ዩክረይን ምሩኻት ወተሃደራታ ንዝጸዓነት ነፋሪት ሩስያ ብምህራማ ንሞስኮ ከሲሳ

ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ምስታ ምሩኻት ዩክረይን ጽዒና ኣብ ምዕራባዊ ሩስያ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ብዝተሓሓዝ፡ ሩስያ፡ “ብህይወት ዩክረይናውያን እሱራት ትጻወት ኣላ” ክብል ከሲሱ።

እቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ዩክረይን ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ቤልጎሮድ ብረቡዕ ዘጋጠመ ሓደጋ ዓለምለኻዊ ምጽራይ ክግበረሉ እውን ጸዊዑ።

ሩስያ ካብታ ኣይኤል-76 ዝዓይነታ 65 ዩክረይናውያን ምሩኻት፡ ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ሰለስተ ሓለውትን ጽዒና እናበረረት ብዩክረይን ተወቒዓ ዝወደቐት ነፋሪት ብህይወት ዝተረፈ ከምዘየለ ገሊጻ።

ሞስኮ እቶም ዩክረይናውያን ምሩኻት ምስ ሩስያውያን ምሩኻት ንምልውዋጥ ይጓዓዙ ምንባሮም ኣፍሊጣ።

ወተሃደራዊ ድሕነት ዩክረይን፡ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገብርዎ፡ እታ ነፋሪት ክትሓልፍ ካብ ወገን ሩስያ ከምዘይተነገሮም ይሕብር።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብረቡዕ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሩስያውያን ብህይወት ዩክረይናውያን እሱራት፣ ብስምዒት ኣዝማዶምን ማሕበረሰብናን ይጻወቱ ምህላዎም ብሩህ እዩ” ኢሉ።

መግለጺ ወተሃደራዊ ድሕነት ዩክረይን፡ ኣብታ ነፋሪት መን ምህላዉ ከይፈለጡ ከምዝሃረሙዋ እዩ ዘረድእ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ እታ ነፋሪት ንታሕቲ ክትወርድን ጸኒሑ ድማ ከቢድ ነትጒ ክስማዕን የርእይ።

ኣመሓዳሪ ግዝኣት ቤልጎሮድ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ጥቓ መንባሪ ኣባይቲ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ከምዝደቐትን ኵሎም ተሳፈርቲ ከምዝሞቱን ገሊጹ።

ኣብ ፈለማ ሰራዊት ሩስያ እታ ነፋሪት ሚሳይል ተጓዓዕዝ ምንባራ ደኣምበር ብዛዕባ እሱራት ምጽዓና ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዘይሃበ ዩክረይንስካ ፕራቫዳ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ።

ምስ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ተተሓሒዞም ዝወጹ ዘለዉ ሓበሬታታት ብናጻ ኣካል ምርግጋጽ ከቢድ እዩ። ወተሃደራዊ ድሕነት ዩክረይን ግን፡ “ብመሰረት እቲ ዝበጻሕናዮ ውዕል ድሕነት ወተሃደራትና ምርግጋጽ ሓላፍነት ሩስያ እዩ” ኢሉ።

“እዚ ሩስያ ኮነ ኢላ ህይወትን ድሕነትን ምሩኻት ኣብ ሓደጋ ተእቱ ከምዘላ ዘመላኽት እዩ” ክብል እውን ወሲኹ።

ሩስያን ዩክረይንን ኲናት ካብ ዝውላዕ ንደሓር ብተደጋጋሚ ምልውዋጥ እሱራት ኣካይደን እየን።

ኤዲተር ቢቢሲ ሩስያ ስቲቭ ሮዘንበርግ፡ ዋላኳ ወራር ዝፈጸመት ሩስያ ባዕላ እንተዀነት፡ብምኽንያት ኣብታ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ንዩክረይን ከም ወራሪት ክተርእይ ትፍትን ኣላ ይብል።

ቅድሚ እቲ ክካየድ ተሓቢሩ ዝነበረ ልውውጥ ምሩኻት፡ ሰብ መዚ ዩክረይን ሩስያውያን ምሩኻት ሒዞም ናብቲ መራኸቢ ቦታ ከምዝኸዱ ይገልጹ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ድማ ምሩኻት ዩክረይን ናብቲ ናይ መለዋወጢ ቦታ ጽዒኖም ኣብ ዘጓዓዕዙሉ ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ነታ ነፋሪት ከምዝወቕዓ ይኸሱ።

ሰብመዚ ዩክረይን፡ “ማሕበረሰብ ዩክረይን ንምክፍፋል ትሰርሕ ኣላ” ክብሉ የጠንቅቑ ኣለዉ።

ኣብ መጀርመርታ እዚ ወርሒ ክልቲአን ሃገራት ብሽምግልና ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝዓበየ ምልውዋጥ ምሩኻት ኣካይደን፤ በዚ መሰረት ዩክረይን 248 ምሩኻት ክትፈትሕ እንከላ ሩስያ ድማ 230 ዩክረይናውያን ምሩኻት ናብ ሃገሮም ኣፋንያ።

ዩክረይን ልዕሊ 8 ሽሕ ወተሃደራትን ሰላማውያንን ዜጋታታ ሕጂ እውን ኣብ ቀይዲ ሩስያ ከምዝርከቡን ካልኦት ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣበይ ከምዝኣተዉ ከምዘይትፈልጥን ትገልጽ።