ብራዚላውያን ተጻወትቲ፡ ‘ዓሌትነት’ ንምቅዋም፡ ፀሊም ማልያ ተኸዲኖም ናብ ሜዳ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል፡ ኣንጻር ጊኒ ኣብ ዘካየድዎ ምሕዝነታዊ ጸወታ ኩሎም ጸሊም ክዳን ብምልባስ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ንዝረአ ‘ዓሌትነት’ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም።
ተጻወትቲ እታ ጋንታ ኣብ ቀዳማይ እብረ ጸዋታ፡ ጸሊም ጥራይ ተኸዲኖም ዝኣተዉ ዀይኖም፡ ኣብ ካልኣይ እብረ ድማ፡ መፍለዪ ጋንታ ብራዚል ዝዀነ ብጫ ብሰማያዊ ዝደመቐ ማልያ ተኸዲኖም ተመሊሶም።
ኣብቲ ኣብ ባርሴሎና ዝተኻየደ ምሕዝነታዊ ጸወታ፡ ብራዚል ኣንጻር ጊኒ 4ብ1 ተዓዊታ።
ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል፡ ኣባል ጋንታኣ ዝዀነ ቪኒስየስ ጁንየር፡ ብተደጋጋሚ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ምስ በጽሖ ንዓሌትነት ቦታ የበልናን ዝብል መልእኽቲ እያ ኣመሓላሊፋ።
ወዲ 22 ዓመት ኮኾብ ተጻዋታይ ቪኒሲየስ ጁንየር ኣብ ስጳኛ ምስ ክለብ ርያል ማድሪድ ኣብ ዝጻወተሉ እዋን፡ ሕብሪ ቆርበቱ መሰረት ዝገበረ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ይወርዶ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ግንቦት ማድሪድ ኣብ ልዕሊ እቲ ተጻዋታይ ናይ ጽልኢ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ንኣኽበርቲ ሕጊ ስጳኛ ምግላጻ’ውን ዝዝከር እዩ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ልዕሊ እቲ ብራዚላዊ ተጻዋታይ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ 7 ውልቀሰባት ተቐጺዖም እዮም።
ካብዚኦም እቶም 4 ብድምር 60 ሽሕ ዩሮ ተቐጺዖም ንኽልተ ዓመት ናብ ስታድዩም ከይኣትዉ ዝተኣገዱ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ካብ 18-21 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰለስተ ውልቀሰባት ድማ ብድምር 5 ሽሕ ዩሮ ክቕጽዑን ንሓደ ዓመት ናብ ስታድዩም ከይኣትዉን ተኣጊዶም።
ኣብ ናይ ትማሊ ፀወታ ቪኒስየስ ናይ መወዳእታ 4ይቲ ሸቶ ንጋንታ ብራዚል ብናፃ ቅላዕ ኣመዝጊቡ።
ንፈለማ ግዜ ንሃገሩ ዝተጻወተ ማእኸላይ ተጻዋታይ ኒውካስል ጆሊንተን፡ ኣብ መበል 27 ደቒቕ ንብራዚል ቀዳመይቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ሃገሩ ክትመርሕ ኣኽኢሉዋ።
ሮድሪጎ ድማ ካልኣይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ።
ተጻዋታይ ጊኒ ጓራሳይ ብርእሱ ኩዕሶ ምስ መርበብ ብምርኻብ፡ እታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብ ጸወታ መሊስዋ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ብራዚል ብሚሊታኦ ኣቢላ ሳልሰይቲ ሸቶ ብምምዝጋባ ብድምር 4ብ1 ተዓዊታ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







