ቱኒዝያ፡ ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኣብ ዓረባዊ ዓለም፡ ለውጢ ኣምጺኣ ዶ?

ናጅላ ቦደን፡ ኣብ ዓረብ ዓለም ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናጅላ ቦደን፡ ኣብ ዓረብ ዓለም ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር

ናጅላ ቦደን፡ ኣብ ሃገራት ዓረብ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ካብ እትኸውን ንደሓር፡ ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ፖለቲካ ዝጸንሐ ኣመለኻኽታ፡ ርኡይ ለውጢ ኣርእዩ እዩ።

እዚ ማለት ግን ናብራ ደቂ ኣንስትዮ ቱኒዝያ ብዓቢኡ ተመሓይሹ ኣሎ ማለት ኣይኮነን - ትብል ነዚ ጽሑፍ ዘሰናደአት፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኒውስ ዓረብ- ጀሲ ዊልያምስ።

ቦችራ ቤልሃጅ ሕሚዳ፡ ምሉእ ዕድሚኣ ንጾታዊ ማዕርነትን ንዲሞክራስን ኣብምቅላስ እያ ኣሕሊፋቶ - "እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ካልእ ክዕወት ኣይኽእልን" ድማ ትብል።

ንሳ፡ ኣብቲ ኣብ 2011 ዝተኻየደ፡ ንውልቀ-መላኺ ፕረዚደንት ቤን ዓሊ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝደረኾ፡ ህዝባዊ ናዕቢ ዝተሳተፈት ኰይና፡ ብድሕሪኡ እታ ሃገር፡ ሕጊ ጾታዊ ማዕርነት ኣጽዲቓ እያ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣብ ዝርዝር ሕጹያት ተወዳደርቲ ባይቶ፡ ማዕረ ቁጽሪ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከቕርቡ ይጠልብ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣቢሉ’ዩ ወ/ሮ ቤልሃጅ ሕሚዳ፡ ‘ኒዳ’ ናብ ዝተብሃለ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ቱኒዝያ ዝተጸንበረት።

ኣብ ቱኒዝያ፡ ንመሰል ማዕርነት ትቃለስ ጓል ኣንስተይቲ ፖለቲከኛ ምዃን ግን ቀሊል ኣይኮነን።

ንሳ፡ "ምግፋዕ፣ ጎስጓሳት ጸለመ፡ ናይ ሞት ምፍርራሕን ጻውዒታት መቕተልትን ኣጋጢሙኒ" ትብል። ካብ 2012 ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ መንግስቲ ከም ዝነበረት ድማ ትዛረብ።

ሕዚ ግና ቱኒዝያ ካብ ካልኦት ሃገራት ዓረብ ብዝሓሸ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስልጣን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋ ኣረኣእያ ይልወጥ ኣሎ።

ዓረብ ባሮሜተር ኣብ ክንዲ ቢቢሲ ኒውስ ዓረብ ዘካየዶ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣብ ቱኒዝያ፡ ብዝሒ እቶም፡ ‘ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓሹ ፖለቲካዊ መራሕቲ እዮም’ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት፡ ዝለዓለ ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ኣረጋጊጹ።

ካብ 2018 ጀሚሩ፡ ብዝሒ በዚ ኣበሃህላ ዝሰማምዑ ሰባት፡ ብ16 ሚእታዊት ምንካዩ ተራእዩ - ካብ 56 ናብ 40 ሚኢታዊት ወሪዱ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ቱኒዝያ ንፈለማ እዋን ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር - ተመራማሪት ስነ-ምድሪ ናጅላ ቦደን- ኣብ ጥቅምቲ 2011 ብፕረዚደንት ካይስ ሳይድ ናብዚ ስልጣን ኣብ ዝተመዘዘትሉ እዋን ከባቢ እዩ ተኻይዱ።

መስራቲት ዓረብ ባሮሜተርን፡ ዲን ናይቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ፡ ቤት ትምህርቲ ህዝባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ፕሪንስተን ዝዀነት፡ ኣማነይ ጀማል፡ እዚ ለውጢ፡ እታ ሞዴል መራሒት ጓል ኣነስተይቲ፡ ብዝፈጠረቶ ጽልዋ ዝመጽአ ምዃኑ እያ ትኣምን ።

ንሳ፡ "ቅድሚ እዚ ሽመት፡ ኣብ ህዝባዊ ርእይቶ ኣብ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓቢዪ ለውጢ ኣይረኣናን" ትብል።

ሚስ ቤልሃጅ ሕሚዳ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚስ ቤልሃጅ ሕሚዳ ግን፡ ሽመት ቀዳመይቲ ሚኒሰተር ቦውደን፡ "ክልተ ጫፍ ዘለዎ ሰይፊ" እዩ ኢላ ትገልጾ።

"ሓለፋታት ደቂተባዕትዮ ምውጋድ” ብተምሳል ኣገዳሲ'ኳ እንተነበረ፡ "ንመሰላትን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋ ተወፋይነት ትሑት ምዃኑ፡ ከም ውድቀት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ጉዳያት ክረአ ይኽእል እዩ" ትብል።

ኣብ ሂዩማን ራይትስዎች ተመራማሪት ዝኾነት ኬንዛ ቤን ኣዞዝ ብወገና፡ ዘዘራረበተን ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ቱኒዝያ፡ ሽመት እታ ቀዳመይቲ ሚኒሰተር ወይዘሮ፡ "ጭቡጥ ዓወታት” ኣምጺኡ ኢለን ከምዘይኣምና ትዛረብ።

"ብመንጽር መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈለየ ተወሳኺ ነገር ኣይተራእየን" ትብል።

መንግስቲ ቱኒዝያ፡ ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።

ፕረዚደንት ስዒድ፡ ኣብቲ 24 ኣባላት ዝሓቖፈ ካቢነ ሚኒስተራት ንሚስ ቦደን ሓዊሱ 10 ደቂ ኣንስትዮ ኣካቲቱ ኣሎ።

ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ፕረዚደንት ንሃገራዊ ባይቶ ምፍራስ ሓዊሱ፡ ነቲ ምልካዊ ተግባራቱ ንምሽፋን፡ ‘ገጽታ ደቂ ኣንስትዮ’ ይጥቀመሉ ከይህሉ ስክፍታ ኣለወን።

ሚስተር ስዒድ ኣብ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብዘለዎ ዓቃባዊ ኣረኣእያ ዝፍለጥ እዩ - ኣብ ውርሻ ጾታዊ ማዕርነት ምቅዋሙ ይቕጽል ኣሎ።

ደቂ ተባዕትዮ ቱኒዝያ ድማ ክሳብ ሕጂ ከም መራሒ ስድራቤት ብሕጊ ዝድገፍ ዓባልነት ኣለዎም። ኣብ ቱኒዝያ ዝወሃብ ውርሻ ኣብ እስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ ዝተመርኮሰ ኰይኑ፡ ብህይወት ዘሎ ወዲ ብሓፈሻ ካብታ ብህይወት ዘላ ጓል ኣንሰተይቲ፡ ዕጽፊ ብጽሒት ክረክብ መሰል ኣለዎ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ን57 ዳያኑ፡ ብሰፊሕ ገበናት ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ካብ ስልጣን ምስ ኣባረሮም ቁጥዐ ፈጢሩ ኣሎ።

ሓንቲ ካብኣቶም፡ ብዛዕባ ብሕታዊ ህይወታ ዝርዝር ሓበሬታ ብኢንተርነት ዝተዘርጋሓ፡ ጓል ኣንስተይቲ ዳኛ፡ ‘ዝሙት ፈጺማ’ ዝብል ክስታት ዝቐረባ ዀይኑ፡ ብፖሊስ መርመራ-ድንግልና ክትገብር ከምዝተገደደት ይዝረብ።

ናይ ክብሪ ፕረዚደንት፡ ማሕበር ደያኑ ቱኒዝያ፡ ራውዳ ኣል-ቃራፊ፡ ነቲ ናይ ምጽላም ወፍሪ ብምኹናን፡ "እዛ ሰበይቲ፡ በቲ ዝለዓለ ኣካል’ቲ መንግስቲ ክብራ እንተተጎዲኡ፡ ካልእ መን እዩ ከድሕና?" ክብል ይሓትት።

እቲ ዝተጠቕሰ መጽናዕቲ፡ ኣብ ቱኒዝያ 61% ሰባት - ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ወሲኹ ኢሎም ከምዝኣምኑ’ውን ኣረጋጊጹ፤ ዋላ'ኳ ኣብ 2017 ንዕኡ ንምምካት ሕጊ እንተተጸደቐ።

ንደቂ ኣንስትዮ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከምዝኾነ ዘመልክት፡ እታ ተባዕ ተዛራቢት፡ መራሒት ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ዝዀነት ኣቢር ሙሲ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ኣኼባ ፓርላማ ብኽልተ ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ባይቶ ተጸፊዓ ነይራ። ርግጽ፡ ክልቲኦም እቶም ኣባላት፡ ካብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ኣኼባታት ተኣጊዶም እዮም።

እቲ ሕጂ ዝፈረሰ ፓርላማ ቱኒዝያ፡ ኣብ 2017 ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንምምካት ሕጊ ኣጽዲቑ ነይሩ። ሕጊ 58 ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብቲ እዋን ታሪኻዊ ተባሂሉ ብምንባሩ፡ ንቱኒዝያ ካብ ብዙሓት ጎረባብታ ቀዲማ ተንኢዳ ነይራ።

እንተዀነ፡ - ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንምምካት ፍሉያት ኣሃዱታት ፖሊስ ምቛም ሓዊሱ - ገለ ዓወታት እኳ እንተተራእየ፡ ኣብ ኣተገባብራ እቲ ሕጊ ዓበይቲ ድኽመታት ከምዘለዉ ብዙሓት ሰባት ይምጉቱ።

ብሓፈሻኡ፡ ኣብ ሕጊ ቱኒዝያ፡ ደቂ ተባዕትዮ መራሕቲ ስድራቤቶም ኮይኖም ዝቐጸሉ ዀይኖም፡ ዝበዝሕ ማሕበራዊ ረብሓ ናብኦም ዘዘንበለ እዩ።

"እቲ ቁጠባዊ ሓይሊ ኣብ ኢድ ሰብኣይ እዩ ዝጸንሕ" ትብል ወ/ሮ ቤን ኣዞዝ።

ሚስ ቤን ኣዞዝ፡ ዋላ'ኳ እዚ ዘተሓሳስብ ሕማቕ ገጽታ እንተሃለወ፡ ብፍላይ ሳላ ስራሕን መሃዛይነትን፡ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ንሓዋሩ “ልዑል ተስፋ ከምዘለዋ" ትዛረብ።

ወ/ሮ ቤልሃጅ ሕሚዳ ብወገና፡ ቱኒዝያ “ንምንባር ነጻን ሓራን" ንክትከውን ዝግበር ወፍሪ፡ "ብሓደ ሰብ ዘይኮነስ፡ ብኹሎም እዛ ሃገር ዝሓሸ ይግብኣ ኢሎም ብዝኣምኑ" ክካየድ ከምዘለዎ ትዛረብ።