ኣብ ህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ 'ካፒቶል' ዝተኻየደ ናዕቢ ብናጻ ኮሚሸን ክጻረ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ባይቶ ኣሜሪካ ነቲ ብ 6 ጥሪ ንዶናልድ ትራምፕ ብምድጋፋ ኣብ ህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ 'ካፒቶል' ዝተኻየደ ናዕቢ ዘጻርይ "ነጻ" ኮምሽን ከቐውም ምዃኑ፡ ኣፈኛ እቲ ባይቶ፡ ናንሲ ፔሎሲ ሓቢራ።
ንሳ፡ ናብ ኣባላት ባይቶ ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ እቲ ኮምሽን ምስቲ ነቲ ኣብ 11 መስከረም 2001 ኣብ ህንጻታት ኒውዮርክን ፔንታጎንን ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ንምጽራይ ዝቖመ ተመሳሳሊ ከም ዝኸውን ገሊጻ።
ወሲኻ'ውን "እዚ ብኸመይ ከም ዝተኸሰተ፡ ነቲ ሓቂ ክንፈልጦ ኣሎና" ኢላ።
ባይቶ ኣሜሪካ፡ ሴነት፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ናዕቢ ብምልዕዓል ካብ ዝቐረበሉ ክሲ ነጻ ጌርዎ እዩ።
ደሞክራስያውያንን ገለ ሪፓብሊካውያንን ኣባላት እቲ ባይቶ ግና እቲ ሓሙሽተ ሰባት ግዳይ ሞት ዝገበረ ናዕቢ ብነጻ ኣካል ክምርመር ደጊፎም ኣለው።
ኣባል ሰራዊት ኣሜሪካ ሌተናንት ጀነራል ራሰል ኦኖር፡ ብመንጽር እቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሳምንታት ንሃጓፋት ጸጥታ እቲ ህንጻ ከጽንዕ ምጽንሑ ፔሎሲ ሓቢራ።
"ካብ ርኽበታት [ናይቲ ጀነራልን]፡ ካብ መስርሕ ምምስራት ክሲ (ኢምፒችመንት) ትራምፕን ዝተረዳእናዮ፡ እቲ ክስተት ብኸመይ ከም ዘጋጠመ ነቲ ሓቂ ክንፈልጦ ከም ዘሎና እዩ" ኢላ።
እቲ ኮምሽን፡ "ንጠንቅታትን ነቲ መጥቃዕቲ ዝምልከቱ ሓቅታትን ከምኡ'ውን ድልውነትን ግብረመልስን ፖሊስ ካፒቶልን ካልኦት ሓይልታት መርሚሩ ከቕርብ" ምዃኑ'ውን ገሊጻ።
እቲ ዛጊት ክልተ ግዜ ክሲ ናይ ምምስራት ፈተነ ዝተኻየደሉ እንኮ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ፡ ደሞክራስያውያን ኣባላት ባይቶ ክልተ ሲሶ ናይ ድጋፍ ድምጺ ከውሕሱ ብዘይመኽኣሎም፡ ካብቲ ክሲ ብቐዳም ነጻ ኮይኑ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







