሳስ ብሉጽ ስራሕ ኣቕሪባ እያ።

እዚ ቴማ ኣብታ ብላክ ሚረር እትብል እውን ብንጹር ዝቃላሕ እዩ። ኣብታ ኣሲሞቭ ዝሰርሓ ዘ ደድ ፓስት እትብል ፊልም እውን፡ ግዜ ንድሕሪት ዝጠዊ መሳርሒ ዝኽሪ፡ ዝዀነ ሰብ ዝዀነ ሕሉፍ ፍጻመ ክዕዘብ ዘኽእሎ ኰይኑ ይርአ።

እዚ ድማ ምልዓል ወልፊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣመት ዝሃበ ምዃኑ ይግመት። ሰባት ብናይ ሕሉፍ ናፍቖትን ምክትታልን ተደሪኾም ብቐጻሊ ኣብ ስክሪናት ዝተለጠፈ ሕብረተሰብ ክፈጥሩ ይረኣዩ።

ምናልባት እታ ኣዝያ እትገርም ክፋል፡ ኣብ ሓጺር ዛንታ ኢ.ኤም ፎስተር መሰረት ዝገበረት ምርኢት ኰይና፡ ነዚ ህሉው ኵነታት ደቂሰብ ትእምት ትመስል። እታ ድራማ ብዛዕባ ኣዝዩ ዝተዓጽወ [ውልቃዊ ህይወቱ ጥራይ ዘገድሶ] ሕብረተሰብ ኰይና፡ ብዘይካ ኣብ ውሽጢ ሰፊሕ ማሽን ብስክሪናት ዝግበር ርክብ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሓድሕዱ ኣካላዊ ይዅን ማሕበራዊ ግብርታት ዘይብሉ ዕጹው ሕብረተሰብ እያ እተርኢ።

ክፋል ሳይንሳዊ ፊልም ብላክ-ሚረር

ምንጪ ስእሊ, Netflix

መግለጺ ስእሊ, ክፋል ሳይንሳዊ ፊልም ብላክ-ሚረር

እቲ ዛንታ ብፍላይ ድማ እቲ ብክላይቭ ዶነርን ኬነት ካቫንደርን ነታ ፊልም ተባሂሉ ዝተዳለወ ምትዕርራይ፡ ፍጹም ትንቢት እዚ ዘለናዮ ዘመነ ኢንተርነት ኰይኑ ይስምዓካ።

ካልእ ዓቢይ ብልጫ ናይዛ ፊልም ነፍሲወከፍ ዛንታ ካብ ዘድልዮ ንላዕሊ ግዜ ክጸንሕ ዘይክእል ምዃኑ እዩ። ኣብ ቅርጽን ኣቀራርባን ክፋላትን ሓሳባትን ብዝግባእ ተመጢኑ እዩ ናብቲ ካልእ ዝሰግርን ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሓሳባት ክድህስስ ምኽኣሉን እዩ። እዚ ድማ ነቲ ምርኢታት ሰሓቢ ከም ዝገብሮ ሃየስቲ ይገልጹ።

ጸሓፍ ታሪኽ ጆን ዲር ወሲኹ፡ ሓይሊ ናይቲ ቅርጺ ኣብ ዝተፈላለየ ምዃኑ ይዛረብ፣ "ነፍሲወከፍ ክፋል ሓድሽ ኵነታትን ሓሳባትን የምጽእ'ዩ፣ ዋላ'ውን ሓደ እንተ ዘይፈተኻዮ፡ እቲ ዝቕጽል ክትከታተሎ ይከኣል እዩ፡" ይብል።

እምበኣር እዘን 60 ዓመታት ርሒቐን ዘለዋ ኣውት ኦፍ ዘ ኣንኖውን ከምኡ'ውን ብላክ ሚረር ዓቢይ ትንቢታዊ ባህላዊ ጽልዋ ኣለወን። ክልቲአን ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ብዕምቈት እናኣስተንተና ክመጽእ ዝኽእል ሕብረተሰባት ይንበያ።

ክልቲአን ተኸታተልቲ ፊልምታት ንተዓዘብቲ ቴክኖሎጂ ንደቂሰብ ብኸመይ ከም ዝቐርጾ ከስተንትና ይፈትና። ከምቲ ዘዘኻኽሩና እቲ መጻኢ ዝበልዎ ሕጂ እዩ፤ ብርግጽ እዚ ሕጂ ኴንናዮ ዘለና።