ባሎን ዲ ኦር 2024 መን ይዕወት? ሃላንድ፡ በሊንግሃም፡ ቨኒስየስ ወይስ ምባፐ?

ባሎን ዲ ኦር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዓብላልነት ሽልማት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ዓቢ ለውጢ ክርአ ቀሪቡ ኣሎ።

ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ንመብዛሕትኡ ዋንጫ ባሎን ዲ ኦር ሓኒቖምዎ ዝጸንሑ ክርስትያኖ ሮናልዶን ሊዮነል መሲን ኣብ ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ኣብ ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ክጻወቱ ምዃኖም ተፈሊጡ እዩ።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ እዋን ብዘይካ ሮናልዶን መሲን ባሎን ዲ ኦር ዝተዓወቱ ክልተ ተጻወትቲ ጥራይ እዮም።

ኣብ 2022 ዝተዓወተ ካሪም በንዜማ ኣሰር ሮናልዶ ተኸቲሉ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣምሪሑ ኣሎ። እቲ ካልእ ሉካ ሞድሪች ኰይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ኣብ ሪያል ማድሪድ ክጸንሕ ከም ዝተሰማምዐ'ኳ እንተተገለጸ፡ ሞያኡ ናብ መወዳእታ ገጹ ይጽጋዕ ከም ዘሎ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ንኣርጀንቲና ድሕሪ 1986 ንፈለማ እዋን ዋንጫ ዓለም ክትዓትር ዝመርሐ መሲ ድሕሪ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር 2023 ከም ዝዕወት ብሰፊሑ ይግመት።

ሽልማት ባሎን ዲ ኦር 2024 ዘልዕል ተጻዋታይ ግን መን ክኸውን ይኽእል? ቢቢሲ ስፖርት ግምቱ የቐምጥ...

ጁድ ቤሊንግሃም (ርያል ማድሪድ)

ኣከፋፋሊ እንግሊዝ ጁድ ቤሊንግሃም ኣብ ሰነ ምስ ሪያል ማድሪድ ተጸንቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣከፋፋሊ እንግሊዝ ጁድ ቤሊንግሃም ኣብ ሰነ ምስ ሪያል ማድሪድ ተጸንቢሩ

ጁድ በሊንግሃም ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቐጠር ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ብሉጽ ብቕዓት ዘርኣዩ ተጻወትቲ እዩ።

ብ103 ሚልዮን ዩሮ ናብ ሪያል ማድሪድ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ስም እዚ መንእሰይ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሰፊሩ ይርከብ። ልዑል ዋጋ ካብ ዘለዎም መንእሰይ ተጻወትቲ ኣብ መበል ሳልሳይ ይስራዕ። ብተወሳኺ እቲ መበል ካልኣይ ዝኸበረ ዋጋ ዘለዎ እንግሊዛዊ ተጻዋታይ ኰይኑ’ዩ። .

ክለቡ ድሕሪ 11 ዓመታት ንፈለማ ግዜ ዋንጫ ቡንደስሊጋ ክትዓትር ክመርሓ ኣይከኣለን።

ይዅን’ምበር ኣብ ጀርመን ኣብ ዝገበሮ ጸወታታት መወዳእታ ዓመተ ውድድር ግን ብሉጽ ብቕዓት ኣርእዩ እዩ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ፡ ኣብ 19 ዓመት ዕድመኡ ሓለቓ ጋንታ እታ ክለብ ኰይኑ ነይሩ፤ ስለዝዀነ ሓለቓ ጋንታ ካብ ዝዀኑ እቲ ዝነኣሰ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ።

ኣብ 2020 ብ25 ሚልዮን ፓውንድ ካብ በርሚንግሃም ሲቲ ናብ ዶርትሙንድ ዝተዘዋወረ ቤሊንግሃም፡ ኣብ 2022-23 ኣብ 42 ጸወታታት 14 ሸቶታት ኣመዝጊቡ፡ 7 ሸቶታት ድማ ሓጊዙ።

ንብዙሓት ላዕለዎት ክለባት ኣውሮጳ ነጺጉ ምስታ 14 ግዜ ሻምፕዮን ኣውሮጳ ዝዀነት ማድሪ ዝተጸንበረ እዚ ኣከፋፋሊ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ስጳኛ ዘደንቕ ብቕዓቱ ክዕቅብ ትጽቢት ይገብር።

አርሊን ሃላንድ (ማንቸስተር ሲቲ)

ሃላንድ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ኣብ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ንማንቸስተር ሲቲ ሰለስተ ዋንጫ ክትዕወት ሓጊዙ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሃላንድ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ኣብ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ንማንቸስተር ሲቲ ሰለስተ ዋንጫ ክትዕወት ሓጊዙ’ዩ

ሃላንድ ኣብ ሓደ ዓመተ ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ብሉጽ ተጻዋታይን ብሉጽ መንእሰይ ተጻዋታይን ብሓደ ግዜ ዝተሸለመ ፈላማይ ተጻዋታይ እዩ። እዚ ኖርወጃዊ ምናልባት እቲ ዝያዳ ርኡይ ወራሲ ሮናልዶን ሜሲን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ሃላንድ ኣብ ናይ መጀመርታኡ ዓመተ ውድድር ዝተፈላለዩ ክብረወሰናት በጢሱ እዩ፤ ካብቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ብኣላን ሸረርን ኣንዲ ኮልን ተታሒዙ ዝጸን ክብረወሰን 34 ሸቶታት በሊጹ 36 ሸቶታት ብምምዝጋብ ታሪኽ ሰሪሑ ኣሎ።

እዚ ወዲ 22 ዓመት ተጻዋታይ ኣብ 53 ጸወታታት 52 ሸቶታት ብምምዝጋብ እዩ ነዚ ዓመት ውድድር ዛዚሙ።

ኣብ ታሪኽ ጸወታታት ላዕለዎት ሊጋት እንግሊዝ ኣብ ኩሉ ውድድራት ልዕሊ 50 ሸቶታት ዘመዝገበ ካልኣይ ተጻዋታይ ኰይኑ ኣሎ - እዚ ድማ ድሕሪ 95 ዓመታት ድማ ንፈለማ ግዜ ዝዀነ ፍጻመ እዩ።

ድሮ ንክለብን ሃገርን 229 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ነቲ ብሮናልዶ ዝተተሓዘ ናይ ኩሉ ግዜ ክብረወሰን 837 ሸቶታት ክሰብር ተኽእሎ ኣሎ።

ቨኒስየስ ጁንየር (ሪያል ማድሪድ)

ቨኒስየስ ጁንየር ኣብ 2022-23 ንርያል ማድሪድ 44 ሸቶታት ኣመዝጊቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቨኒስየስ ጁንየር ኣብ 2022-23 ንሪያል ማድሪድ 44 ሸቶታት ኣመዝጊቡ

ማድሪድ ኣብ መጋቢት ኣብ መወዳእታ ዙር 16 ሻምፕዮንስ ሊግ ንሊቨርፑል ድሕሪ ምስዓራ፡ ኣሰልጣኒ ካርሎ ኣንቸሎቲ ንቨኒስየስ "ኣብ ዓለም ዝበለጸ ወሳኒ ተጻዋታይ" ብምባል ከም ዝነኣዶ ይዝከር።

ኣብ ፍርቂ ፍጻመ 2021-22 ንምክልኻል ማንቸስተር ሲቲ ዘሸበረ እዚ ብራዚላዊ፡ ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ኣንጻር ሊቨርፑል ሸቶ ብምምዝጋብ ክለቡ ንኽትዕወት ሓጊዙ እዩ።

ኣብ ኵሉ ውድድራት ዓመተ 22/23 ድማ 23 ሸቶታት ከመዝግብ ከሎ፡ 21 ንሸቶ ዝዀና ኩዓሳሱ ኣቐቢሉ፤ ነዚ ስዒቡ ኣብ ላዕለዎት ሊጋት ኣውሮጳ ብብዝሒ ሸቶታት ድሕሪ ሃላንድን ኪልያን ምባፐን ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ እቲ ዓመተ ውድድር ዛዚሙ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዒላማ ዓሌታዊ ግህሰት ዝዀነ እዚ ተጻዋታይ፡ ብፍላይ ኣብ ዘጋጠሞ ፍጻመ ኣብ ስጳኛን ብራዚልን ቍጥዐ ከም ዘበገሰ ይፍለጥ።

ብድሕሪኡ 7 ሰባት ብተግባራት ዓሌትነት ተቐጺዖም፤ ክለብ ቫለንሽያ ብኸፊል ስታድዮማ ክዕጾ እገዳ ተገይሩላ፡ ቨኒስየስ ድማ ኣካል ሓድሽ ጸረ ዓሌትነት ሓይሊ ዕማም ክኸውን ብፊፋ ተመዚዙ።

ኪልያን ምባፐ (ፓሪስ ሴንት ጀርመይን)

ኪልያን ምባፐ ኣብ 2022-23 ብሉጽ ተጻዋታይ ሊግ 1 ተባሂሉ ተሸሊሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኪልያን እምባፔ ኣብ 2022-23 ብሉጽ ተጻዋታይ ሊግ 1 ተባሂሉ ተሸሊሙ

ፈረንሳዊ ኪልያን ምባፐ ኣብ 2017 ካብ ሞናኮ ናብ ፓሪስ ሴንት ጀርመይን ካብ ዝጽንበር ንደሓር፡ ኣብ 260 ጸወታታት 212 ሸቶታት ዘመዝገበ ክኸውን ከሎ፡ 98 ንሸቶ ዝዀና ኩዓሳሱ ድማ ኣቐቢሉ፤ ክለቡ 13 ናይ ውሽጢ ሃገር ዋንጫታት ክትዕወት’ውን ኣበርክቶ ገይሩ።

ዘይንጸል ኣካል ናይቲ ፈረንሳ ኣብ 2018 ዝረኸበቶ ዓወት ዋንጫ ዓለም ዝዀነ ምባፐ፡ ንጋንታኡ ኣብ 88 ጸወታታት 38 ሸቶታት ብምምዝጋብ'ውን ኣብ ዝርዝር ኣመዝገብቲ ሸቶታት ኣብ 5ይ ደረጃ ተቐሚጡ ኣሎ፡ ካብቲ ክብረወሰን ሒዙ ዘሎ ኦሊቨር ጂሩድ ድማ ብ15 ሸቶታት ጥራይ ድሒሩ ይርከብ።

ኢንግሊዛዊ ጀፍ ሃርስት ኣብ 1966 ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ሃትሪክ ዘመዝገበ ተጻዋታይ እዩ፤ ብድሕሪ’ዚ ምባፐ ኣብ ዝሓለፈ ዋንጫ ዓለም ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ሃትሪክ ኣመዝጊቡ'ኳ እንተነበረ፡ ፈረንሳ ብኣርጀንቲና ተሳዒራ ብተኸታታሊ ንኻልኣይ ግዜ ዋንጫ ክትዓትር ኣይከኣለትን።

ውዕሉ ድሕሪ 2024 ከም ዘየሐድስ ንፒኤስጂ ኣፍሊጡ’ዩ፤ እታ ሻምፕዮን ፈረንሳ ክለቡ ኣብዚ ክራማት ነዚ ኣጥቃዓይ ክትሸይጥ እንተወሲና፡ ብዙሓት ክለባት ንምባፐ ክገዝኣ ከም ዝኽእላ ይግመት።

ነይማር (ፓሪስ ሴንት ጀርመይን)

ብሰንኪ ማህረምቲ ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመተ ውድድር ዘይተሰለፈ ነይማር (የማን) ምስ ደቂ ጋንትኡ ኣብ ስነስርዓት ዋንጫ ሊግ 1 ተጸንቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ ማህረምቲ ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመተ ውድድር ዘይተሰለፈ ነይማር (የማን) ምስ ደቂ ጋንትኡ ኣብ ስነስርዓት ዋንጫ ሊግ 1 ተጸንቢሩ

ኣብ 31 ዓመት ዕድመኡ ነይማር ኣብ ኩዕሶ ዓለም ሓድሽ ኣይኰነን፤ እዚ ብራዚላዊ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ከዋኽብቲ ምዃኑ ኣየካትዕን።

እዚ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኵሉ ውድድራት 35 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ኣዋርሕ ግን ብሰንኪ ብጉድኣት ኣይተጻወተን።

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ነይማር ኣብ ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ኣንጻር ክሮኤሽያ ዘመዝገባ ሸቶ ንሃገራዊት ጋንታኡ ዘመዝገባ መበል 77 ሸቶ እያ ነይራ፤ እዚ ድማ ምስቲ ብፔለ ዝተተሓዘ 'ወግዓዊ' ክብረወሰን ሸቶ ደቂ ተባዕትዮ ብራዚል ማዕረ ክኸውን ኣኽኢልዎ።

እቲ ክብረወሰን ናይ ብሕቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ዘካትዕ ኣይኰነን።