ቱርኪ፡ ኣብ ዕደና ከሰል ብዘጋጠመ ፍንጀራ ብውሕዱ 28 ሰባት ሞይቶም

ቱርኪ፡ ኣብ ዕደና ከሰል ካብ ዘጋጠመ ፍንጀራ ዝደሓኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቱርኪ ግዝኣት ባርቲን ኣብ ዝርከብ ዕደና ከሰል ብዘጋጠመ ፍንጀራ ብውሕዱ 28 ሰባት ከምዝሞቱን ዓሰርተታት ድማ ኣብ ትሕቲ መሬት ተዓጽዮም ከምዘለዉን ተገሊጹ።

ብዓርቢ ፍንጀራ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣስታት 110 ሰባት ኣብቲ ዕደና ዝነበሩ እንትኾን፡ ዳርጋ ፍርቆም ልዕሊ 300 ሜትሮ ዕምቆት እዮም ነይሮም።

ሚኒስትር ጥዕና ቱርኪ ፋህረቲን ኮካ 11 ሰባት ከምዝደሓኑን ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎን ገሊጹ።

ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ምሉእ ለይቲ ከውሒ እናዅዓቱ ዝያዳ ሰባት ከድሕኑ ክፍትኑ እዮም ሐዲሮም።

ኣብ ገማግም ብላክ ሲ ኣብ ኣማስራ ኣብ ዝርከብ መሳለጥያ፡ ዕደናውያን ብህይወት ኣድሕን ተዓጂቦም ክወጹ ብቪድዮ ተራእዮም።

ስድራቤትን ፈተውትን ናይቶም ዝጠፍኡ ሰባት እውን ኣብቲ ከባቢ ዕደና ብስክፍታ እናተጸበዩ ይርከቡ።

እቲ ፍንጀራ ኣብ ከባቢ 300 ሜትሮ ዕምቆት ከምዘጋጠመ ይግመት። ኣብቲ ካብ 300 ክሳብ 350 ሜተር ትሕቲ መሬት ዝርከብ "ንሓደጋ ዝተቓለዐ" ዞባ፡ ኣስታት 49 ሰባት ይሰርሑ ከምዝነበሩ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱሌማን ሶይሉ ገሊጹ።

ንሱ፡ ኣብቲ ቦታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ካብቲ ከባቢ ከነውጽኦም ዘይከኣልና ኣለው" ኢሉ።

ጠንቂ ናይቲ ፍንጀራ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈልጠ ኮይኑ፡ ዓቃቢ ሕጊ ናይቲ ከባቢ መርመራ ጀሚሩ ኣሎ።

ሚኒስተር ጸዓት ቱርኪ፡ እቲ ፍንጀራ፡ ኣብ ዕደናታት ከሰል ነታጒ ዝፈጥር ምትሕውዋስ መተይን (ኣብ ናይ ከሰል መዐደኒታት ዝርከብ ብቐሊሉ ዝነድድ ጋዝ) ከምዝኾነ ዝገልጹ ምልክታት ከምዘለዉ ይሕብር።

"ናይ ብሓቂ ዘሕዝን ኩነታት ኣጋጢሙና ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ዕደና፡ ገለ ምፍራስ'ውን ከምዝነበረ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ ቀፃሊ ባርዕ ከምዘየለ፡ ንፋስ’ውን ብግቡእ ይኣቱ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲብ ጣይብ ኤርዶጋን ሰንበት ናብቲ ቦታ ክኸድ ትጽቢት ይግበር።

ከንቲባ ከተማ ኣማስራ ረካይ ካኪር፡ ብዙሓት ካብቶም ዝደሓኑ "ከቢድ መጉዳእቲ" ከምዘጋጠሞም ገሊጹ።

ሓደ ባዕሉ ዘድሓነ ሰራሕተኛ፡ "ሓመድን ትክን ነይሩ፡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ብልክዕ ኣይንፈልጥን" ኢሉ።

እቲ ዕደና ናይ መንግስቲ ቱርኪ ሃርድ ኮል ኢንተርፕራይዝስ እዩ።

ቱርኪ ኣብ 2014 ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ሶማ ብዘጋጠመ ፍንጀራ 301 ሰባት ከምዝሞቱዋ ይዝከር።