እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቂ ሰብ ኣብ ማርስ ንሓደ ዓመት እንተ ንነብር ህይወት እንታይ ምመሰለት?
ቅድሚ ገለ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ናብታ ቀያሕ ፕላኔት ማርስ ዝግበር ጕዕዞ፡ ኣብ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ፊልምታት ጥራሕ እንርእዮ ነገር እዩ ነይሩ።
ሎሚ ቴክኖሎጂ ማዕቢሉ ንቕሓትን ተገዳስነትን ተመራመርቲ እናዓበየ ምስ ከደ ግን ናብ ማርስ ዝግበር ጕዕዞ ክውን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
ነዚ ከም ቅድመ-ምድላው ብምሕሳብ፡ ሰባት ናብ ማርስ ክጓዓዙ እንተዀይኖም ዘጋጥሞም በዳሂ ሃዋህው ንኽለማመዱ ብዝብል፡ ኣርባዕተ ሰባት ብኣምሳያ ማርስ ናብ ዝተዳለወ ቦታ ቅድሚ ሓደ ዓመት ተላኢኾም ነይሮም።
ኣመሪካውያን ኬሊ ሃስተን፡ ሮስ ባርክዌል፡ ናታን ጆንስን ኣንካ ሰላርየን ንሓደ ዓመት ዝነበሮም ጻንሒት ከመይ ነይሩ?
ተመራመርቲ ንመጻኢ ናብ ማርስ ክገሹ ከለዉ እንታይ ከጋጥሞም ከም ዝኽእልን ህይወቶም እንታይ ከም ዝመስልን ብኣጋ ንምፍላጥ ብዝብል፡ ኣብ ሂዩስተን ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ማእከል ምርምር ህዋ፡ ሞዴል ማርስ ፈጢሮም ኣለዉ።
ናብቲ ብኣምሳያ ማርስ ዝተዳለወ ቦታ ዝተላእኩ ኣርባዕተ ተመራመርቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት'ዮም ኣብኡ ጸኒሖም። ኣብቲ ጻንሒቶም ከኣ ካልኦት ተመራመርቲ ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ናይቶም ኣርባዕተ ውልቀሰባት ብቐረባ ብምክትታል ዝተፈላለየ ዕማማት ክፍጽሙ ይእዝዝዎን ነይሮም።
እቶም ኣርባዕተ ውልቀሰባት ንመወዳእታ ግዜ ናብ ሰማይ ካብ ዝጥምቱ ሓደ ዓመት ሓሊፍዎም ኣሎ። ካብ ዝፈትውዎም ቤተሰቦምን ፈተውቶምን ካብ ዝፈላለዩ'ውን 12 ኣዋርሕ ኣሕሊፎም።
ን370 መዓልታት ካብ ካልእ ክፋል ዓለም ተነጺሎም፡ ኣብቲ ምስ ማርስ ዝመሳሰል ኵነታት ጸኒሖም ኣለዉ። እዚ ጻንሒቶም ድማ ናሳ ካብ ዘካየዶም ቅድመ-ምድላዋት መገሻ ዝምራሕ ዝነውሐ ምድላዋት በረራ ህዋ እዩ።
ቀንዲ ዕላማ ናይዚ መጽናዕቲ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕና ናይቶም ንመጻኢ ናብ ማርስ ዝጓዓዙ ሰባት ውሑስ ምዃኑ ብኣጋ ንምርግጋጽ ከም ዝዀነ'ዩ ዝግለጽ።
በዚ ሕጂ ዘሎ ቴክኖሎጂ፡ ደቂ ሰብ ናብ ማርስ ጕዕዞ እንተ ዝጅምሩ ናብታ ቀያሕ ፕላኔት ንምብጻሕ 9 ኣዋርሕ ምወሰደ።
ተመራመርቲ ናብታ ብሚልዮናት ኪሎሜተራት ርሒቓ እትርከብ ማርስ ናውቲ ህንጻ ሒዞም ክጓዓዙ ስለ ዘይሕሰብ፡ እቶም ኣርባዕተ ሰባት ኣብታ ፕላኔት ብዘሎ ዝመስል ጸጋታት፡ ህንጸት ከካይዱ ዕዮ ተዋሂብዎም ነይሩ።
ተመራማሪት ናሳ ሱዛን ቤል፡ ኣብ ማርስ ዘሎ ልዑል ስሕበትን ልዑል ደረጃ ጨረርታን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብልክዕ ቅዳሕ ማርስ ኣብ ምድሪ ምፍጣር ፍጹም ዘይሕሰብ ምዃኑ ትዛረብ።
"እንተዀነ፡ ናብ ማርስ እንተ ተጓዒዝና እንታይ ከጋጥመና ከም ዝኽእል ንምግማት ዘኽእል ቅርበት ዘለዎ ነገር ንምፍጣር ፈተነታት ተገይሩ'ዩ፡" ትብል ወሲኻ።
እቶም ኣርባዕተ ውልቀሰባት ንሓደ ዓመት ምሉእ፡ ናብ ጠፈር እንተ ተጓዒዞም ክበልዕዎ ዝኽእሉ ዕሹጋት መግብታት ጥራሕ እዮም ሰኒቖም። ኣብ ዝተዳለወሎም ንእሽቶ ቦታ'ውን ንመግቢ ዝውዕል ነገራት ከም ዘብቍሉ ተገይሮም።
ኣብ እዋን ጻንሒቶም እቲ ዝኸበደ ብድሆ ዝነበረ ምልውዋጥ ሓበሬታ እዩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ መሬትን ማርስን ዘሎ ኣዝዩ ነዊሕ ርሕቀት፡ ካብ መሬት ዝለኣኽ መልእኽቲ ናብ ማርስ ንምብጻሕ 24 ደቓይቕ ይወስድ። ኣርባዕቲኦም ንፈተነ ዝተዋፈሩ ሰባት፡ ሕቶ ልኢኾም መልሲ ንምርካብ ን48 ደቓይቕ ክጽበዩ ነይርዎም።
እዚ ማለት ከኣ እቶም ጠፈርተኛታት ህጹጽ ምላሽ ዝሓትት ጸገም እንተ ኣጋጢምዎም፡ ብዘይ ደገፍ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ክኢላታት ነቲ ብድሆ ባዕሎም ክፈትሕዎ ይግደዱ።
እቶም ኣርባዕተ ውልቀሰባት ንሓደ ዓመት ኣብ ዝጸንሕሉ ኵነታት፡ ቴክኒካዊ ጸገማትን ዘይተጸበይዎ ብድሆታትን ንኸጋጥሞም ተገይሩ ነይሩ።
ሱዛን ቤል፡ እቶም ኣርባዕተ ውልቀሰባት ዘይተጸበይዎ ፈተና ክሓልፉ ዝተገበረሉ ምኽንያት፡ ተመራመርቲ ብትኽክል ናብ ማርስ ኣብ ዝጓዓዙ ብዘይ ሓገዝ ካልኦት ኣብ ቅኑዕ ውሳነ ንምብጻሕ ውሳነታት ክወስዱ ንምፍላጥ ምዃኑ ትዛረብ።
እቶም ኣርባዕተ ውልቀሰባት ዝገብርዎ ናይ ሓደ ዓመት ጻንሒት ንመጻኢ ናብ ማርስ ንዝግበር ጕዕዞ መበገሲ ከም ዝኸውን እኳ እንተ ተኣመነ፡ ነቲ ፈተነ ዝነቐፉ እውን ኣለዉ።
ገሊኦም ነቐፍቲ'ውን ንደቂ ሰብ ናብ ማርስ ምልኣኽ ኣዝዩ ክቡርን ድሕነት ንምርግጋጽ ዘይከኣልን ምዃኑ ብምግላጽ ይምጕቱ።
ምክትል ፕረዚደንት ኣካዳሚ ሳይንስ ሩስያ ሌቭ ዘለንስኪ፡ ንደቂ ሰብ ናብ ማርስ ዝልኣኸሉ ዘተኣማምን መንገዲ ከይተረኸበ፡ ከመይ ገይርካ ኣብ ማርስ ትነብር ዝብል ሕቶ ንምምላስ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ብምግላጽ ነቒፉ።