ዓወት ኣማን ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ኰይኑ
![ዓወት ኣማን [የማናይ] ኣብ እዋን ዙር ርዋንዳ 2023](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/c91c/live/5764ec00-134f-11ee-816c-eb33efffe2a0.jpg.webp)
ሎሚ፡ ኣብ ጐደናታት ርእሰ ከተማ ኤርትራ - ኣስመራ - ኣብ ዝተኻየደ 174 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ዩሲኣይ ኣብ ትምህርቲ ዝርከብ ዓወት ኣማን ቀዳማይ ወጺኡ።
ንዓወት ኣማን ስዒቡ ተቐዳደማይ ጋንታ ኤሪቴል ጴጥሮስ መንግስ ካልኣይ ኣትዩ።
ዓወት ኣማን ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት’ውን ቀዳማይ ብምውጻእ ድርብ ወርቂ መዳልያ ክሽለም በቒዑ ኣሎ።
ኣብ ናይ ዓበይቲ ንኣማን ተኸቲሎም ጴጥሮስ መንግስ ካልኣይ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሳልሳይ ብምዃን ተዓዊቶም።
ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ንዓወት ኣማን፡ ጴጥሮስ መንግስ ካብ ክልብ ኤሪተል ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ካብ ጋንታ ኢንተርማርች ብተርታ ዕዉታት ኰይኖም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Awet Aman
ጸወታ ከመይ ነበረ?
ጸወታ ኣብ ምጅማሩ’ዩ፡ ኣኽሊሉ ገብረህይወት፡ ሳሙኤል ምስግናን ኤፍሬም ገብረህወትን ዝነበርዎም ሓሙሽተ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ስለዝሃደሙ፡ ጸወታ ኣብ ምጅማሩ’ዩ ረሲኑ።
ክሳብ ራብዓይ ዙርያ ተጻወትቲ ኣብ ክልተ ጕጅለታት ተፈላለዮም ክኸዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ ዓባይ ጕጅለ ናትናኤል ብርሃነ፡ ሜሮን ተሾሞ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ መትከል እዮብ፡ ኣማንኤል ገብረእግዚኣብሄር ዳዊት የማነ ሚልክያስ ቅዱስን ዝርከብዎም 11 ተቐዳደምቲ ካብ ዓባይ ጕጅለ ተፈንጪሎም ብምውጻእ ናቶም ጕጅለ ፈጠሩ።
ቻምፕዮን ኤርትራ ዝሓለፈ ዓመት መርሃዊ ቅዱስ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ንኣኽሊሉ ኣረፋይነን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ከኣ ንዓባይ ጕጅለ ንምርካብ ኣብ ምርብራብ እንከለዉ መርሃዊ ቅዱስ ብሽክለታ ስለዘበላሸወቶ ኣብ ቀዳመይትን ካልኣይትን ጕጅለ ናህሪ ዛየደ።
ካብ ካልኣይቲ ጕጅለ ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ዓወት ኣማን ሓደ ናይ ጋንታ ሰንበል ተጻዋታይን ካብ ካልኣይቲ ጕጅለ ብምውጻእ ናቶም ጕጅለ ክፈጥሩ ክኢሎም ነይሮም፤ ዓባይ ጕጅለ ግን ዕድል ኣይሃበቶምን።
ኣብ ዓባይ ጕጅለ ተደጋጋሚ ናይ ምምላቝ ፈተነታት ይካየድ ነይሩ፤ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ መትክል እዮብ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ናቶም ጕጅለ ፈጢሮም።
ተጻወትቲ ሸውዓተ ዙር ምስ ኣልዓልሉ፡ በዓል ሄኖክ ምሉእብርሃን ዝርከብዎም ንመራሒት ጕጅለ ስለዘርከብዋ መብዛሕትኦም ፕሮፈሽናል ተጻወትቲ ዝርከብዎም 15 ተጻወትቲ ኣብ ቅድሚት ሓንቲ ጕጅለ ፈጠሩ።
መርሃዊ ቅዱስ ንካልኣይቲ ጕጅለ መሪሑ ናብ ቀዳመይቲ ጕጅለ ኣብ ዘራኸበሉ፡ ኣማንኤል ገብረእግዚኣብሄርን መትከል እዮብን ሓሙሻይ ርእሶም ኣብ ቅድሚት ጕጅለ ብምፍጣር ንጸወታ ዓቢ መቐረት ወሰኽሉ።
ኣብ ዓስራይ ዙርያ፡ ቀዳመይትን ካልኣይትን ጕጅለ ተጠርኒፈን፣ ብርክት በሉ ተቐዳደምቲ ምስ ዓባይ ጕጅለ ዘለዎም ፍልልዮም እናኣግፍሑ ንጸወታ ሓደ መልክዕ ከትሕዝዎ ጀሚሮም።
ኣብ ዳሕረወይቲ ጕጅለ ዝነበሩ በዓል መርሃዊ ቅዱስ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ግን በታ ቀዳመይቲ ጕጅለ ስለዘይቀሰኑ ነታ መራሒት ጕጅለ ክፍትንዋ ጀሚሮም።
ዝበዝሐ ፈተነታት ምምላቝ ኣብ ዓቐበት ፎርቶ’ዩ ዝፍጠር ነይሩ።
ክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ክኸውን ዝኽኣለ ናትናኤል ብርሃነ ካልኣይ ርእሱ ናብ መራሒት ጕጅለ ክሕወስ እንከሎ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን’ውን ሻውዓይ ርእሱ ናቱ ጕጅለ ብምምስራት ንመራሒት ጕጅለ ንምርካብ ኣብ ምርብራብ ኣተዉ።
ጸወታ ክዛዘም ሓሙሽተ ዙርያታት ምስ ተረፎ፡ ኣብ መንጐ ቀዳማይትን ካልኣይትን ጕጅለ ዝነበረ ፍልልይ 35 ካልኢት’ዩ ነይሩ፤ ኣብ ካልኣይቲ ጕጅለ ምህላዉ ዘይቀሰነ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ሄኖክ ምሉእብርሃን ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ነታ ካልኣይቲ ጕጅለ ብምስሓብ ፍልልያቱ ከጽብብ ተራእየ።
ካብ መራሒት ጕጅለ ብተደጋጋሚ ናይ ምምላቕ ፈተነ’ኳ ይካየድ እንተነበረ፡ ኣድማዒ ግን ኣይነበረ፤ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ካልኣይ ርእሱ ኣብ ከባቢ ማይ ጭሆት ዝገበሮ ናይ ምምላቝ ፈተን ግን ነታ መራሒትጕጅለ ኣብ ከቢድ ሃልኪ ከእትዋን ንገለ ተቐዳደምቲ ካብ መራሒት ጕጅለ ንኽተርፉ ኣገዲዱ’ዩ።
ኣብ ዓቐበት ፎርቶ ዳዊት የማንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ በይኖም ፈንጢሶም ብምውጻእ ንጸወታ ሓዊ ወሰኽሉ። ከም ውጽኢቱ’ውን መራሒት ጕጅለ ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ጕጅለታት ተፈናጨለት።
ምትሕቝቋን መራሒት ጕጅለ ዳዊት የማነ፡ ዑቕቦም ተስፋማርያም፡ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሜሮን ተሾመን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ዘለዉዋ መራሒት ጉጅል ፍልልያ ከተግፍሕ ስለዝጀመረት ሓገደኛ ጕጅለ ተባሂላ ክትግለጽ ትኽእል ኰነት።
ጸወታ ክዛዘም 40 ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ሄኖክ ምሉእብርሃን ዝርከባ ጕጅለ ንኻልኣይቲ ጕጅለ ስለዘርከበታ ናህራ ክትውስኽ ተራእየት፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኪሎሜተር ብዙሕ ፍጻመታት እናተራእየ መን ምስ ኣየነይቲ ጕጅለ ኣሎ ክትፈልየሉ ዘየኽእል ፍጥነት ዘለዎ ጸወታ ክርአ ጀመረ።
መትከል፡ ሄኖክ፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ዩኤል ሃብትኣብን ክልኣይቲ ጕጅለ ብምፍጣር ንመራሒት ጕጅለ ስግኣት ክፈጥሩላ ጀመሩ።
ዕወት ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር 2023 ኣማንኤል ገብረእግዚኣብሄርን ዳንኤልን ተኽለሃይማኖትን ዝርከቦም ሳልሰይቲ ጕጅለ’ውን ንካልኣይቲ ጕጅለ ንምርካብ ብተሪር እስካቶ ክዝውሩ ተራኣዩ፤ ጕጅለታት ንሓድሕደን ንምትህድዳን ኣብ ዝገብራኦ መሳጢ ጸወታ ከኣ ተዓዛብቲ ብበርቱዕ ጣቕዒት የሰንይዎም ነይሮም።
ጸወታ ክዛዘም ሰለስተ ጅሮ ምስ ተረፎ፡ ሄኖክ፡ ናትናኤል ብርሃነን ዩኤል ሃብትኣብን ኣብ ዓቐበት ፎርቶ ካብ ካልኣይቲ ጕጅለ ሃዲሞም ብምውጻእ ንመራሒት ጕጅለ ተጸግዕዋ። ኣብ ከባቢ ሲቲ ፓርክ’ውን ናብ መራሒት ጕጅለ ተጸንበሩ።
ሸሞንት ተቐዳደምቲ ኣብ ቅድሚት ጸወታ ይቕጽል።
ጸወታ ክዛዘም ክልተ ዙርያ ምስ ተረፎ ኣብ መንጐ ቀዳመይትን ካልኣይትን፡ 38 ካልኢት ፍልልይ ተነጺፉ ነይሩ።
ጴጥሮስ መንግስ ተቐዳደማይ ጋንታ ኤሪተል፡ ካብ ካልኣይቲ ጕጅለ ብምህዳም ናብ መራሒት ጕጅለ ንምርካብ ዘርኣዮ ጻዕሪ፡ ተጻወትቲ ዞባ ማእከል ካብ ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ሰናፋት ከምዘይኮኑ ዘርኢ እዩ ነይሩ። ጸወታ ክዘዘም ሓደ ዙርያ ምስ ተረፎም ከኣ ጴጥሮስ መንግስ ናብ መራሒት ጕጅለ ተጸንበረ።
ደወል ተደዊላ፡ ተቐዳደምቲ 10.2 ኪሎሜተር ዝሓዘት ሓንቲ ዙርያ ተረፈት፤ ኣብ ቅድሚት ትሽዓት ተቐዳደምቲ፡ ኣብ ካልኣይቲ ጕጅለ መትከል እዮብ ዘለዎም ሰለስተ ተቐዳደምቲ፡ ኣብ ሳልሰይቲ ጕጅለ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ካልኣይ ርእሱ፤ ኣብ መንጐ ቀዳመይቲ ጕጅለን ሳልሰይቲ ጕጅለን 37 ካልኢት ጥራይ።
ኣብ ከባቢ ኪት ካት ቀዳመይትን ካልኣይትን ጕጅለን ኣብ ሓደ ተጠርኒፈን።
ኣብ ዓቐበት ፎርቶ ዳዊት የማነ ንመራሒት ጕጅለ ስካቶ ብምግባር ራሕሪሕዎም ተዓዝረ። እንተዀነ ብናትናኤል ብርሃን ዝተቐለሰ ስካቶ ክገድፎ ኣይክኣለን።
ኣብ ከባቢ ጐደና ሰማእታት፡ መራሒት ጕጅለ ስካቶታት ስለዝበዝሓ ኣብ ዝተፈላለያ ጕጅለታት ተመቓቐለት።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ዓወት ኣማንን ጴጥሮስ መንግስን ተፈንጪሎም ብምምጻእ ኣማን ብቮላታ ንጴጥሮስ መንግስ ብምስዓር ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ኰይኑ።
ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኤርትራ ዝዀኑ
- 2023፡ ዓወት ኣማን
- 2022፡ መርሃዊ ቅዱስ
- 2021፡ ዳዊት የማነ
- 2020፡ ብምኽንያት ኮቪድ ኣይተኻየደን
- 2019፡ ናትናኤል ብርሃነ
- 2018፡ መርሃዊ ቅዱስ
- 2017፡ ሜሮን ኣብርሃም
- 2016፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2015፡ ናትናኤል ብርሃነ
- 2014፡ ኣማንኤል ገብረእግዚኣብሄር
- 2013፡ ሜሮን ተሾመ
- 2012፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2011፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







