እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሞሮኮ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 1000 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ሞሮኮ ብዝተኸሰተ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 1037 ሰባት ምማቶም ተገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ድሕነት ውሽጢ ሃገር ሞሮኮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 6.8 ሬክተር ስኬል ዝልካዕ ምንባሩን ከቢድ ጉድኣት ምስዓቡን ሓቢሩ።
ብሰንኪ እቲ ልዕሊ 672 ሰባት'ውን ከምዝተጎድኡ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ከባቢ ጎቦታት ኣትላስ ዘጋጠመ ኮይኑ ካብ ማራኬሽ ንኣንፈት ደቡብ ምዕራብ 71 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ይርከብ።
ኣብ 18.5 ኪሎ ሜትር ዕምቖት ከምዝተበገሰ'ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ኣል ሃውዝ፣ ማራኬሽ፣ ኦራዛቴ፣ ኣዚል፣ ክሪቾዋን ታራዉንዳንት ኣብ ዝተብሃሉ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት’ዮም ግዳይ እቲ ሓደጋ ኮይኖም ዘለዉ።
ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ህንጻታትን ጎደናታትን ጉድኣት ከምዝበጽሖም ዘርእዩ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሖም።
ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ማራኬሽ ጥንታውያን ገዛውቲ ከምዝዓነዉ ገሊጹ።
ነበርቲ ካብቲ ሓደጋ ንምድሓን ካብ መንበሪ ገዛውቶም ወጺኦም ክጸንሑ መሪጾም።
ካልእ ኣብታ ታሪኻዊት ከተማ ዝነብር ሰብ ብወገኑ “ህንጻታት ክንቀሳቐስ” እንከሎ ከምዝረኣየን ዘፍርሕ ምንባሩን ሓቢሩ።
ዓብደላክ ኤል ኣምሪኒ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ሰባት ሰንቢዶምን ፈሪሖምን ነይሮም። ወለዲ ተሻቒሎም ቆልዑት ይበኽዩ ነይሮም” ኢሉ።
ንዓሰርተ ደቂቕ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክን ቴሌፎንን ተቛሪጹ ከምዝነበረ’ውን ገሊጹ።
ሓደ ምሉእ ስድራ ኣብ ሓደ ዝፈረሰ ገዛ ተደቢኑ ከምዝነበረ ክግለጽ እንከሎ ብዙሓት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱ ተፈሊጡ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ጎቦታት ኣትላስ ብተወሳኺ ኣብ ርእሰ ከተማ ራባት፣ ካዛብላንካን ኢስዎርያን ከምዝተሰምዐ ተፈሊጡ።
እቶም ኣብ ጎቦታት ዝተሰርሑ ህንጻታት ካብቲ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተርፉ ኣይመስሉን። ምሉእ ጉድኣት ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምፍላጥ ግዜ ክወስድ ምዃኑ ይግለጽ።