እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መዓሙቚ ምድሪ እንታይ ኣጋጢሙ'ዩ ዝብሃል ዘሎ?
ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት መዓሙቚ ከርሲ ፕላኔት ምድሪ ቅርጹ ተቐይሩ ክኸውን ከምዝኽእል ተመራመርቲ ገሊጾም።
ከርሲ ምድሪ ናይ ኩዕሶ ቅርጺ ከምዘለዎ'ዩ ዝእመን፡ እንተኾነ ግን ጫፋቱ ብ100 ሚትሮ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ተቐይሩ ከምዝኽእል ነቲ ምርምር ዝመርሐ ፕሮፌሰር ጆን ቪዳል ተዛሪቡ።
እቲ ህይወት ብጸሓይ ከይነድድ ዝከላኸል ማግነቲካዊ ዓንኬል (magnetic field) ዘፍሪ ከርሲ መሬት ትርግታ ናይዛ ውቅብቲ ፕላኔት ተገይሩ ዝርአ እዩ።
እቲ ከዋሕ ከርሲ ምድሪ ካብቲ ደጋዊ ማያዊ ገጽን ዝተረፈ ክፋላትን እታ ፕላኔት ተነጺሉ'ዩ ርእሱ ክኢሉ ዝዘውር።
ብዘይ እዚ ምንቅስቓስ፡ ልክዕ ከምታ ቅድሚ ቢልዮናት ዓመታት ማግኔታዊ ዓንኬላ ዝሰኣነት ማርስ፡ ምድሪ ሞይታ ጸምጸም በረኻ ጥራይ ኮይና ምተረፈት።
እቲ ዝብሃል ዘሎ ለውጢ ቅርጺ ኣብ ከባቢ ናይቲ እቲ ተሪር ውሽጣዊ ኣካል (ሶሊድ ኢነር ኮር) ምስቲ ብኣዝዩ ውዑይ ፈሳሲ ዓረ ዝቖመ (ኣውተር ኮር) ዝራኸበሉ ጫፋት ዘጋጠመ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ውጽኢት እቶም ተመራመርቲ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣብቲ ፍሉጥ መጽሄት 'ሳይንቲፊክ ጆርናል ኔቸር ጂኦሳይንስ' ተሓቲሙ'ሎ። እቶም ሊቃውንቲ፡ ስለምንታይ ናህሪ ናይቲ ኣብ ከርሲ ምድሪ ዘሎ ዓረ ብመንጽር ዙረት እታ ፕላኔት ጐዲሉ፡ መሊሱ ድማ ኣብ 2010 ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ ንምርዳእ'ዮም ነቲ መጽናዕቲ ኣበጊሶሞ።
ምንቅስቓስ ናይዚ ኣብ ከርሲ ምድሪ ዝርከብ ኣካል ምፍላጥ ነቲ ሓለዋ ናይታ ፕላኔት ዝኾነ ማግነቲካዊ ዓንኬል ንምርዳእ፡ ከምኡ'ውን የዳኽሞ ድዩ ወይ ደው የብሎ ንምግምጋም ዝሕግዝ'ዩ።
ውሽጣዊ ከርሲ ፕላኔትና ብዙሕ ምስጢራት ዝዓቖረ'ዩ።
እቲ መዓሙቚ ካብ ገጽ እታ ፕላኔት ኣስታት 4,000 ማይልስ ንውሽጢ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ፡ ዛጊት ተመራመርቲ ብቐጥታ ክበጽሕዎ ዘይክኣሉ ክፋል እዩ።
ስለዚ ድማ'ዮም ሓበሬታ ንምርካብ ገለ ተመራመርቲ ነቲ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኽሰት ማዕበል ነውጺ ክዕቅኑ ዝቀዳደሙ።
እቲ ማዕበል ዝጓዓዘሉ መገዲ እንታይ ዓይነት ኣካል (ንኣብነት ከርሲ ምድሪ) ከምዝሓለፈ ኣመት ክህብን፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና እንታይ ከምዘሎ ገለ ስእሊ ንምርካብን ይሕግዝ'ዩ።
እዚ ሓድሽ መጽናዕታዊ ትንተና ካብ 1991 ክሳብ 2023 ኣብ ሓደ ቦታ ብዝተኻየደ ምስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሓሓዝ ምንቅስቓስ መሰረት ዝገበረ'ዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ካሊፎርንያ ተመራማሪ ስነምድሪ ዝኾነ ፕ/ር ቪዳል፡ ነቲ ከርሲ ምድሪ ኣብ ከባቢ 2010 ናህሩ ኣጒዲሉ ነይሩ ዝብል ክልስ-ሓሳብ ዝድግፍ ጭብጥታት ክረክብ ክኢሉ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ፡ እቲ ከርሲ ምድሪ ቅርጹ ይቕይር ከምዘሎ ዘመልክት ሓበሬታ ኣዋህሊሉ ኣሎ።
እቲ ለውጢ ኣብቲ እቲ ውሽጣዊ ኣካል ናብ ፈሳሲ ዝመከሉ፡ ኣብ ሞንጎ ከርሲን ወጻኢ ክፋልን (ኣውተር ኮርን) ዘሎ ወሰናስን ዘጋጠመ'ዩ ዝመስል ይብሉ እቶም ተመራመርቲ። እቲ ሻቕሎት፡ ዋሕዚ ናይቲ ብውዑይ ፈሳሲ ዝግለጽ ኣውተር ከር ከምኡ'ውን ዘይምዕሩይ ስሕበትን ንቅርጹ ከመዛብሎ ስለዝኽእል'ዩ።
ኣካል ናይቲ መጽናዕቲ ዘይኮነ ፕ/ር ህርቮጅ ትካልሲክ ካብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያ ከምዝበሎ፡ እቲ መጽናዕታዊ ወረቐት "ዝያዳ ክድህሰስ ዘለዎ ኣገዳሲ መረዳእታ" ኣቕሪቡ'ሎ።
ተመራመርቲ ስነምድሪ "ብዛዕባ ምስ ምፍሕፋሕ ዝምዕብል ዓቐን እቲ ውሽጣዊ ኣካል [ኢነር ኮር] ዝተሓሓዝ ኣገዳሲ ጠባያት ኣካላት ኣብ ሓበሬታ ዝተመስረተ ገምጋም ንክገብሩ ክሕግዞም" ይኽእል'ዩ ድማ ይብል።
ኣብ ዝተናውሐ እዋን እቲ ፈሳሲ ኣካል ኣውተር ኮር ኣዝዩ ምስ ዝሓለ'ዩ ነቲ ተሪር ኢነር ኮር ዝፈጥር። ናብ ከውሒ ንኽቕየር ግን ቢልዮናት ዓመታት'ዩ ዝወስድ።
ኣይግበሮ'ምበር፡ ኣብኡ እንተበጺሑ ግን ህይወት ኣብ ምድሪ ኣብቂዑ ኣሎ ማለት'ዩ። ኣብኡ ከይበጽሐ'ውን ፕላኔት ምድሪ ብጸሓይ ተዋሒጣ ኣላ።
እዚ ዝግበር ዘሎ መጽናዕቲ ኣካል ናይቲ ኣብ መዓሙቚ ከርሲ ምድሪ ዝካየድ ምንቅስቓሳት ንምንጻር ዝዓለመ ጻዕርታት'ዩ።
"ኣብ ስነፍልጠት፡ ንነገራት ክሳብ ንርድኦም ብሓፈሻዊ መንገዲ ኢና ንርእዮም" ይብል ፕ/ር ቪዳል።
"ብዝኾነ እዚ ውጽኢት መጽናዕቲ'ዚ ንመዓልታዊ ህይወትና ክንዲ ፍረ-ኣድሪ'ውን ዝጸልዎ ኣይኮነን፡ ግና ኣብ ከርሲ ምድሪ እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ክንርዳእ ንደሊ ኢና"።
እቲ ተፈጢሩ ዝብሃል ዘሎ ለውጥታት ምስ ማግኔታዊ ዓንኬል ምድሪ ዝተሓሓዝ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
"ኣብ ዝሓለፈ ገለ ዓሰርተታት-ዓመታት እቲ ማግነቲካዊ ዓንኬል ሃንደበታዊ ምንቅስቓስ ኣጋጢምዎ ነይሩ። እዚ ምስቲ ኣብ ወሰናስን ውሽጣዊ ኣካል ንዕዘቦ ዘለና ዝተኣሳሰር ምዃኑን ዘይምዃኑን ክንርድኦ ንደሊ"።
ዝኾነ ኮይኑ፡ ፕ/ር ቪዳል ክምሕጸኖ ዝደሊ፡ እዚ መጽናዕቲ'ዚ እቲ ከርሲ ምድሪ ኣብ ቀረባ እዋን ዙረቱ ደው ከብል'ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ከይምዕብል'ዩ።
ብዙሕ ዘይተነጸረ ነገራት ከምዘሎ'ውን እቲ ተመራማሪ ኣመልኪቱ'ሎ።
"ቅኑዕ ትንተና ምግባርና ሚእቲ ካብ ሚእቲ ርግጸኛታታት ኣይኮናን" ዝበለ ፕ/ር ቪዳል ዶባት ሳይንሳዊ ፍልጠት ኩሉ ግዜ ዝለዋወጥ'ዩ። ዝበዝሑ ወይ ኩሎም ተመራመርቲ ግጉይ መደምደምታ ዝበጽሓሉ እዋን ከምዘሎ'ውን ይእመን'ዩ።