ሞሮኮ፡ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ 'ፍርቂ ነበርቲ ሓንቲ ቊሸት ጠፊኦም'

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ዝረኸብዎ ሓደ ነባሪ ቊሸት ታፈጋግተ፡ በቲ ኣብ ሞሮኮ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመ ዕንወት ሓፈሻዊ ገምጋም ይዛረብ።

ንፈለማ ዝረኸብናዮ ነባሪ እታ ‘ታፈጋግተ’ ዝተባህለት ቍሸት፡ ኣብታ ሃገር - ሞሮኮ - ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ዝሰዓበ ዕንወት ሓፈሻዊ ገምጋም ይህብ።

"ኣብዛ ዓዲ ዝነብሩ ሰባት ወይ ኣብ ሆስፒታል ኣለዉ ወይ ሞይቶም እዮም" ይብል።

ኣብ ላዕሊ ፍርስራስ ኣባይቲ ደይብካ ክትዕዘብ እንከለኻ፡ ዝዀነ ሰብ ከይተጐድአ ክሃድም ከም ዘይክእል ትርዳእ።

ሕጡብን ኣእማንን ባህላዊ ኣባይቶም፡ ምስ ዓቐን እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝመጣጠን ኣይነበረን።

ካብቶም 200 ዝዀኑ ነበርቲ፡ 90 ሞይቶም ካልኦት ብዙሓት ድማ ደሃዮም ኣይተረኽበን።

"ክሃድሙ ዕድል ኣይነበሮምን፤ ንነብሶም ከድሕኑ ግዜ ኣይነበሮምን" ይብል ሓሰን፡ ንሱ'ውን ካብቲ ፍርስራስ እዩ ወጺኡ።

ኣኮኡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተቐቢሩ ከምዘሎ ይዛረብ፤ ተዃዒቱ ክወጽእ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘይብሉ ድማ ይገልጽ።

ኣብዚ ማሽነሪ ዘለዎ ሰብ የለን፤ ካብ ካልእ ዝመጽእ ሓገዛት ድማ ክሳብ ሕጂ ኣይበጽሐን።

"እዚ ፈጣሪ እዩ ኣምጺእዎ'ሎ፡ ስለ ኵሉ ድማ ንኣላህ ነመስግኖ፤ እንተዀነ ሓገዝ መንግስቲ ንጽበ ኣለና። ህዝቢ ኣብ ምሕጋዝ ደንጒዮም - ኣመና ደንጉዮም እዮም" ይብል።

ሰበስልጣን ሞሮኮ ንዅሉ ዝቐርብ ኣህጉራዊ ሓገዛት ክቕበሉ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ሓሰን፡ “ እንተዀነ እቲ ዘሎ ትምክሕቲ ንዅሉ ከይዓጸዎ” ስግኣቱ ኣይሓብአን።

በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ኣብቲ ንእሽቶ ማሕበረሰብ፡ ኵሉ ሰብ ንሓደ - ዓብዱራሕማን - ዝተባህለ ሰብኣይ ከጸናንዕ ይርአ።

ዓብዱራሕማን፡ በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ኣወዳት ደቍን ዝሰኣነ እዩ።

“ገዛና ኣብቲ ነይሩ” ይብል ናብቲ ዝፈራረሰ ከባቢ እናመላኸተ። ሕጂ እቲ ከባቢ ፈራሪሱ እዩ።

“ጻዕዳ ኮቦርታን ገለ ኣቝሑትን ክትርእዩ ትኽእሉ፤ ዝተረፈ ኵሉ ጠፊኡ እዩ።”

ዓብዱራሕማን ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ፡ ሰለስተ ኪሜ ርሒቑ ካብ ዝርከብ መዐደሊ ነዳዲ ስርሑ፡ ንገዛኡ እናጐየየ ከምዝኸደ ይዝክር።

ኣብ ከባቢ ገዛኡ ምስበጽሐ ኣስማት ደቁ ዓው ኢሉ ክጽውዕ ጀሚሩ፤ ጻውዒት ካልኦት ሰባት እውን ይስማዕ ነበረ። መልሲ ግን ኣይረኸበን።

“ትማሊ ቀቢርናዮም” ይብል።

“ክንረኽቦም ከለና ኵሎም ተጸቓቒጦም ነይሮም። ሰለስቲኦም ኣወዳት ደቂሶም እዮም ነይሮም። ምስቲ ምንቅቃጥ ምድሪ ከይዶም።“

ኣብቲ ነታ ቊሸት ምስ ካልኦት ከባቢታት ዘራኽብ ጐደና፡ ኣብ ሓደ ዳስ ብዙሓት ሰባት ኮፍ ኢሎም ይረኣዩ።

ካብ ኵሉ ኣንፈት ዘሕዝን ብኽያት ይስማዕ።

ቅድሚ ቅሩብ እዋን ተፋሒሩ ዝወጸ ሬሳ ናይ ጓል 10 ዓመት ካሊፉ፡ ከም ብሓድሽ ብኽያት ቀስቂሱ ኣሎ።

እዚ ትርኢት ሓዘን ኣብ ከባቢ ጐቦ ኣትላስ ናይ ዝርከባ ብዙሓት ቊሸታት ሞሮኮ ኲነት እዩ። ቅልጡፍ ሓገዝ ድማ የድልየን።