ዙር ፈረንሳ 2023፡ ፍሽኽታ ኣመሉ ቢንያም 'ትእምርቲ' ኣፍሪቃ ክኸውን ይኽእል'ዩ

ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ቅድድም ብሽክለታ ናብ "ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣፍሪቃ" ከምጽእ ከምዝኽእል ኣሰልጣኒኡ ነበር ዣን ጃክ ሄንሪ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ እዚ ወዲ 23 ዓመት ተጻዋታይ ኣብ መድረኽ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ድማ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ቱር ዲ ስዊስ ተዓዊቱ።

ኣባል ዓለምለኻዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ (UCI) ዣን ጃክ ሄንሪ ኣብ ኤውሮጳ ናይ መጀመርታ ኣሰልጣኒ ቢንያም ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብቲ ካብ 1 ሓምለ ኣብ ቢልባኦ ዝጅምር ዙር ፈረንሳ ዝያዳ ዓወት ይጽበዮ ከምዘሎ ይኣምን።

"ኣብቲ ሓፈሻዊ ምድብ [ክዕወት] ዝኽእል ኣይመስለንን ግን ኣብ ሓደ መድረኽ ናይ ምዕዋት ዕድል ኣለዎ" ክብል ሄንሪ ንቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ተዛሪቡ።

"ቱር ዲ ፍራንስ ካብ ዝነበሮ ዝዓቢ ውድድር ክኸውን'ዩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ድማ (ቢንያም ዓወት) ከምጽእ'ዩ።"

"ድሮ ኣብ ኩሉ ቦታታት ኣፍሪቃ ኣዝዩ ተፈታዊ'ዩ። ኩሎም ቅድድም ብሽክለታ ዝፈትዉ ሰባት ነቲ ዙር ክዕዘብዎ እዮም፡ እንተተዓዊቱ ድማ ኩሉ ህዝቢ ኣፍሪቃ ክሕበን’ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።"

ካብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ናብ ቱር ዲ ፍራንስ

እቲ ንጋንታ ኢንተርማርቸ ዝወዳደር ቢንያም፡ ንሆላንዳዊ ማቲዮ ቫን ደር ፖል ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ንመስመር ብምስዓር ንመበል 10ይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ዝተዓወተሉ ዘርኢ ስእሊ ንኽብሩ ዝገልጽ ዘይርሳዕ ምስሊ ዓወት ኣጓናጺፍዎ’ዩ።

ንፈለማ እዋን ዝተሳተፈሉ ግራንድ ቱር ምንባሩ’ውን ንዕብየት ናይቲ ዓወት ኣድሚቕዎ’ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢንያም፡ ግራንድ ቱር ምዕዋት ሓደ ካብ “ብሉጻት ህሞታት” ከብል ምግላጹ እቲ ህሞት ንመጻኢ ክጎናጸፎ ዝብህጎ ዓወት ዝእምት ምዃኑ ዘነጸረ’ዩ።

"ናይብዙሓት ሰባት ኣዒንቲ ዝኸፍት ዘሎ ይመስለኒ" ክብል ወዲ 26 ዓመት ማውድ ለ ሩክስ ብዛዕባ’ቲ ኤርትራዊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ። እዚ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ምስ ኢትዮጵያዊ ሰላም ኣምሃ ገረፊኤል፡ ኣካል ናይታ ግርማይ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኣውሮጳ ዝተቐዳደመላ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ኣይግለ ዝርከብ ናይ ዩ-ሲ-ኣይ ማእከል ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (WCC) እዩ።

"ኣብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ንምምጻእ ሓገዝ ዘድልዮም ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣለው። ቅድድም ብሽክለታ ናይ ኤውሮጳ ስፖርት ጥራይ ኣይኮነን፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጸ ተቐዳዳማይ ብምዃን ድማ ናብ ኤውሮጳ ክትመጽእ ከቢድ'ዩ።"

"ቢንያም ነዚ ገለ ኣብሮሆት ሂብዎ’ዩ። እተን ጋንታታት ኣብ ኣፍሪቃ ተቐዳደምቲ ክደልያ ጀሚረን ኣለዋ፡ እዚ ድማ ዘገርም'ዩ።

"በቃ ኣብዛ ጋንታ ምህላዉ ጥራይ፡ ሓቂ'ዩ ሕጂ ናይ ደቂኣንስትዮ ጋንታ ኣለና፡ [ቢንያም] ግን ዓንዲማእከል’ዩ - እዚ ድማ ንመጻኢ ተስፋ ዝህበና’ዩ፡ ክንበጽሖ ንኽእል ኢና፡ ኣብዚ’ውን ኣለና ኢለ ኣብ ክንዲ ርእሰይን ሰላምን ኮነይ ክዛረብ ዝኽእል ይመስለኒ”።

ወዲ 26 ዓመት ገረፊል ወሲኹ፡ "ንሱ ንዓና መምህር'ዩ ስለዚ ኣነ'ውን ከምኡ ዝሓሸ ክኸውንን ኣበርቲዐ ክሰርሕን እየ ዝደሊ ዘለኹ። ንዓይ ሞዴል'ዩ" ኢሉ።

ሻምፕዮን ዓለም ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን ኣብ 2025 ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ክካየድ እዩ።

ክልቲኡ እቲ ድሕሪ ክልተ ዓመትኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝካየድ ውድድራትን ዕበየት ቢንያምን ንትንሳኤ ናይቲ ስፖርት ኣብታ ኣህጉር ዘመልክት እዩ።

"ቅድድም ብሽክለታ ናይ ኤርትራ ቁጽሪ ሓደ ስፖርት'ዩ" ይብል ሄንሪ ኣስዒቡ። "ከምቶም ኣብ ኣትሌቲክስ ሻምፕዮን ዝኾኑ ኬንያውያን ዓቕሚ ኣለዎም።"

"ነዚ ዓቕሚ - ኣብ ብሽክለታ ዘለዎም ተጻዋርነት- እንተተጋሂዱ ኣብ ዓለም ዝበለጹ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።"

ስለዚ ብዛዕባ’ዚ ባዕሉ ዘሰልጠኖ ንኤርትራን ኣፍሪቃዊ ቅድድም ብሽክለታን ኣብ ካርታ ዓለም ዘቐመጠ በሃር ተቐዳዳማይ ብሕጂ ሄንሪ እንታይ ይጽበ?

ቢንያም ግርማይ ዝተዓወተሉ ኣብ ሰነ ዝተኻየደ ውድድር ቱር ዲ ሱዪስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቢንያም ግርማይ ዝተዓወተሉ ኣብ ሰነ ዝተኻየደ ውድድር ቱር ዲ ሱዪስ

ኣብ መንኵቡ ተሰኪምዎ ዘሎ ትጽቢት ኣፍሪቃ ይኽእሎዶ ይኸውን?

"ምሳና ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፈጺሙ ውጥረት ኣይነበሮን - ምሉእ ብምሉእ ሓፋር - እቲ ጽቡቕ ነገር ግን ምስ ኩሉ ሰብ ሕጉስ ምንባሩ'ዩ። ህይወት’ዩ ዘስተማቕር ነይሩ - ኩሉ ግዜ ንኹሉ ሰብ ፍሽኽ እናበለ" ይብል ሄንሪ።

"እዚ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንዝርከቡ ኣትሌታት ህይወት ንምስትምቓርን ካብ ጸቕጢ ናጻ ክኾኑን ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር'ዩ።"

"ብዙሓት ተቐዳደምቲ ብዘመዝግብዎ ውጽኢት፡ ኣብ ዝግባእ ህሞት እቲ ዝድለ ብቕዓት ዘይምርኣዮም - ዘቐመጥዎም ዕላማታት ብዘይምዕዋቶም ይጭነቑ’ዮም። ንዕኡ ግን ከምኡ ዓይነት ምርጫ ኣይነበሮን።"

'ፓስተን ኮብልስቶንን'

ካብቶም ንቢንያም ዝነበርዎ ምርጫታት፡ ምስ ናብራ ኤውሮጳ ምትዕጽጻፍን ምስ ሓድሽ ስርዓታት ስልጠናን ዝተኣሳሰሩ ነይሮም።

"ኣብ 2018 ንመጀመርታ ግዜ ናብዚ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ጁንየር እዩ ነይሩ" ይብል ሄንሪ። "ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ነሓሰን መስከረምን፡ ኣብ ኢንስብሩክ ንዝካየድ ሻምፕዮን ዓለም ኣብ ንዳለወሉ እዋን’ዩ ተጸምቢሩና። ንዕኡ ኣዝዩ ቁሪ እዩ ነይሩ። 4 ሓምለ እዩ ነይሩ - ምዉእቕ እዩ ነይሩ - ንዕኡ ግን ኣዝዩ ዝሑል እዩ ነይሩ።"

"ስለዚ ብዙሕ ነገራት፡ ኣነባብራኡ፡ ልምድታቱ ክንቅይር ስለ ዝነበረና ንምድላዉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ። ኣሕምልቲ ወይ ሕብስትታት ጥራይ ክትበልዕ ትኽእል ኢኻ፡ ‘ሕራይ፡ ጽቡቕ’ዩ’፡ ግና ኣብ መንጎ እዞም ዓይነታት ዓቢ ሚዛን ክህልወካ ኣለዎ። ገለ ካርቦሃይድሬት [ሓይሊ ዝህቡ] ዘለዎም ወይ ገለ ፕሮቲን ዘለዎም መግብታት ክትሕውስ ኣለካ።”

ቀጺሉ ንቢንያም ብድሆ ዝኾነ ሓርፋፍ ጽርግያታት ኣውሮጳ’ዩ። ኣብ መወዳእታኡ ግን በዲህዎስ፡ ኣብቲ ንመበል 78 ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ክላሲክ ጀንት-ዌቨልገም ኣብቲ ብኮብልስቶን (እምኒ ሩባ) ዝተሰርሐ ፍሉጥ ጎደናታት ቤልጅየም ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ።

"እቲ ኮብልስቶን ኣይፈትዎን ነይሩ" ዝለል ሄንሪ "ኩሉ ግዜ 'እዚ ኣይፈቱን እየ። ኣብ ኮብልስቶን ክወዳደር ኣይደልን'የ' ይብለና ነይሩ"። ሕጂ ግን ነቶም ውድድራት ዓለም ክዕወተሎም ይኽእል እዩ።

"ሕጂ ሓሳቡ ቀይሩ'ዩ። ደስ ኢሉዎ’ዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ውድድራት ክትዕወት፡ ነቶም ብኮብልስቶን ዝተሰርሑ ክፋላት ከተስተማቕሮም ኣለካ።"

ቢንያም፡ ካብቲ ኣብ ዙር ፍላንደርስ ዘጋጠሞ፡ ንገስጋሱ ብምሉእ ብምሉእ ዝደምሰሶ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ድሕሪ ምሕዋዩ ኣብቲ ኣብ ሰነ ዝተኻየደ ካልኣይ መድረኽ ቱር ዲ ስዊስ ተዓዊቱ።

ሄንሪ ሕጂ'ውን ነቲ "ፍሉይ ተቐዳዳማይን ቅጽበታዊን ሓፈሻውን ውድድር" ክብል ዝገልጾን "ዝወጽኣሉ ሓዃሪ ዓቐበት ኣይኮነን፡ ኣብ ዓበይቲ ኣኽራናት ክንድኡ ዓድማዒ ኣይክኸውንን'ዩ" ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ይከታተሎ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ኪኖ ምቅድዳም ግን፡ ቢንያም ኣብዚ ስፖርት ዘለዎ ጽልዋ ኣብ መበገሲ መስመር ጥራይ ከምዘሎን ንመጻኢ ዓቢ ተስፋ ከተማዕድወሉ ትኽእል ምዃኑን ሄንሪ ይእምት።

"ካብ ውድድር ዓለም ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ኤርትራን ቅድድም ብሽክለታ ንምምዕባል ክሕግዝ ዝኽእል ሰብ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ተመኩሮኡ ድማ ክህብ ይኽእል'ዩ።"

"ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ብሉጻት ውድድራት ዓለምን ክዕወቱ ከምዝኽእሉ፡ ዘረጋገጸ ትእምርቲ ናብ ኣፍሪቓ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"