ፎክስ ኒውስ፡ ብዶሚኒዮን ንዝቐረበሉ ክሲ ስም ምጥፋእ 787.5 ሚልዮን ዶላር ክኽሕስ ተሰማሚዑ
![ኣቦ መንበር ፎክስ ሩፐርት ሙርዶክ [ጸጋም]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/2d2c/live/0b764180-de76-11ed-8df1-d74cbf1089d7.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፎክስ ኒውስ፡ በቲ ኣብ 2020 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ኩባንያ ዶሚኒዮን ብዘቕረበሉ ክሲ ስም ምጥፋእ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ክኽሕስ ተሰማሚዑ።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ትካላት ንግደይ ብሰንኪ ማዕከን ዜና ፎክስ፡ ድምጺ መረጻ ፕረዚደንት ትራምፕ ተደናጊሩ ክብል ብዝገበሮ ፈነወ ተተንኪፉ እዩ ብምባል፡ 1.6 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ዝሓተተ ዶሚንዮን ኣብ መወዳእታ 787.5 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ ነቲ ጉዳይ ዓጽዩዎ'ሎ።
እቲ ስምምዕ ንከም ሩፐርት ሙርዶክ ዝኣመሰሉ ሓለፍቲ ማዕከን ዜና ፎክስ ንምስክርነት ካብ ምቕራብ የናግፎም እዩ።
ፎክስ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ሰሉስ ዝተፈጸመ ስምምዕ ምርድዳእ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣሜሪካ ተራእዩ ዘይፈልጥ መስርሕ ፍርዲ ምጥፋእ ስም ኰይኑ፡ "ንጽሬትን ደረጃን ጋዜጠኝነት ዘለዎ ዝለዓለ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ’ዩ፡" ምዃኑ ገሊጹ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዶሚንዮን ጆን ፓውሎስ፡ ማዕከን ዜና ፎክስ "ሓሶት ብምውራይ: ኣብ ትካለይ ዓብይ ጕድኣት ከም ዘውርድ ተኣሚኑ እዩ" ክብል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ጠበቓ ትካል ዶሚኒዮን ጃስቲን ኔልሰን፡ "እቲ ዘገድስ ሓቂ እዩ፤ ሓሶት ኵሉ ሳዕ ሳዕቤን ኣለዎ" ክብል ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።
"ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ሓሶትን ክልሰ-ሓሳብ ውዲትን ኣብ ልዕሊ ዶሚንዮንን ኣብ መላእ ኣመሪካ ዝርከቡ ሰበስልጣናት መረጻን ከቢድ ጕድኣት ኣውሪዱ እዩ፡" ኢሉ።
ሚስተር ኔልሰን፡ "ዲሞክራሲ ንኽጸንዕ"፡ ኣመሪካውያን "ንሓቅን ጭብጥታት ዘለዎም ተወፋይነት ከርእዩ ኣለዎም፡" ኢሉ።
እቲ ምጕት መድረኽ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ክጅምር ነይርዎ።
እቲ ናይ ምርድዳእ ሓበሬታ ድሕሪ'ቲ ደያኑ ንምምራጽ ንነዊሕ ሰዓታት ዝተኻየደ መጋባእያ ምስ ተዛዘመ ብምምጽኡ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ዝርርብ ምርድዳእ ይካየድ ነይሩ እዩ ዝብል ግምታት ኣሎ።
ሰኑይ፡ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደላዌር፡ ኤሪኽ ደቪስ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ብ24 ሰዓት ክደናጔ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ ነይሩ።
ዋላ'ኳ ምኽንያት እንተዘይሃበ፡ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ግን ክልቲኦም ወገናት ንኽረዳድኡ ዕድል ንምሃብ እዩ ዝኸውን ክብላ ጸብጺበን ነይረን።
ሰሉስ ንግሆ ግን፡ ክልቲኦም ወገናት ንነዊሕ መስርሕ ፍርዲ ክዳለው ተራእዮም ነይሮም።
ቅድሚ እቲ ፍርዲ ምጅማሩ ጠበቓ ፎክስ፡ ነቲ ኣብ ኮሎራዶ ዝመደበሩ ዶሚኒዮን ዝሓተቶ ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ልዕሊ እቲ ወሪዱኒ ዝብሎ ክሳራ ዝተጋነነ ኣሃዝ እዩ ክብል ብተደጋጋሚ ተቓዊምዎ እዩ።
ፎክስ፡ "እቲ ናይ ሓቂ ዋጋ" እቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኣመሪካ ዝሰፈረ "ኣኽቢርካ ዝርአ" መሰል ናጽነት ምዝራብን ምግላጽ ሓሳባትን እዩ ክብል ገሊጹ።
ኩባንያ ዶሚንዮን፡ እቲ ዓቃባዊ መርበብ ፎክስ፡ ኣብ 2020 ድምጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ተሰሪቝ ብዝብል ናይ ሓሶት ወረ፡ ስም ናይቲ ኤለክትሮኒካዊ መውሃብ ድምጺ ኩባንያ ኣበላሽዩዎ ክብል እዩ ከሲሱን ተኸራኺሩን።
ቅድሚ እቲ መጋባእያ ዝወጽአ ሕጋዊ ርኽበታት፡ ሓያሎ ፈጸምቲ ጉዳያትን ጋዜጠኛታት መርበብ ሓበሬታ ፎክስን፡ ነቲ ብ2020 ዝተገብረ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ድምጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ተሰሪቑ ዝብል ውዲታዊ ዜና ብውልቆም'ኳ እንተተጠራጠርሉ ናብ ህዝቢ ከምዝፈነዉዎ ግን የመልክት።
ኣብ ሓደ ተኸታታሊ ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት፡ እቲ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎ ዝነበረ ኣአንጋዲ ታከር ካርልሰን፡ ንገለ ካብቲ ክስታት "ትርጕም ኣልቦ" ን "ናይ ጽሉላት" ን ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ካልእ ኣአንጋዲ መደብ ሾን ሃኒቲ ድማ፡ "ንሓደ ካልኢት" እውን ኣይኣመንኩን ክብል ብውልቍ ተዛሪቡ ነይሩ።
መርበብ ሓበሬታ ፎክስ፡ እቲ ቃላት፡ ካብቲ ከመሓላልፎ ዝግባእ ሓፈሻዊ መረዳእታ ወጻኢ እዩ ተወሲዱ ክትብል እያ ትገልጽ።
ዳኛ ዳቪስ ቅድሚ እቲ መጋባእያ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዶሚኒዮን ቀሪቡ ዝነበረ ክሲ ድሮ ሓሶት ምዃኑ ተረጋጊጹ’ዩ ይብል።
እቲ ስምምዕ ንፎክስ የዋጽኦ ድዩ?
ሓደ ሓደ ክኢላታት ሕጊ፡ እቲ ዝተኸፍለ ገንዘብ ብዘየገድስ እቲ ዝተገብረ ስምምዕ ንመርበብ ሓበሬታ ፎክስ ጽቡቕ ምዃኑ ይኣምኑ።
ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ሲራኩስን ቀዳማይ ክኢላ ናይቲ ሕጋዊ ምምሕያሽን ሮይ ጉተርንማን፡ ፎክስ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ መረጻ ዝገበሮ ሸፈንን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዜና ዘካይዶ ንጥፈታትን ዝያዳ ህዝባዊ ሕቶታት መጋጠሞ ነይሩ" ኢሉ።
"[እቲ] ንሽዱሽተ ሰሙን እተገብረ መርመራን ኣንፈቱን ክረአ እንከሎ፡ ንዅሎም እቶም ኣብቲ መርመራ ዝተሳተፉ ኣሰልቻውን ንማዕከን ዜና ፎክስ ከኣ መሕፈርን እዩ ነይሩ” ኢሉ።
"እቲ [ብናይ ሓሶት ፈነወ] ኣብ ልዕሊ ፎክስ ዝተዋህበ ብይን ዝኸበረን ዝኸበደን ክኸውን ይኽእል ነይሩ። እቲ ዝተገብረ ሕጋዊ ምምሕያሽ ግን ንርእሱ ልዑል ትርጕምን ከቢድ ጽልዋን ክህልዎ እዩ።"
ጠበቓ ሲቪላዊ ምጕት ሚሸል ሲምፕሰን ቱዌል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ስምምዕ "ፎክስ ኣብቲ ምጕት ዓብይ ስግኣት ከምዝሓደሮ ዘርኢ እዩ" ኢሉ ።
"ተኸታተልቲ ፎክስ ነቲ ማዕከን ስለዝኣምንዎ፡ ነቲ ኩባንያ ልዕሊ እቲ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ናይ ሰማዕቱ [ናይ ተኣማንነት ምልክት ሕቶ] ነቲ ዓቢ ሃስያ ከኸትለሉ ይኽእል’ዩ" ኢሉ።
"ስለዝዀነ፡ ኣቦ መንበር እቲ ማዕከን ዜና ሩፐር ሙርዶክ፡ ከምኡ'ውን እቶም ፈጸምቲ ስራሕን ኣቕረብቲ መደብን ነቲ ጉዳይ ብምስምማዕ ክፈትሑዎ ዝደረኾም ይመስል" ክትብል ወይዘሮ ቱገል ተዛሪባ።
ሕጂ'ውን ፎክስ፡ ስማርትማቲክ ካብ ዝበሃል ካልእ ትካል ቴክኖሎጂ መረጻ፡ ናይ 2.7ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ካሕሳ ዝሓትት ተመሳሳሊ ክሲ ቀሪቡሉ ኣሎ።
ዶሚንዮን እውን፡ ኦአይን ኒውስማክስን ኣብ ልዕሊ ዝተባህላ ክልተ ካልኦት ዓቃባውያን ትካላት ዜና ዘቕረቦ ክሲ ውሳነ ይጽበ ኣሎ።
እቲ ትካል ንከም ሩዲ ጁሊያኒ፡ ሲድኒ ፓወልን ማይክ ሊንደልን ዝኣመሰሉ መሻርኽቲ ትራምፕ እውን ከሲስዎም እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







