ኣልሸባብ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሓደ ሆቴል ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዕጡቓት ኣልሸባብ፡ ኣብ ሞቓድሾ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ፡ ሽዱሽተ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም፡ 10 ድማ ከም ዝቘሰሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ሓይልታት ፀጥታ ብዓርቢ ምሸት፡ ንሆቴል ፐርል ንሽድሽተ ሰዓታት ብምኽባብ፡ ልዕሊ 80 ኣጋይሽ ከምዘድሓኑ ተገሊፁ።
ኣብቲ ህይወት ናይ ምድሓን ስርሒት ሰለስተ ኣባላት ፀጥታ ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዝፈፀምዎ ጅግንነት ተናኢዶም።
ፖሊስ፡ ኵሎም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ዕጡቓት ኣብቲ ሆቴል፡ ምስ ኣካላት ፀጥታ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ተዅሲ ከም ዝተቐተሉ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ ሆቴል ፐርል፡ ሰብመዚ መንግስቲ ብምትእንጋድ ስሙይ እዩ።
እቲ ንልዕሊ 10 ዓመታት ንመንግስቲ ሶማልያ ዝቃለስ ዘሎን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዕርዲ ዝሓዘን ዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ሆቴላት ብተደጋጋሚ ዒላማ ይገብር።
ኣብዚ መጥቃዕቲ ተኸርዲኖም ዝነበሩ ግዳያት፡ ዕጡቓት ነቲ ሆቴል ሃጂመሞ ብምባል ብዛዕባ እቲ ዘሰንብድ ህሞት ተዛሪቦም።
ምስክር ዓይኒ ሑሴን ሳዳም ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እቲ ፈላማይ ነትጕ እንተጋጥም ኣብ ወሰን እቲ ባሕሪ ኰፍ ኢለ ነይረ። ብድሕሪት እውን ካልእ ነትጕ ነይሩ” ብምባል፡ ብዛዕባ'ቲ ፍፃመ ሓቢሩ።
“ሬሳታት ኣርባዕተ ዝተቐትሉ ርእየ እየ - ክልተ ደቂኣንስትዮ፡ ክልተ ድማ ደቂተባዕትዮ... ኣዝዩ ዘሰንብድ ህሞት’ዩ ነይሩ። ግን ኣላህ ኣድሒኑኒ” ኢሉ።
ዕጡቓት ኣልሸባብ፡ ካብ ሞቓድሾ ንኣንፈት ደቡብ 110 ኪሎሜትር ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ታሕተዋይ ዞባ ሸበሌ ምስ ዓቃቢሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ተዋፊሮም ዝነበሩ 10 ወተሃደራት ዩጋንዳ ድሕሪ ምቕታሎም እዮም፡ ኣብ ሆቴል ፐርል ሓድሽ መጥቃዕቲ ፈፂሞም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







