ብምንቅጥቓጥ ምድሪ ቱርኪ፡ ኣስማቶም ዝጠፍአ ህፃናት

እዞም ኣብ ከተማ ኣዳና ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝርከቡ ዝቖሰሉ ህፃናት፡ እንታይ ከም ዝሰኣኑ ንምፍላጥ ኣይኽእሉን፡ ብጣዕሚ ዕሸላት እዮም።

ኣብቲ ክፍሊ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና ዝርከቡ ዶካትር ንሓንቲ ወለዳ ክርከቡ ዘይኽእሉ ዝተጐድአት ጓል ሽድሽተ ወርሒ ህፃን ብጥርሙስ ክምግብዋ ርእየ።

ወለዶም ዝሞትዎም ወይ ድማ ደሃዮም ክርከቡ ዘይኽእሉ ብኣማኢት ዝቑፀሩ መንነቶም ዘይተፈለጡ ህፃናት ኣለዉ።

እዚ ዘጋጠመ ምንቅጥቓጥ መሬት ንገዝኦም ኣዕንዩ፡ ሕዚ ድማ ስሞም እውን መንጢልዎም ኣሎ።

ዶክተር ኑርሳህ ኬስኪን፡ ኢድ እታ ኣብ ክፍሊ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና ትርከብ ህፃን ሒዛ ኣላ፡ እዛ ህፃን፡ በቲ ኣብቲ ዓራት ዝተቐመጠ መፍለይ ጥራሕ እያ ትፍለጥ፡ “ስማ ኣልቦ”።

እዛ ህፃን ብዙሕ ስብራት ኣለዋ፣ ፀሊም ዓይናን ገፃን ብሕሱም ተጐዲኡ እዩ፤ ንሳ ግና ዘወር ኢላ ፍሽክ በለትልና።

ሓኪም ህፃናትን ምክትል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታልን ዶክተር ኬስኪን፡ “ኣበይ ከም ዝተረኸበትን ብኸመይ ናብዚ ከምዝበፅሐትን ንፈልጥ ኢና። ግና ኣድራሻ ንምርካብ ንፅዕር ኣለና” ትብል።

መብዛሕትኦም እዞም ጉዳያት፡ ኣብ ካልኦት ዞባታት ካብ ዝፈረሱ ህንፃታት ብሂወት ዝደሓኑ ህፃናት እዮም። እቲ ሆስፒታል ክሳብ ሕዚ ደው ኢሉ ስለዘሎ እዮም ናብ ኣዳና ኣምፂአሞም ዘለዉ።

ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ዞባ ዝርከቡ ብዙሓት ማእኸላት ጥዕና ፈሪሶም ወይ ከኣ ተጐዲኦም እዮም። ኣዳና ድማ ማእኸል ሂወት ምድሓን ኰይና።

ኣብ ሓደ ዝውውር፡ ኣብ ከተማ ኢስከድሩን ኣብ ዝርከብን በዚ ምንቅጥቓት መሬት ብኸቢድ ኣብ ዝተወቕዐን ሆስፒታል ዝተወለዱ ሓደሽቲ ሕንጦታት፡ ካብ ክፍሊ መዋልዳን ብቕልጡፍ ናብዚ ኣምፂአሞም።

ሰብመዚ ጥዕና ቱርኪ፡ ኣብ እታ ሃገር ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 260 ህፃናት ከምዝቖሰሉን መንነቶም ምፍላጥ ከምዘይተኽኣለን ገሊፆም።

እዚ ኣሃዝ፡ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ምብፃሕ ምስ ዝከኣልን ቁፅሪ መንበሪ ዘይብሎም ምስ ዘጋጥምን ሰማይ ክዓርግ ይኽእል እዩ።

በቶም ዝተዓፀዉ ኮረደዮታት ንዶክተር ኬስኪን ስዒበያ። ካብዚ ምንቅጥቓጥ መሬት ብሂወት ዝተረፉ ሰባት ኣብ ዓረብያታት (ትሮሊ) ደቂሶም፣ ካልኦት ድማ እቲ ናይ ህፁፅ እዋን ክፍሊ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ፍርናሽ ብኮበርታ ተጠቕሊሎም ይረኣዩ።

ናብቲ ብዝተጐድኡ ህፃናት ዝተመልአ ክፍኢ መጥባሕቲ ኣምሪሕና።

ዶካትር ጓል ሓሙሽተ ወይ ሽድሽተ ዓመት ከምዝኾነት ዝገለፅዋ ህፃን ረኺብና። ግሉኮዝ ተተኺልዋ፡ ደቂሳ ኣላ። እቶም ሰራሕተኛታት፡ ጉድኣት ርእስን ብዙሕ ስብራትን ከምዘለዋ ይገልፁ።

ስማ ክትነግሮም እንተኽኢላ ሓቲተ።

ሓኪም መጥባሕቲ ህፃናት ዶክተር ኢልክኑር ባንኪሴሱር፡ “ኣይፉል፡ ናይ ዓይንን ኣካላውን ምልክት ጥራሕ”።

“ምክንያቱ ብሰንኪ ስንባደ እዞም ህፃናት ክዛረቡ ኣይኽእሉን። ኣስማቶም ይፈልጡ እዮም። ምስ ተረጋግዑ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ክነዛርቦም ክንፍትን ንኽእል ኢና” ትብል።

ሰብመዚ ጥዕና፡ መንነት እቶም ህፃናት ምስ ኣድራሽኦም ንምዝማድ ክፍትኑ እዮም ፀኒሖም።

እንተኾነ መብዛሕትኦም እቶም ኣድራሻታት ካብ ዑናታት ዝሓለፉ ኣይኰኑን።

ብውሑዱ ኣብ 100 ተርእዮታት፡ ስም ኣልቦ ህፃናት ናብ መሐብሐቢ ተወሲዶም ኣለዉ።

ማሕበራዊ ሚድያ ቱርኪ፡ ዝጠፍኡ ህፃናት ብዘርእዩ፣ ኣብ ዝፈረሱ ህንፃታት ኣብ ኣየናይ ደርቢ ከም ዝነበሩ ብዝገልፅ ዝርዝር ሓበሬታን ብሂወት ተሪፎም ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ ከምዝኽእሉ ብዘተስፍዉን ጥቃዓት (ፖስት) ተመሊኦም ኣለዉ።

ብሂወት ዝተረፉ ኣዝማድን ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገርን፡ ናብ ማእኸላት ጥዕና ብምኻድ ክረኽብዎም ይፍትኑ ኣለዉ።

ሕዚ እውን ዝቖሰሉ ሰባት ናብ ሆስፒታል ኣዳና ይመፅኡ እዮም ዘለዉ። ሰንቢዶምን ተዳኺሞምን እዮም።

ኣብዚ ዘለዉ ኩሎም ውፃእ መዓት እዮም፡ ተሓከምትን ሓኻይምን።

ዶክተር ኬስኪን፡ በዚ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣዝማዳ ስኢና፡ ሕዚ ምስ ደቃ ኣብዚ ሆስፒታል ኣዕቑባ ትርከብ።

ከመይ ትፃወሮ ከምዘላ ሓቲተያ።

“ፅቡቕ ኣለኹ፡ ፅቡቕ ንምዃን እፍትን ኣለኹ። (እዞም ህፃናት)ይደልዩና እዮም።

ኣነ ግና ኣምላኽ ይመስገን እየ ዝብል፤ ክሳብ ሕዚ ደቀይ ብሂወት ኣለዉ። ንሓንቲ ኣደ ውላዳ ከም ምስኣን ዝበለ ዝዓበየ ቃንዛ ክሓስብ ኣይኽእልን እየ” ትብል።

ኣብ ጥቓና ኣብ ዘለዉ ክፍልታት ዘለዉ መናእሰይ ተሓከምቲ፡ ወለዶም ተመሊሶም ክመፅኡ ይፅበዩ ኣለዉ።

ገሊኦም ዳግማይ ምስ ስድርኦም ተራኺቦም ኣለዉ። እቶም ዝተረፉ ግና፡ በዚ ምንቅጥቓጥ መሬት ስምኣልቦ ህፃናት ክኾኑ ዝተገደዱ’ዮም።