ኮኾብ ሓላው ልደት ደቪድ ደ ሂያ፡ ድሕሪ 12 ዓመት ካብ ዩናይትድ ተሰናቢቱ

ደቪድ ደ ሂያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝተሰለፈለን 545 ጸወታ፡ ኣብ 190፡ ሓንቲ ሸቶ ከይተመዝገቦ ክብረወሰን እታ ክለብ ዝሓዘ ስጳኛዊ ሓላዊ ልዳት ካብታ እንግሊዛዊት ክለብ ከምዝተሰናበተ ኣረጋጊጹ።

እዚ ወዲ 32 ዓመት ሓላዊ ልዳት ምስ ዩናይትድ ዝጸንሖ ውዕል ኣብ ሰነ ኣብቂዑ እዩ።

"ንሓድሽ ብድሆ ክገጥም ደልየ ኣለኹ" ዝበለ ደ ሂያ፡ ካብቲ ን12 ዓመታት ዝጸንሐሉ ገዛኡ ምውጽኡ ኣፍሊጡ።

ደ ሂያ ኣብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ፕሮፈሽናል ሂወቱ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ኣብ 2011፡ ብ18.9 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ዩናይትድ ተጸንቢሩ።

እታ ብ ኤሪክ ተንሃግ እናሰልጠነት ኣብዚ ዓመት ዝሓሸ ብቕዓት ዘመዝገበት ጋንታ፡ ንሓላዊ ልዳት ኢንተርሚላን ኣንድሬ ኦናና ከተፈርሞ ከምእትኽእል ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን እዩ ደ ሂያ ምኻዱ ኣረጋጊጹ ዘሎ።

እቲ ሓላው ልዳት ንስንብታኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ናብዛ ክለብ ካብ ዘምጽኣኒ ጀሚሩ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ'ዩ ነይሩኒ" ክብል ገሊጹ።

“እዛ ማልያ ተኸዲነያ ኣለኹ፤ ነዛ ዓባይ ክለብ ወኪለ ምጽዋተይ ክብሪ ይስመዓኒ፤ ነዛ ዝዓበየት ክለብ ዓለም ምውካል፡ ኣዝዮም ውሑዳት ዕድለኛታት ዝረኽብዎ እዩ፡" ኢሉ።

ደ ሂያ፡ ውዕሉ ምስተወድአ ምስታ ክለብ ሓድሽ ውዕል ንምእታው ከምዝተሰማምዐ’ኳ እንተተገልጸ፡ እቲ ውዕል ግን ዳግማይ ፈሪዱ።

ደ ሂያ፡ ኣብ ዩናይትድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስታ ጋንታ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ፡ ኤፍ.ኤ ካፕ፡ ዩሮፓ ሊግን ክልተ ካራባኦ ካፕን ዓቲሩ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ግዜ ኮኾብ ሓላዊ ልዳት ናይቲ ሊግ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣርባዕተ ግዜ ብሉጽ ተጻዋታይ እታ ክለብ ኣብቲ ዓመት ኰይኑ ተመሪጹ።

ዩናይትድ ብመን ክትትክኦ እያ?

ምኻድ ደ ሂያ፡ ምምጻእ ሓላው ልዳት ኢንተርሚላን ኣንድሬ ኦናና ዘረጋግጽ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝዝረብ ዘሎ።

ዩናይትድ ምስቲ ካሜሩናዊ ሓላዊ ልዳት ተስፋ ዝህብ ዝርርባት ከምዘካየደት ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ኣብ ቀዳማይ መስመር ዘድምዕ ኣጥቃ’ዒ ናይ ምፍራም ዕላማ ብቐዳምነት ሒዙ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኤሪክ ተን ሃግ እተን ዘለዋ ባጀት ኣብ ሓላዊ ልዳት ክጽንቅቐን ይኽእል እዩ ምባል ግን ኣጸጋሚ እዩ።

ዩናይትድ፡ ምስ ምስቲ ገዲም ሓላው ልዳታ ደ ሂያ ካልእ ውዕል ክትፍርም ከም ዝተሰማምዐትን እቲ ሓላው ልዳት’ውን ኣብ ጫፍ በጺሑ ከምዝነበረ እዩ ዝዝረብ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓለውቲ ልዳት ዩናይትድ ዲን ሄንደርሰንን ቶም ሄተንን እዮም።

ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ዝመጽ ረቡዕ ኣብ ኦስሎ ምስ ሊድስ ናይ ቅድሚ ውድድር ጸወታ ከተካይድ መደብ ከም ዘሎ ይፍለጥ።