ደቀን ወይ ስረሐን ክመርጻ ዝግደዳ ዘለዋ ኣደታት

ጓል 25 ዓመት ሶፊ ሳሮንጌ፡ ምስ ወለደት ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ናብ ስራሕ ምምላሳ የጣዕሳ። ንውላዳ ከምቲ ዝምከር ንሽዱሽተ ወርሒ ጸባ ጡብ ክትህብ ኣይከኣለትን።
እታ በዓልቲ ሞያ ስነ መግቢ ዝዀነት ንእስቲ፡ ንስድራ ቤታ ገንዘብ ስለ ዘድሊ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይነበራ ትገልጽ።
"ንህላወና ክብል ናብ ስራሕ ክምለስ ነይሩኒ" ትብል።
እንተኾነ ንጥዕና ጓላ ግጉይ ውሳነ ከም ዝገበረት እዮም ሰባት ዝነግርዋ።
ሰብ ሞያ ጥዕና ኬንያ፡ ህጻናት ኣብቶም ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸባ ጡብ ጥራሕ ክወስዱ እዮም ዝምዕዱ።
መንግስቲ እውን እንተዀነ፡ ኣፍረይቲ ጸባ ፎርሙላ ኣብ ምህርታቶም ንጸባ ጡብ ኣደ ቀዳምነት ክወሃብ ከም ዘለዎ ክጽሕፉ የገድዶም እዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንህጻናት ጸባ ጡብ ኣደ ጥራሕ ምሃብ፡ ከም ብዙሕ ዓይነት ሕማማት ዝከላኸል ክታበት ከም ዝቑጸር ይገልጽ።
ክፍሊት ዘይብሉ ዕረፍቲ
“ዋላኳ ኣብ ሰብነታ ብቐሊሉ ከም ዘይሓቅቕ እንተፈለጥኩ ንጓለይ ጸባ ላሕሚ ከስትያ ነይሩኒ” ትብል ሳሮንጌ።
ዋጋ እቲ ንህጻውንቲ ብዝሰማማዕ ተዳልዩ ዝቐርብ ጸባ ላጽሚ “ኢንፋንት ፎርሙላ” ብምኽባሩ ንምግዛእ ዓቕሚ የብላን።
እቲ ዝኸፍአ ድማ እቲ ዝረኸበቶ ናይ ሰለስተ ወርሒ ናይ ወሊድ ፍቓድ ብዘይክፍሊት ምዃኑ እዩ፤ ምኽንያቱ ከም ብዙሓት ኬንያውያን ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ክትረክብ ዘኽእላ ሕጋዊ ናይ ስራሕ ውዕሊ የብላን።
ካልኦት ዕድለኛታት ግን ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, CAROLINE WAIRIMU
በዓል ቤታ ጽቡቕ ኣታዊ ዘለዎ ካሮላይን ዋይሪሙ፡ መናቱ ምስወለደት፡ ነቲ ናይ ማርኬቲንግ ስራሓ ገዲፋቶ።
“ኣዶታት ንደቀን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸባ ጡብ ጥራሕ ከጥብዋ፡ ደሞዝ ዘለዎ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ዕረፍቲ ክፍቀደለን ኣለዎ” ትብል።
ኣብዚ እዋን ሕጋዊ ናይ ስራሕ ውዕሊ ዘለወን ወላዳት ፡ ደሞዝ ዘለዎ ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕረፍቲ እዩ ዝፍቀደለን።
ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሩት ሙምቢ፡ መንግስቲ ንጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ቆላሕታ ኣይገብርን ክትብል ትነቅፍ።
ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ሚኒስትሪ ዕዮ መልሲ ንምርካብ ፈቲኑ ኣይሰመረን።
ባይቶ ኬንያ፡ ትካላት ኣዶታት ደቀን ዘጥቡዋሎም ክፍሊታት ከዳልዉ ብ2016 ዘውጸኦ እማመ ሕጊ ኰይኑ ክጸድቕ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ ክፍርመሉ ኣይከኣለን።
''ጓለይ ምስ ጎረቤት ይገድፋ''
ናይ ጉልበት ስራሕ እናሰርሐት ጓላ በይና እተዕቢ ኤቭሊን ሙዌኒ፡ ምስ ወለደት ድሕሪ ሓደ ወርሒ ስራሕ ክትጅምር ነይሩዋ።
“ኣነ ናይ መግብን ክራይ ገዛን ወጻኢታት ንምሽፋን ኣብ እንዳሰብ ክዳውንቲ ክሓጽብን ገዛ ከጽርን እንትኸይድ፡ ጓለይ ጸባ ላሕምን ስብቆን ምስ ዝህብዋ ጎረቤተይ ክገድፉ ነይሩኒ” ትብል።
ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኬንያ ዳይሬክተር ስነ መግቢ ቬሮኒካ ኪሮጎ፡ ስሩዕ ኣብ ዘይኮነ ስራሕቲ ዝተዋፈራ ኣደታት፡ ጸባ ጡብን ሓሊበን ክሳብ ሸሞንተ ሰዓታት ኣብ ዝሑል ማይ ብምቕማጥ ንደቀን ከስትያ ከም ዘለወን ትመክር።
ሙዌኒ ግና ጡባ እኹል ጸባ የመንጩ ስለ ዘይነበረ ጸባ ላሕሚ ምቕራብ ከም ዝቐላ ትዛረብ።
ብመዳይ ጥዕና ህጻናት ቀልጢፎም ጡብ ክገድፉ ከም ዘይምከር ዝገልጽ ዶክተር ሞሰስ ላንጎ ገለ እዋን ግና ድሕሪ ከባቢ ኣርባዕተ ወርሕን ፈረቓን ህጻናት መግቢ ናይ ምውሳድ ድልየት ኣብ ዘርእዩሉ ጡብ ዝገድፉሉ ኩነታት ክህሉ ከም ዝኽእል ይዛረብ።
ኰይኑ ግና ኣደታት ደቀን ጸባ ጡብ ክምግባ ኣህጉራዊ ድፍኢት ኣሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ “ጸባ ጡብ ናይ ምግንዛብ ተኽእሎን ናይ ምምሃር ድልየትን የመሓይሽን፤ ቈልዑ ምስ ዓበዩ ድማ ጽቡቕ ኣታዊ ዘለዎም ክኾኑ ይገብርን” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







