ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሞሮኮ፡ ‘ፍጹም ሕንፍሽፍሽ እዩ ነይሩ’

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ለይቲ እዩ ኣጋጢሙ፤ ብዙሓት ሰባት ድሮ ኣብ ዓራት ደቂሶም ነይሮም። እቲ 6.8 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ግን፡ ሰባት ብስንባደ ከካብ ገዛኦም ሃዲሞም ክወጹ ከገድድ ግዜ ኣይወሰደን።

ድሕሪ 19 ደቓይቕ ድማ 4.9 ዝዓቐኑ ድሕረ-ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒቡ።

ቍጽሪ ዝሞቱ ዛጊት ልዕሊ 2000 በጺሑ ከም ዘሎ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ይሕብራ። ብርግጽ ክንደይ ከም ዝሞቱ ግን ንጹር ኣይኰነን። እቲ ሕምብርቲ ምንቅጥቃጥ ኣብ ኣኽራናት ኣትላስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዙሓት ኣብ ማራካሽ ሞይቶም እዮም።

ዓብደልሓቅ ኤልኣምራኒ ዝተበሃለ ወዲ 33 ዓመት ነባሪ ማራካሽ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሕሱም ምንቅጥቃጥ ተሰሚዑና፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምዃኑ ድማ ተረዲኡኒ። ህንጻታት ክንቀሳቐሱ እርኢ ነይረ" ኢሉ።

"ድሕሪኡ ናብ ደገ ወጺአ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብኡ ነይሮም። ኵሎም ኣብ ስንባደን ራዕዲን ነይሮም። ቈልዑ ይበኽዩ፡ ወለዲ ድማ ይጭነቑ።"

ኣብ ኣረጊት ከተማ ማራካሽ ወናኒ ንብረት ዝዀነ ፈረንሳዊ ማይክል ቢዘት፡ "ዓራተይ ዝነፍር ዘሎ መሲሉኒ። ፍርቂ ዕርቃነይ ናብ ጐደና ወጺአ፡ ብኡንብኡ ድማ ገዛውተይ ክርኢ ከይደ” ክብል ነቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

"ፍጹም ሕንፍሽፍሽ እዩ ነይሩ፡ ናይ ብሓቂ ዕንወት!"

ኣብ ሞሮኮ ዝነብር ብሪጣንያዊ ጋዜጠኛ ማርቲን ጀይ፡ ኣውያት ሰሚዑ ከም ዝተበራበረ ይዛረብ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ቀዳማይ ምልክት ጭደራ በዓልቲ ቤተይ'ዩ ነይሩ። ክልተና ንኽንድቅስ ትኽስ እናበልና ኔርና። ሽዑ ክትጭድር ጀሚራ፡ ኣነ ድማ በቃ ኣዒንተይ ከፊተ ግን እንታይ ከም ዝተፈጥረ ምሉእ ብምሉእ ክርዳእ ኣይከኣልኩን” ኢሉ።

"እቲ ኵነታት ምሉእ ብምሉእ ኣይበርሀለይን፡ ኣብ ማእከል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘለኹ ክግምት ኣይከኣልኩን።"

"ኵሉ ነገር ኣንቀጥቂጡ፡ ኵሉ፡ ዓራት፡ መሬት፡ ኣርባዕተኡ መናድቕ" ብምባል ሰባት ናብ ገዛኦም ከይምለሱ ከም ዝተነግሮም ወሲኹ ሓቢሩ።

"መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ገዛኦም ወይ ኣፓርታማታቶም ወጻኢ ኣብ መሬት ኮፍ ኢሎም ኣለዉ፡ ምኽንያቱ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ክመጽእ እዩ ኢሎም ዝገመትዎ ካልኣይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለዝፈርሑ። ኣምላኽ ይመስገን። ኣይመጸን።"

ካልእ ነባሪ ማራካሽ ፈይሰል ባዶር፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 23፡11 ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ መኪና እናዘወረ’ዩ ነይሩ።

"እቲ ኣውያትን ብኽያትን ክጻወሮ ዘይጽወር እዩ ነይሩ" ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ሚና መቲዮይ፡ ኣብ ማራካሽ፡ እቲ ድምጺ "ናይ ውግእ ነፋሪት" ይመስል ከም ዝነበረን ዝያዳ እናወሰኸ ከም ዝኸደን ገሊጻ።

"ቀጺለ ክፍለይ ክንቀሳቐስ ርእየ፡ ስእልታት፡ ፍሬም ካብ መንደቕ ክወድቁ ጀሚሮም" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። "ሽዑ'የ ገለ ዓይነት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠመ ዝተረዳእኩ።"

"ደቓይቕ ዝመስል ካልኢት ወሲዱለይ። ድሕሪኡ ሰባት ክጭድሩ ሰሚዐ፡ ካብቲ ገዛውቶም ከውጽኡ... ናይ ብሓቂ ዘስካሕክሕ ተመኵሮ'ዩ ነይሩ።"

ሕጂ ጻዕርታት ምድሓን ህይወት ይቕጽል ኣሎ፡ ብዙሓት ህንጻታት ድማ ብኸቢድ ተሃስዮም ኣለዉ።

ኣብታ ናብቲ ሕምብርቲ እቲ ምንቅጥቃጥ ዝቐረበት ኣኽራናዊት ቁሸት ኣስኒ ዝነብር ሙንተስር ኢትሪ እውን፡ "ጐረባብትና ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ስለዘለዉ፡ ሰባት ኣብታ ዓዲ ዘሎ ኣገባባት ተጠቒሞም ንኸድሕኑ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለዉ" ክብል ንሮይተርስ ሓቢሩ።

ሁዳ ኣውታሳፍ ኣብ ማራካሽ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ጀማዓ ኤል-ፍና እናተዘዋወረ እንከሎ መሬት ክናወጽ ተሰሚዕዎ።

"ብሓቂ ዘሰንብድ ስምዒት እዩ ነይሩ" ክብል ንኤኤፍፒ ገሊጹ። "ድሒንና ኢና ግን ሕጂ'ውን ኣብ ስንባደ’የ ዘለኹ።"

"ብውሑዱ 10 ኣባላት ስድራይ ሞይቶም’ዮም... ክኣምኖ ዳርጋ ኣይክእልን'የ" ክብል ሓዘኑ ገሊጹ።

ብበጻሕቲ ተፈታዊት ዝዀነት ታሪኻዊት ከተማ ማራካሽ፡ ኣብ ዓመት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክትስሕብ ጸኒሓ እያ።

ኣብኡ ኣብ ዕረፍቲ ዝነበረት እንግሊዛዊት ሎሬላ ፓልመር፡ "እቲ ክፍሊ በቃ ክናወጽ ጀሚሩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ፍሬም ስእልን ዓራትን ክናወጽ ክሳብ ዝጅምር ሓንጎልካ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ፍጻመ ብኡንብኡ ኣይርድኦን" ድማ ትብል።