እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተኽእሎ ከቢድ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኤርትራ ብዓይኒ ክኢላ ስነምድሪ
ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት በብእዋኑን ኣብ ዝተፈለላዩ ቦታታት ኤርትራ ካብ 4 ክሳብ 5.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ክኽሰት ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ኣብ ወርሓት ግንቦት፡ ሓምለን ነሓሰን ኣጋጢሙ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ብረቡዕ 13 መስከረም ምሽት ሰዓት 8፡51 ዘጋጠመ ምንቅጥቃጠ ምድሪ 5.0 ሬክተር ዝዓቐኑ ኰይኑ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ዝተሰምዐን'ዩ።
ምስዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሞሮኮን ቱርክን ህልቂት ዘስዓበ ምንቅጥቃጣት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዝደጋገም ዘሎ ክስተታት'ውን ንብዙሓት ዘሰከፈ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ጠንቁ እንታይ እዩ? ስለምንታይ'ዩ ዝደጋገም ዘሎ? ከስዕቦ ዝኽእል ከቢድ ሓደጋ ይህሉዶ ይኸውን? ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ምስ ሓደ ኤርትራዊ ክኢላ ቃለመሕትት ኣካይድና ኣለና።
ኣቶ ሄኖክ ተወልደ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣብ 1998 ብኣውራ ዓወደ መጽናዕቲ ፊዝክስን ብንኡስ ዓወደ መጽናዕቲ ስነ-ምድርን ብቐዳማይ ዲግሪ ተመሪቝ።
ኣስታት ልዕሊ 22 ዓመት ተመኵሮ ኣብ ፊዝክስ ስነ-ምድሪ ንናይ ምዕቃብን፡ ምሕደራን ዳህሳስን ማይ፡ ሓመድ፡ ኣካባቢ ማዕድንን ከምኡ ውን ኣብ መጽናዕቲ ርግኡነት ስነ ምድሪ ንምህንድስና ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘካየደን ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲታት ዓለም ንምምህርና ዝጥቀማሉ መጽሓፍ ዘሕተመን'ዩ።
ሕጂ ድማ ምዝጉብ ክኢላን ተመራማሪ ስነምድሪ ( Licensed Geoscientist) ኰይኑ ኣብ ግዝኣተ ቴክሳስ ሃገረ ኣሜሪካ ኣብ ኮሚሽን ብቕዓት ከባቢ ይሰርሕ ኣሎ።
ምስ ሄኖክ ተወልደ ዘካየድናዮ ሕቶን መልስን እነሆ፤
ቢቢሲ፤ ብስነፍልጠታዊ ዓይኒ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንይ’ዩ፡ ጠንቅታቱኸ?
ሄኖክ፤ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ ብሕጽር ዝበለ ካብ ገለ ክፋል ምድሪ ዝብገሰ ምንቅስቓስ ምድሪ ወይ ውን ኵለንተናዊ መኣዝናዊ ንየው ነጀው ኣካላት ምድሪ ማለት እዩ (Radial or 3 dimensional oscillatory motion of earth components)።
እዚ ዓይነት ምንቅስቓስ ንሓደ ኣካል ምድሪ ንቕድሚት ንድሕሪት ንየማነ ጸጋምን ላዕልን ተሓትን ምንቅስቓሳት ኣብ ሓደ ክስተት ብድግግም ክተሓሓዝ እንከሎ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ጠንቁ ድማ ካብ ናይ ምንቅስቓስ መላግቦ ምድሪ ይብገስ (Kinetics of plate tectonics)፤ ነዚ ምንቅስቓስ መላግቦታት ድማ ኣብ መንጐ ላዕለዋይ ድርዒ (ደረቕ ምድርን ማያዊ ኣካልን ዝሓዘ) ወይ ክራስትን ኣብ መንጐ ካልኣይ ግዙፍ ቀጸላ ወይ ማንትል ዝተበሃለ ርቕቕ ዝበለ ኣስቶኖስፊር ዝተባህለ ኣዚዩ ግዙፍ ጻዕቂ፡ ባህሪ ፈሳሲ ዘለዎ ግን ስጡም ርዝነት ዘለዎ ክብደት ደረቕ ኣካል ክስከም ዝኽእል ይዅን እምበር ፕላስቲካዊ ባህሪኡ ዕዙዝ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ እንከሎ፡ ነቲ መላግቦ የንቀሳቕሶ እሞ እቲ መላግቦ ድማ ነቲ ኣብ ኣኻውሕ ውሽጢ ምድሪ ዝርከብ ሸታፋት (Faults) የንቀሳቕሶ።
በዚ መሰረት ዝተዓብዓበ ድፍኢት ንኸተንፍስ እሞ ናብ ሚዛን ክመጽእ ስለዝደሊ ከም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኰይኑ ንክኽሰት ይግደድ።
ቢቢሲ፤ መጠን ምንቅጥቃጥ ብምንታይ'ዩ ዝውሰን፡ መዐቀኒ ሬክተርከ እንታይ’ዩ? ዝተፈላለዩ መጠን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዓይኒ ሓደገኛነት ከመይ ይርአ?
ሄኖክ፤ ሬክተር ስኬል ማለት መዓቀኒ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እዩ። እዚ ድማ እቲ ምንቅስቓስ ስነ ምድሪ እቲ ድፍኢት ምስ ናይቲ ክስተት ጻዕቂ ጸዓት ቀጥታዊ ዝምድና ስለዘለዎ ነቲ ብሰሪ እዚ ምንቅጥቃጥ ዝፍጠር ማዕበላት ምድሪ ናታቶም ክብታ (Amplitude) ስለዝተሐሓዝ ብመጠነ መዐየሪ ወይ ሬሽዮ ናይቲ ኣብታ መሳርሒት ሳይስሞግራፍ ዝመጽእ ብሎጋሪዝሚካዊ ስኬል ተጠቒምካ ትዕቅነሉ መጠነ መዐቀን ብርትዐ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቶም ሞያውያን ሞመንት ማግኒትዩድ ስኬል እዮም ዝጥቀሙ፤ ነቲ ተራ ሰብ ግን እቲ ልሙድ ሬክተር ስኬል ስለዝርድኦ ናብኡ ብምቕያር ይገልጹ።
ካብዚ ብምብጋስ ንኣሽቱ ምንፍርፋር እንስሳታት ዝሰምዕዎ ደቂ ሰባት ግን ዘይንሰምዖ ኢንፍራሶኒክ ዝዀነ ትሕቲ 4 ሬክተር ዘበለ ምንም ጉድኣት ከምጽእ ኣይክእልን።
5 ሬክተር ምስዝኸውን ማእከላይ ይብልዎ፣ ብትግርኛ ምንድቕዳቕ ኢልና ክንገልጾ ይከኣል እዩ። 6 ሬክተር ከዐኑ ተኽእሎ ዘለዎ ናብ ምንፍጥፋጥ ዘበለ እዩ። 7 ሬክተር ዝገደደ ኣዕናዊ ክኸውን እንከሎ፡ 8 ኣዚዩ ዝገደደ ኣዕናውን ኣፍራስን እዩ።
9 ኣብራሲ - ኣዚዩ ውሑድ እዋን ዝተራእየ። 10 ድማ ፍጹም ኣጥፋኢ ግን ብመጠነ ዕድላት ምናልባት ኣብ 1000 ዓመት እንተተራእዩ ይብሉ፤ እዚ ንብዙሓት ሃገራት ናይ ምብራስን ምጥፋእን ተኽእሎ ኣለዎ እዩ።
ቢቢሲ፤ ስለምንታይ’ዩ ምንቅጥቃጥ ምድሪ መብዛሕትኡ እዋን ለይቲ ዘጋጥም? እንታይ’ዩ ቀንቁኛኡ?
ሄኖክ፤ ቍንቁኛ መብዛሕትኦም ክስተታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብለይቲ ምዃኑ ምስ ሓይልታት ስሕበት ካልኦት ኣካላት ኣድማስ (Tidal forces) ይተሓሓዝ'ዩ።
ካብ ኵሎም ስሕበታት ግን ንምድሪ ዝቐረበት ናይ ምድሪ ወርሒ ስለዝዀነት እቲ ለይቲ ምዃኑ ምስ ታይዳል ናይ ወርሒ እዮም ክኢላታት ዓውዲ ሳይሲሞሎጂ ዘተሓሕዝዎ።
እዚ ማለት ቅርጺ ምድሪ ይዅን ወርሒ ምስ ዘይምዕሩይ ክባዊ መልክዓ ኣድማሳዊ ፍጡራት ስለዝተሓሓዝ፡ እቲ ምቕናን፡ ምዝባልን ምስፋልን ዝኣመሰሉ ኩርናዓትን ምስኡ ድማ ዙረት ወርሒ ኣብ ገዛእ ርእሳን ዑደት ካብ ማእከል ትኹል ሰንጣቒት ምድርን ክርአ እንከሎ፡ ርሕቀተን ኣብ እዋን ለይቲ ኣባና ስለዝቐርብ ዋላ’ኳ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝበዝሐ ጠንቂ ሓይሊ ውሽጣዊ ይዅን እዚ ናይ ወርሒ ታይዳል ሓይሊ ዝተደመሮ ሪዛልታንትን ምትንፍናን ሸታፋት ስለዘቀላጥፍ፡ ዝበዝሐ ክስተታት ብለይቲ ወይ ወጋሕታ ከጋጥም ተኽእሎ ይህሉ።
ቢቢሲ፤ ኣብ ታሪኽ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ዝበሃል ታሪኽ ዝመዝገቦ እንተሎ ኣበይን መዓስን ዘጋጠመ’ዩ?
ሄኖክ፤ ኣብ ዩ.ኤስ.ጂ.ኤስ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝተራእየ ኣብ ሃገረ ቺለ ኰይኑ ናይ ሓደ ሽሕ ማይልስ ዝርግሐ ኣብ ዘለዎ ነዝካ ኣብ ዝተባህለ መላግቦ ዝርከብ ሸታፍ ዘበገሶ፡ ኣስታት 9.5 ሬክተር ብምዃኑ ማእለያ ዘይብሉ ዕንወት ትሕተ ቕርጽን ብዙሕ መቕዘፍቲ ህይወት ኣኸቲሉ። እቲ ዝነበረ ነውጽን ሱናሚ ምፍሳስ ማያዊ ኣካላትን ምዕልቕላቕን ምስቲ ዝርጋሐኡ ንቺለ፡ ጃፓን፡ ፊሊፒነስ፡ ቻይናን ምብራቓዊ ክፋል ኒውዚላንድን ኣውስትራልያን ማህሰይቲ ኣውሪዱ።
ቢቢሲ፤ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝኽሰት ዘሎ ካብ 4 ክሳብ 5 ሬክተር ምንቅጥቃጣት ብኸመይ ትገልጾ፡ ዓቢ ሓደጋ ክህልዎ ይኽእልዶ?
ሄኖክ፤ ብርግጽ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብመንጽር ትንተና ሓደጋታት ክሳብ ሕጂ ናይ ቅድመ ምድላዋት ስትራተጂ (Proactive Strategies) ንኽግበር ዘይክእል ክስተት ስነ ምድሪ እዩ። እንታይ ደኣ ድሕረ ክስተት ስጕምታት ግብረ መልሲ ምውዳድ እዩ እቲ ተመራጽን ዝሓሸን መስርሕ (Reactive measures)፤
ስለዚ ተደጋጋሚ ማእከላይ ሬክተር ስኬል ማለት ካብ 4 ክሳብ 5 ምምጽኡ ብኣጋጣሚ እዩ እምበር ቀጥታዊ ዝምድና ምዕሪት (Linear relationship) የብሉን።
ይዝከረኒ ኣብ 2014 ኣብ ምሳሕ ስነምድሪ ዝተባህለ ፕሮግራም ዩኒቨርሲቲ ኦፍ በርክሊ ካሊፎርንያ ብዙሕ ግዜ ተሳቲፈ ኣለኹ ነዚ ከቢድን ናይ ዘይቀጥታዊ ክስተት ዝምድና ስነምድርን ቅመራን (Non-linear mathematical correlations) ክሳብ ሕጂ ክትቃንዮ ዝክኣል ትንተና ስለዘይኰነ ንስነፍልጠት ዓቢ ብድሆ ጥራይ ዘይኮነስ ዘይተፈትሐ ቅኔ ተባሂሉ ክጽዋዕ ይከኣል እዩ።
ስለዚ እዚ ማእከላይ ክስተት ድማ ብቐጥታ ከምዚ ስለዝዀነ ኢልካ ጠንቁ ክትፈልን ክትንትንን ኣይከኣልን እዩ።
ብሓፈሻኡ ግን ምንቅስቓስ ሸታፋት ከምዘበግሶም ንፈልጥ። ብመለክዒ ምንቅጥቃጥ ሰነ ምድሪ፡ ስታቲስቲካዊ ቀመር ዩ.ኤስ.ጂ.ኤስ ኤርትራ ኣብ 300 ኪሎ ሜትሮ ጅኦግራፊያዊ ዝርግሐኣ፡ ኣስታት 11 ናይ 4 ሬክተር ስኬል ከምዘጓንፋ ይሕብር።
ቢቢሲ፤ ምስዚ ኣብዚ ቀረባ ዘጋጠመ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈ ምንቅጥቃጣት ኣብ ግምት ብምእታው ብዙሓት ኤርትራውያን ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ ዘለዉ ሻቕሎት ክህልዎም ይኽእል እዩ’ሞ፡ እዚ ዘጋጥም ዘሎ ምልክት ዝዓበየ ሓደጋ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎድ’ዩ፡ ንተኸታተልትና እንታይ ክትብሎም ትኽእል?
ሄኖክ፤ ብሓፈሽኡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝብገስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ትሪፕል ጃንክሽን (ሱላስዊ መላግቦ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዩ።
እዚ ምስሕሓብ ድማ ኣብ መንጐ ኑቢያን ፕለይት ሶማሊያ ፕለይትን ኣራቢያ ዝተባህላ መለጋቦታት ይፍጸም።
እዚ ድማ ምስቲ ነዊሕ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ስርዓተ ስንጭሮ (ሪፍት ቫሊ) ተባሂሉ ኣብ ናይ ስነምድሪ ኣብ 'ሰነዞይክ' ዕምሪ ብማዕቀን ስነምድሪ ዝተፈጥረ ስለዝዀነ ከምቲ ጅኦፍሪካዊ ደረታት ስለዘይኰነ ኣብ ኤርትራ ዝምንጩ ንጐረቤት ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኮነን ዝጸሉ።
ንሱዳን ንምብራቕ ድማ ምናልባት ማእከላይ ምብራቕ ንምዕራብ ክሳብ ቀላይ ኣልበርት ኣብ መንጐ ዩጋንዳን ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክ ኮንጐ ስለዝርጋሕ ናይ ስግግር ወጥሪ ወይ ምስሕሓብ ኣለዎ።
እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ዝተራእዩ ብዘይካ 1921 ዝተኸስተ 6.1 ሬክተር ስኬል 4 ሰባት ዝቐተለ፡ ኣብ ነሓሰ 14, 2021፡ 'ብሰሪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ግዝኣት ኢጣልያ ኣብ ዝነበረት ኤርትራ ዘጓነፈ መከራ፡' ተባሂሉ ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ ሕታም መስከረም 5, 1921 ዘሎ እንተዘይኮይኑ ክሳብ ሕጂ ብመጽናዕቲ ናይ ዩኤስጂኤስ ኵሎም ካብ 5 ሬክተር ስኬል ንታሕቲ እዮም።
ብዛዕባ ከጋጥም ዝኽእል ክሳብ ሕጂ ኣብዛ ንነብራ ዓለም ክትፈልጦ ኣሸጋሪ እዩ። ካብቲ ታሪኻዊ መርድኢታት ናብ ሓበሬታ ዝተሰጋገረ ተበጊሰ ግዳ ከምዚ ዝስዕብ ክብል እፈቱ።
ብመንጽር ናይ ጂፒኤስ መረዳእታታት (Geographical positioning system data) ን ‘ስሊፕ ቬክተር’ ዝተኣመተ ማእከላይ ፍጥነት ኣብ ወርዲ ቀይሕ ባሕርን፡ ሰሜን ደቡብ ምውርዋር ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ስርዓተ ስንጭሮን ካብ 1 ክሳብ 4 ሚሊሜትሮ ኣብ ዓመት ምዃኑ ኣረኣኢኻ ናብ ሚዛን ክመጽእ ዝንቀሳቐስ ሸታፋት ኣዚዮም ዓሞቕቲ ዘይምዃኖም፡ ከምቲ ኣብ በዓል ላቲን ኣሜሪካ ዘሎ መላግቦታት ከምጽእ ከምሰብ ስለዘይጽበይ ብግምት ተስፋ ኣገብር ደሓን ክዀነልና።
ቢቢሲ፤ ከባቢታትን መዓሙቕን ኤርትራ ብመንጽር ዘጋጠመን ከጋጥም ዝኽእልን ምንቅጥቃጣት ገለ ስእሊ ሃበና፡ ኣየኖት ከባቢታት'ዮም ቀንዲ ተቓላዕቲ?
ሄኖክ፤ ኵሉ ግዜ እቲ ካብቲ ምንጪ ዘጋጥመሉ ኣብ ቀረባ ዘሎ እቲ ዘገደደ ነዝነዝታ (Resonance Frequency) ናይቲ ነውጺ ምድሪ ምንቅጥቃጥ ዘይተዳኸመ (unattenuated) ምስ ምዃኑ ዝያዳ ኣብ ቀረባ ዘሎ ይህሰ።
ማለት እቲ ብሰሪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝፍጠር ክብታ (Amplitude) ምስ ጸዓት ብቐጥታ ዝተኣሳሰር፡ ብሰንኪ መጠነ ምግጫው ብዝተፈላዩ ዓሌታት ማዕድንን ኣካውሕን፡ ጅኦሚትሪያዊ ዝርገሐ ብዝነኣሰ ሓይሊ ኣሉታዊ ሓይሊ ቁጽሪ ናይቶም ረቛሒታት እናተራብሐ ክብታ ስለዝንኪ ጸዓት ውን ይንኪ።
ካብተን ረቛሒታት ግን ርሕቀት ካብ ኢፒሰንተር ወሳኒ ምስምዃኑ፡ መጠን ኤርትራ ንእሽቶ ሃገር ብምዃና፡ እቲ ምድሪ ምንቅጥቃጥ ዳርጋ ነታ ሃገር ጥራይ ዘይኮነስ ምብራቓዊ ክፋል ሱዳንን፡ ምዕራባዊ ክፋል የመንን ስዑድን ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያን'ውን ክበጽሕ ዝኽእል ዝርገሐ ኣለዎ።
እንተዀነ፡ ካብኡ ናብኡ ብተዛማዲ እቲ መጠነ ግዙፍ ተጓንፎ ነተን ምስ ስንጭሮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቀረባ ዘለዋ ክዛይድ ትጽበ።
እዚ ማለት ዝበርትዐ ኣብ ዞባታት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ብድሕሪኡ ድማ ዞባታት ደቡብን ማእከልን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዓንሰባ፡ ከምኡ'ውን ካብኡ ናብኡ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝሓሸ'ዩ።
ግን እቲ ዘበገሶ ሽታፍ ምስ መቐነት ስነምድራዊ ቅርጺ (Geo-structural belt) ኣዶብሓ ኣውጋሮ ዝተባህለ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ዝርከብ እንተዀይኑ ግን በንጻሩ ዝኾነ ከጓንፍ ዝኽእል (Scenario) ክኸውን ይኽእል።
ማለት እቲ ዝቐረበ ዞባ ጋሽባርካ ብምዃኑ ዝያዳ ኣብኡ ብድሕሪኡ ዞባ ዓንሰባ፡ ዞባ ደቡብን ማእከልን እቲ ዝሓሸ ድማ ዞባ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ክፋል ኤርትራ ክኸውን እንከሎ፡ ዝያዳ ዝርገሐ ብርታዐ ምንቅጥቃጥ ዝበዝሓ ሃገር ድማ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን ይኸውን።
ስለዚ ምንጪ ሸታፍ ኣበይ ኣሎ ይውስኖ እዩ። ንኤርትራ ግን ንእሽቶ ብምዃና ኣብ ኵሉ ይባጻሕ እዩ። ግን ካብ ታሪኻዊ መረዳእታ ብምብጋስ ማእከላይ ሪክተር ስለዝዀነ ግዙፍ ቁጥዐ ተፈጥሮ ከጓንፍ ብ ተኽእሎን ዕድላትን ኣይጽበይን እየ። ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምላኽ ክሕልዎ ድማ ናብኡ ይገድፎ።
ቢቢሲ፤ ሳዕቤናቱ ብኣጋኡ ንምውጋድን ንምንካይን ብውልቂ፡ ክኢላታት፡ ምምሕዳራትን መንግስታትን ኣቐዲሙ እንታይ’ዩ ክግበር ኣለዎ ትብል?
ሄኖክ፤ ሰዕቤናት ንምውጋድ ዝተዋደደ ናይ ብኣጋኡ ስርዓተ ምክልኻል (Early Warning System) ንብዙሓት ሃገራት ዞባዊ ትካል ክምስረትን ስሩዕ መዋቕር ዝሓዘን ብዕቱብ ሓበሬታት ዝምግብ ክህሉ፣ ብውልቀ ሃገር ድማ ምትሕብባር ኣብ መንጐ ሚኒስትሪታትን ዞባዊ ምሕደራን ክህሉ ይግባእ።
ቢቢሲ፤ ዝተረፈ ኣገዳሲ ህዝቢ ክፈልጦ ኣለዎ ትብሎ እንተሎ?
ሄኖክ፤ ብዙሕ ግዜ ካብ ዝተጸንዐ፡ ምንቅጥቃጥ ኣብ ዘጋጥመሉ ዝሓሸ ብዙሕ ህይወት ዝድሕነሉ ህሞት ኣብ ሽቓቕ ዝተዓቘቡ እዩ። ወይ ድማ ኣብ እንዳኽዳውንቲ (Closet) ኣብ ገለ ገለ ድማ ኣብ ትሕቲ ድልዱል ጣውላ ዝተሓብኡ'ውን ድሒኖም ይብሉ።
እቲ ዝበለጸ ግን ምንም ኣብ ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ ድልዱል ጣውላ ምዃን እውን ይምከር እዩ። ኣብ ደገ እንተለኻ ኣብ ኣዚዩ ቃልዕ ምንም ህንጻታት ወይ ዝተተኽለ ፓሎታት ወይ ዝዀነ ዘይብሉ ብህድኣትን ምስትውዓልን ነብስኻ ክትኣሊ ሞያውያን ይምዕዱ።