ኣብ ሓንቲ ስም ኣልቦ ንእሽቶ ደሴት 38 ስደተኛታት ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, BAIDA
ሓንቲ ብጽሕቲ ወርሒ - ነፍሰጾር እትርከቦም 38 ስደተኛታት ዘለውዎ ጕጅለ፡ ኣብ ዶብ ቱርኪን ግሪኽን ኣብ እትርከብ ስም ዘይብላ ንእሽቶ ደሴት ተረኺቦም።
እቶም 22 ደቂ ተባዕትዮ፡ 9 ደቂ ኣንስትዮን 7 ህጻናትን ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም እዮም፡ ኣብ ሩባ ኤቭሮስ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት ከምዝነበሩ ዝገልጹ።
እዞም ስደተኛታት ትማሊ ሰኑይ ምስተረኸቡ ናብ መሬት ግሪኽ ተወሲዶም ኣለዉ።
ሚኒስተር ስደተኛታት እታ ሃገር፡ እቶም ጕጅለ ኵሎም ኣብ "ኣዝዩ ጽቡቕ ኵነታት" ከምዘለዉን፡ እታ ነፍሰጾር ድማ ንኣድላዪ ክንክን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደትን ገሊጹ።
ይዅን እምበር፡ ኣብታ ደሴት እንተወሓደ ሓደ ህጻን ከምዝሞተ፡ እቲ ጕጅለን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ይሕብሩ። ፖሊስ ግሪኽ፡ ግን ነዚ ክሳብ ሕጂ ኣየረጋገጸን።
እቲ ጕጅለ ብዛዕባ ዝተረኸበሉ ቦታ ዘይርጕጽነት ስለዘሎ፡ ካብ ቱርኪን ካብ ግሪኽ መነአን ክሕግዛ ከምዘለወን ኣይተፈልጠን ነይሩ።
ሰበስልጣን ግሪኽ ኣብ መጀመርታ፡ እቶም ኵሎም ሶርያውያን ከምዝዀኑ ዝገለጹ ስደተኛታት ኣብ መሬት ቱርኪ ከምዝነበሩ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ ግን ካብቲ ቅድሚ ገለ መዓልታት ኣብ መጀመርታ ዝተገልጸ መሬት ግሪኽ ወጻኢ ንደቡብ ኣስታት 4 ኪ.ሜ ርሒቘም እዮም ተረኺቦም። ፖሊስ ግሪኽ፡ እዚ እቶም ስደተኛታት ቅድም ኢሎም ዘይተረኸቡሉ ምኽንያት ከምዝዀነ ይጠቅስ።
ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ጕጅለ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀነት ባይዳ፡ "ኣብ መንጐ ቱርኪን ግሪኽን ዝካየድ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ" ይመስል ክትብል ገሊጻ።
ወሲኻ’ውን፡ "ዝደልየና የለን፣ ዝሰምዓና የለን፣ ክሕግዘና ዝደሊ'ውን የለን" ትብል።
ግሪኽ፡ ካብ ቱርኪ ናብ ኣውሮጳ ክሓልፉ ኣብ ዝፍትኑ ስደተኛታት ትገብሮ ኣተሓሕዛ ንሓያሎ ዓመታት ዘከራኽር ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።
ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት፡ ዑቕባ ንኽሓቱ ዕድል ከይተወሃቦም ንድሕሪት ክምለሱ ይግደዱ ከምዘለዉ ይኸሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን፡ እታ ሃገር መሰረታዊ መሰላት ኣውሮጳ ትጥሕስ ከምዘላ ድሕሪ ምግላጹ'ውን ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኣውሮጳ ክትዕ ተፈጢሩ እዩ።
ገለ ስደተኛታት ድማ ብሓይሊ ናብ ማያት ቱርኪ ክምለሱ ከምዝተገብሩ ይዛረቡ።
መንግስቲ ግሪኽ ግን ነዚ ክሲታት ወትሩ ብምንጻግ፡ ሕግታት ዓለምን ኣውሮጳን ከምዘኽብር ይገልጽ።
ዳይረክተር ዓለምለኸ ኮሚተ ምድሓን ግሪኽ ዲሚትራ ካሎጀሮፑሎ፡ እዚ ኣብ ሩባ ኤቭሮስ ዘጋጠመ ፍጻመ "ስደተኛታት ንኽምለሱ ኣብ ምግዳድ ዘሎ ጭካነ ዘጕልሕ'ዩ" ኢላ።
ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2022 ጥራይ 232 ሶርያውያን ብባሕሪ ናብ ግሪኽ ከምዝኣተዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







